ENA - ኢዜአ ትግርኛ
አርእስተ ዜና
ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 18, 2025 10
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018 (ኢዜኣ) ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና ኢሎም። እቲ ፕሮጀክት፤ ሩባ ወልመል ብመስኖ ብኣግባቡ ብምጥቃም መፍረያይነት ግብርና ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቶ ፕሮጀክት ዘላቒ ስርዓት መስኖ ገፀ ምድሪ ብምህናፅ ንዘበናት ኣብ ማይ ዝናብ ጥራሕ ዝተፀግዐ ዝነበረ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘላቒ ሜላ መነባብሮ ንምርካብ ተተሊሙ ዝተሰርሐ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም። እቲ ፕሮጀክት ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ተግባር ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ንከባቢ 20 ሽሕ ሓረስቶት ዘገልግል 9687.45 ሄክታር መሬት ሕርሻ ዘተኣማምን ቀረብ መስኖ ከምዝህልዎ ፀሪሖም። እዚ ድማ መፍረያይነት ግብርና ዘዕቢ፣ንድርቂ ዘይቃላዕ ከባቢ ዝፈጥርን ኣብቲ ማሕበረሰብ ሓደሽቲ ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን እዩ ኢሎም። ካብዞም ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ብተወሳኺ ትካላት ምምሕዳር ማይ እቲ ከባቢ ብምጥንኻር፣በዓል ዋንነት ህዝቢ እቲ ከባቢ ብምዕባይን ዘላቒ ኣጠቓቕማ ሩባ ወልወል ብምጥንኻርን ንዝሓሸ ልኣላዊነት ምግቢ ከምዘገልግል ኣብ መልእኽቶም ኣፍሊጦም።
ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምዝታይ ንፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ናይ ኩላትና ፃዕሪ፣ምትሕብባርን ተሳትፎን የድሊ-ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ
Oct 18, 2025 14
ሆሳዕና/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምዝታይ ንፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ናይ ኩላትና ፃዕሪ፣ምትሕብባርን ተሳትፎን የድሊ ክብሉ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም። ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ “እጃም ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ንውፅኢታዊ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሆሳዕና መድረኽ ምኽክር የካይድ ኣሎ። ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብዚ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ሃገራዊ ጉዳይ ምዝታይ ንቀፃሊ ዕድል ኢትዮጵያን ህዝባን ወሳኒ እዩ። ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ዝካየድ እዚ ሃገራዊ ምክክር ሰናይ ዕድል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ዕድል ምጥቃም ካብ ኩሉ ትፅቢት ዝግበር እዩ ኢሎም። ስለዝኾነ እውን ኣብዚ ከይዲ ብፍላይ ድማ ተሳትፎ ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንዕዉትነቱ ተመሳሰልቲ መድረኻት ዘተ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናተሳለጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ሃገራዊ ፀገማት ብምኽክር ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ናይ ኹሉ ተሳትፎ ወሳኒ እዩ ዝበሉ እቶም ዋና ኮሚሽነር፤ ንተግባራዊነቱ ብሓባር ክንሰርሕ ኣለና ክብሉ ኣገንዚቦም። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብምዝታይ ንፀገማት ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ ናይ ኩላትና ፃዕሪ፣ምትሕብባርን ተሳትፎን የድሊ ክብሉ እውን ኣረዲኦም።
ኣብታ ከተማ ተረባሕነት ህዝቢ ብዝበለፀ ዘረጋገፁ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም
Oct 18, 2025 12
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ተረባሕነት ህዝቢ ብዝበለፀ ዘረጋገፁ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምስላጦም ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፈላማይ ርብዒ ዓመት በጀት ዓመት 2018 ግምገማ ምክያድ ጀሚሩ። ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣብቶም ኣዋርሕ ክረምቲ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ፅዕንቶ መነባብሮ ከስዕቡ ዝኽእሉ ስራሕቲ ብምፍላይ እቲ ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም። ስለዝኾነ እውን ብመዳይ ፅዕንቶ ምኽባር ናብራ ምቕናስ ምርግጋዕ ዕዳጋ፣ፍርያት ብበዝሒ ንክኣቱ ምግባር፣ኣብ ዕዳጋ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ፀገማት ምቁፅፃርን ፅዕንቶ መነባብሮ እቲ ህዝቢ ምቅላልን ዘኽኣሉ ስራሕቲ ተሳሊጦም እዮም ኢለን። ሰብ ውዕለታ ሃገር፣ዓቕሚ ዘይብሎምን ንማሕበራዊ ፀገም ዝተቓልዑን ወገናት ብምፍላይ ኣብ ሰብ ተኮር ስራሕቲ እውን ልዕሊ 2 ሽሕን 500 ኣባይቲ ንምስራሕ ተተሊሙ ልዕሊኡ ከምዝተሰርሐ ኣረዲአን። ስራሕቲ ምፅናዕ ሰላም ብተሳትፎ እቲ ሕብረተሰብ ውፅኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ምስላጦም እውን ፀሪሐን። በዓላት ክብሮም ሓልዮም ብሰላማዊ መንገዲ ንክኽበሩ ከምኡ እውን ሓድነት እቲ ህዝቢ ንክጠናኸር ከምዝተገበረ ተዛሪበን። ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ስሕበት ኮንፈረንስ ቱሪዝም ንክትኸውን ብምግባር ብርክት ዝበሉ ሃገር ለኸን ዓለም ለኸን ፍፃመታት ከምዘተኣናገደት ገሊፀን። ኣብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ መድረኽ ግምገማ፤ ኣብቲ ርብዒ ዓመት ዝተተለሙን ዓበይቲ ስራሕቲ 90 መዓልትታት ዝበፅሕዎ ብርኪ ኣፈፃፅማን ከምዝግምገሙ ኣረዲአን።
ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃም ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ-እቲ ኮሚሽን
Oct 18, 2025 12
ቦንጋ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃም ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ ኮሚሽን “እጃም ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ንውፅኢታዊ ሃገራዊ ምኽክር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ቦንጋ መድረኽ ዘተ የካይድ ኣሎ። ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሙሉጌታ ኣጎ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዝረኣዩ ኣፈላላያትን ዘይምርድዳኣትን ሓሳብ ብምኽክር ንምፍታሕ እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕበብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ብምውዳድ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ። ብስእነት ሰላም ብዋናነት ተጎዳእቲ ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ስለዝኾኑ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እዞም ክፋላት ሕብረተሰብ እዚኦም እጃሞም ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ እውን ሓቲቶም። ኣብ ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት ዝተሓቖፉ ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ንኣፈላላይን ዘይምርድዳኣትን ምኽንያት እዮም ዝበልዎምን ሃገራዊ ምርድዳእ ክግበረሎም ዝግባእ ዝብልዎምን ሓሳባት ብምውዳድ ነቲ ኮሚሽን ምቕራቦም ገሊፆም። ዕላማ እቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መድረኽ ዘተ እውን ካብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝተውፃእፅኡ ደቂ ኣንሰትዮ፣መናእሰይን ጉዱኣት ኣካልን ንቀፃሊ ስራሕ እቲ ኮሚሽን ምኽረ ሓሳብ ንክህቡን ምኽክር ባህሊ ኮይኑ ንክቕፅል እጃሞም ንክዋፅኡን እዩ ኢሎም።
ህልውናን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ኣባይን ዝተኣሳሰረ እዩ
Oct 18, 2025 23
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ህልውናን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ኣባይን ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ገሊፆም። ብምትሕብባር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ፣ኮሌጅ ዋር ምክልኻልን ዩኒቨርሲቲ ሰመራን “ስርዓታት ክልቲኦም ማያትን ስትራቴጂካዊ ነፃነት ኢትዮጵያን፣ምትእስሳር ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ከምኡ እውን ስትራቴጂካዊ እጃም ዓፋር ምድህሳስ”ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ምኽክር ይካየድ ኣሎ። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ኣብዚ እዋን፤ መከፋፈሊት ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ፣ ምድረ ስልጡናት ህዝብን ሓርበኛታትን ዝኾነት ኢትዮጵያ ምስ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዋን ኣስኳል ቀርኒ ኣፍሪካን ምዃና ተዛሪቦም። ህልውናን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ልምዓት ተፋሰስ ኣባይን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ጂኦፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያ እውን ካብ ክልቲኦም ኣካላት ማይ ዝቃነ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ናብ ቀይሕ ባሕሪ እንትንቐርብ ሓያልነትናን ኣተሓሳስባናን ይሰፍሕ ኢሎም። ንዝሓለፉ 3 ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ ቀይሕ ባሕርን ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕርን ምርምርን ዘተታት ፖሊሲን ምክያድ ፈፂሙ ዘይሕሰብ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም። “ስትራቴጂካዊ ነፃነት ክልቲኦም ማያትን ኢትዮጵያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ኮንፈረንስ እውን ክልቲኦም ማያት ኩለ መድያዊ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ መዓልታዊ ኣጀንዳ ምግባር ኣድላይ ብምዃኑ እዩ ኢሎም። ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብቲ ባሕሪ ብዝዘለለ ምስ ናይ ባዕልኻ ታሪኽ፣ጂኦግራፊ፣ሓቅን ስነ ልቦናን ምትዕራቕ ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሰመራ መሀመድ ዑስማን(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ መድረኽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዘኽእል ሙሁራዊ ዘተ ንምግባር ወሳኒ እጃም ኣለዎ ኢሎም። ድሌት ምርካብ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ እውን ምስ ታሪኽ፣ጂኦግራፊን ዞባዊ ድሕንነትን ብቀጥታ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ደገፍ ንውግእ ኮሞዶር ተገኝ ለታ፤ ኩለ መዳያዊ ብሄራዊ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ምስ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎም። ቅድሚ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዳግማይ ብሓይሊ ሰብ ብምውዳብ ብቴክኖሎጂ ዘተኣማምንን ጠንካራን ሰራዊት እናተሃነፀ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ፖለቲካ

ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ስምምዓት ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረ እዩ
Oct 18, 2025 18
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ስምምዓት ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃእን ሰላምን ፈትሂ ማህዲ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ምክትል ኣካቢ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣፍ ደገ ባሕሪ ምርካብ ብሄራዊ ረብሓ ንምሕላውን ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምርግጋፅን ወሳኒ እዩ። ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ቅዋም ሂብካ ምቕባል ዝተኸተለን ዓለም ለኸ ስምምዓት ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ተፈጥሮ መሰረት ዝገበረን ምዃኑ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ በሪ ባሕሪ ከምዝነበራ ብምዝኽኻር፤ እቲ በሪ ባሕሪ ዝሰኣነቶ ብሽርሒ ታሪኻዊ ፀላእታን ብሸለልትነት ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕትን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ተጠቀምቲ በሪ ባሕሪ ዝገብሩ ሕግታት ምቕማጡ ሓቢሮም። ሕቶ ኣፍ ደገ ባህሪ ኢትዮጵያ እውን ካብዞም ሕግታት ከምዝብገስ ብምግላፅ፤ እቲ ሕቶ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ እናረኸበ ምምፅኡ ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ እንተኾይና ተወዳዳርን ፅሬት ዘለዎምን ፍርያታት ናብ ዕዳጋ ዓለም ብዝተመጣጠነ ዋጋ ንምቕራብ ከምዘኽእል እውን ተዛሪቦም። ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ መንግሥቲ ሓሊፉ ኣጀንዳ መላእ ኢትዮጵያውያን ኮይኑ እዩ ኢሎም።
ትልሚ ጥፍኣት ፀረ ሰላም ብምዃን ዝንቀሳቐስ ዘሎ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምትሕብባር ህዝብን ሓይሊ ፀጥታን ተመኪቱ-መምርሒ ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ወልድያ
Oct 17, 2025 69
ወልዲያ/ጥቅምቲ 7/2018 (ኢዜኣ) ትልሚ ጥፍኣት ፀረ ሰላም ብምዃን ዝንቀሳቐስ ዘሎ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምትሕብባር ህዝብን ሓይሊ ፀጥታን ከምዝተመከተ መምርሒ ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ወልድያ ኣፍሊጡ። ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቐስ ፅንፈኛ ጉጅለ ሰላም ህዝቢ ንክዛባዕን ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ንክተኣጓጎሉን ዝፅዕር ሓይሊ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ጉጅለ ካብ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ልኡኽቶ ብምቕባል ብክሕደት ሃገርን ህዝብን ንምጉዳእ ዕላማ ሒዙ እናሰርሐ ዝርከብ እዩ። ስለዝኾነ እውን ዕላማ እዚ ፅንፈኛ ጉጅለ ብኣግባቡ ብምርዳእ ብምትሕብባር እቲ ህዝብን እቲ ሓይሊ ፀጥታን ስራሕ ምኽባር ሕግን ምፅናዕ ሰላምን ብዝተጠናኸረ መልክዑ እናቐፀለ እዩ። ሓላፊ መምርሒ ፀጥታን ሰላምን ምምሕዳር ከተማ ወለድያ ኮማንደር ደርበው ኣዳነ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎን ከባቢኡን ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ትልሚ ጥፍኣት ፀረ ሰላም ብምዃን ዝንቀሳቐስ ዘሎ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምትሕብባር እቲ ህዝብን ሓይሊ ፀጥታን እናተመከተ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ዕላማ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ መቕተልትን ስርቅን ካብ ምፍፃም ብዝሓለፈ መናእሰይ ናብ ቤት ትምህርቲ ንከይኸዱ፣ሓረስቶት ንከየፍርዩን ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ንምትእጉጋልን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሰላም ህዝቢ ንምርግጋፅ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ግድን እዩ ኢሎም። ስለዝኾነ እውን ብጠንካራ ስጉምቲ ሓይሊ ፀጥታን ምትሕብባር እቲ ህዝብን ስራሕ ምኽባር ሕጊ ምስላጡ ብምዝኽኻር፤ በዚ ድማ ኣብ ወልድያን ከባቢኡን ዘተኣማምን ሰላም ምህላዉ ተዛሪቦም። ኣብ ወልድያን ከባቢኡን ዘሎ ሰላም ብዘላቕነት ንምቕፃል ምስ መናእሰይ፣ዓበይቲ ዓዲ፣ኣቦታት ሃይማኖትን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተውፃእፅኡ ተወከልትን ብቐረባ እናሰራሕና ኢና እውን ኢሎም። ሰላም ወልዲያን ከባቢኡን ንምፅናዕ ሓይልታት ፀጥታ ብዝተዋደደ መንገዲ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ ነበርቲ እታ ከተማ እውን ብብሎክ ብምውዳብ ንሰላም ዘብዒ ምዃኖም ብተግባር ምርግጋፆም ገሊፆም። ነበርቲ እታ ከተማ ካብ ዝኾኑ ድንቁ ወልደሰንበትን ጀማል ኣህመድን፤ ስእነት ሰላም ንዝተፈላለዩ ዝተሓላለኹ ፀገማት ከምዘቃልዕ ስለዝረኣናዮ ንህንፀት ሰላም ዝኾነ ዓይነት ዋጋ ንምኽፋል ድሉዋት ኢና ኢሎም። ንህንፀት ዘላቒ ሰላም ፃዕሪ ሰላም መንግስቲ ብምንኣድ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ብመንገዲ ጥፍኣት ዝቐፅለ ፅንፈኛ ጉጅለ ዝተጠናኸረ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
ኣብ ወፃኢ ሃገራት ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዝነበረ ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብዓወት ተዛዚሙ-እቲ ኮሚሽን
Oct 17, 2025 68
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2018(ኢዜኣ) ኣብ ወፃኢ ሃገራት ምስ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ዝነበረ ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብዓወት ምዝዛሙ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ገሊፁ። እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ከካይዶ ዝፀንሐ ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ጥበቡ ታደሰ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ፣ሰሜን ኣሜሪካ፣ካናዳ፣ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትስ፣ስዊድንን እንግሊዝን ዲያስፖራ ወገናት ዝተሳተፍሉ መድረኽ ተሳሊጡ። እቶም ተሳተፍቲ ኣብቲ መድረኽ ከምኡ እውን ብበይነ መረብ ሓሳቦም ከምዘካፈሉን ኣጀንድኦም ከምዘቕረቡን ሓቢሮም። ኣጀንዳ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ኣብቲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ዝሳተፉ ተወከልቶም ምምራፆም እውን ፀሪሖም። ስለዝኾነ እውን እቶም መድረኻት ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያን መሰሎም ተጠቒሞም ብንቕሓት ዝተሳተፍሎም ምዃኖም ኣረዲኦም። ብመዳይ ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምምራፅ ተወከልትን ዝተረፈ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ነቲ ከይዲ ምችው ኩነታት ብምፍጣር ኣብ ቀረባ እዋን ንምጅማር ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብዶብ ተሳጋሪ ልምዓት ኩለ መዳያዊ ዕቤት ንምርግጋፅ ክስራሕ እዩ-ኢጋድ
Oct 17, 2025 69
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2018(ኢዜኣ) በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ዶብ ተሳጋሪ ልምዓት ብምጥንኻር ዞባዊ ምትእስሳር ጋህዲ ንክኸውን ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ። ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ እናተሳለጠ ዝርከብ ዓመታዊ ኣኼባ ትካል ገንዘብ ዓለም(ኣይ ኤም ኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ሎሚ መዓልቲ ራብዓይ መዓልቱ ሒዙ ይርከብ። ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ መበል 26 ኣኼባ ኢንሼቲቭ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝተኻየደ እንትኸውን ኣብ ልምዓት ተቛራፂ ዶብ ዝጠመተ ዘተ ብምግባር ተሳተፍቲ እቲ ኢንሼቲቭ ዶብ ተሳጋሪ ፍኖተ ካርታ ኣፅዲቖም። እቲ ፍኖተ ካርታ ተግባራዊ ምግባር ዘኽእል ኣሰራርሓታት ፋይናንስ እውን ኣብቲ መድረኽ ዕላዊ ኮይኖም። ምክትል ዋና ፀሓፊ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) መሐመድ ኣብዲ ዋሬ፤ ኢጋድ ዶብ ተሳጋሪ ልምዓት መሰረት ዞባዊ ጥንካረ፣ዕቤት ኢኮኖምን ምትእስሳርን ንክኸውን ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ገሊፆም። እቶም ምክትል ዋና ፀሓፊ ጎና ጎኒ እቲ ኣኼባ ምስ ሚኒስትራት ገንዘብ ኢትዮጵያ፣ጅቡቲን ሶማሊያን ሓዊሱ ምስ ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ሃገራት ክልቲኣዊ ዘተታት ገይሮም። እቶም ዘተታት፤ ዞባዊ ምትእስሳር ኢጋድን ሽቶታት ልምዓትን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ጠመተ ዝገበሩ ምዃኖም ኢዜኣ ካብ ኢጋድ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። ዓመታዊ ኣኼባ ትካል ዓለም ለኸ ገንዘብ(ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ክሳብ 8 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ክፀንሕ እዩ።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብመዐቀኒ ታሪኸን ብሕግታት ዓለምን ቅቡልን ዘእምንን እዩ
Oct 17, 2025 71
አዲስ አበባ/ ጥቅምት /7/2018(ኢዜአ)፡- ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብመዐቀኒ ታሪኸን ፣ብሕጋዊ ሰነዳት፣ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣን ዓለምን ቅቡልን ዘእምንን ምኸኑ መምህር ስነ ኣመራርሓን ርክብ ዓለም ለኸን ጌትዬ ትርፌ(ዶ/ር) ገሊፆም። ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብመዐቀኒ ታሪኸን ፣ብሕጋዊ ሰነዳት፣ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣን ዓለምን ቅቡልን ዘእምንን ምኸኑ ብኣፅንዖት ኣመላኺቶም። ዛጊድ ኣብ ዘሎ ከይዲ ብብርክት ዝበሉ መዐቀንታት ዓለም ለኸ ተቐባልነት ከምዘለዎ ምግንዛቦም ሓቢሮም።

ማሕበራዊ
ብዘገርም ብዝሃ መልክዑ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ሓደ እምነ ኩርናዕ ቱሪዝምና ኮይኑ ቀፂሉ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 18, 2025 15
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ብዘገርም ብዝሃ መልክዑ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ሓደ እምነ ኩርናዕ ቱሪዝምና ኮይኑ ቀፂሉ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ፈላማይ መዓልቲ ዑደት ዞባ ባሌ ዘርኣየና ኣብ መንጎ ዘገርም ተፈጥሮን ዕቤት ስራሕ ልምዓትን ዘሎ መስተጋብር እዩ ኢሎም። ብዘገርም ብዝሃ መልክዑ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ሓደ እምነ ኩርናዕ ቱሪዝምና ኮይኑ ቀፂሉ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም። እዚ ዕቑር ዓቕሚ ኣብ ሕምብርቲ እቲ ፓርክ ዝተሃነፀ ሎጅ ዲንሾ ኣብ ቀረባ እዋን እንትዛዘም ብዝበለፀ ከምዝጠናኸር ፀሪሖም። ኣብ ቀረብኡ ኣብ ምህናፅ ዘሎን ኣብ ቀረባ እዋን ዝዛዘምን ሎጅ ሶፍኡመር፤ ቱሪዝም ቁልፊ መሪሕ ኢኮኖሚና ገይሩ ንዘቐመጦ ስትራቴጂክ ትልሚ 10 ዓመት ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገብር እዩ ኢሎም። እቲ ሎጅ ኣብ ዋሻ ሶፍኡመር ፃንሒት ጎብነይቲ ዘዕብዩን መውሃቢ ኣገልግሎታት መዘናግዒ ኣብ ፕሮጀክት ልምዓት ዋሻ ሶፍኡመር ደገፍ ዝዳለወሉን እዩ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም። ብመዳይ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ፕሮጀክት ምምሕያሽ መንገዲ ሮቤ-ጎሮ-ሶፍኡመር-ጊኒር ልዑል መፍረይቲ ዝኾኑ ዞባታት ምብራቕ ባሌን ባሌን ፍርያቶም ምስ ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዘራኽብ እዩ ኢሎም። እዚ መስመር ተበፃሕነትን ምትእስሳር ኢኮኖምን ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ከም ዋሻ ሶፍኡመርን ጎቦታት ባሌን ዝበሉ ዓበይቲ ስፍራታት መስሕብ ዝግበር ጉዕዞ ዘሳልጥ ከምዝኾነ ገሊፆም። ድርብ ኣስፋልት ምንፃፍ ኣብ ዘለዎ ብርኽ ዝበለ ደረጃ ዝተሃነፀ መንገዲ 29 ኪሎ ሜትሮ መንገዲ ከተማን ገጠርን ዘካትት ከምኡ እውን ካብ 12 ክሳብ 140 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎም ሓሙሽተ ድልድላት ዝተሰርሕሉ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም። ናይቲ መዓልቲ ዑደትና ፕሮጀክት መቆፃፀሪ ውሕጅ ሩባ ወይብ ብምዕዛብ ዛዚምና ኢሎም። እቲ ፕሮጀክት ብዋሻ ሶፍኡመር ዝጎዓዝ ዋሕዚ እቲ ሩባ ብምቁፅፃር ዓመት ሙሉእ ናብቲ ዋሻ ዝግበር ጉዕዞ ንከየተኣጓጉል ንምግባር ከምኡ እውን ስነ ምህዳር እቲ ዋሻ ንምሕላው ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ፀሪሖም። ኩሎም ስራሕቲ ቀፃልነት ንዘለዎ ልምዓት ዘለና ፅኑዕ ቅዋምን ተግባርን ዝገልፁ እዮም ክብሉ እውን ኣብ መልእኽቶም ኣፍሊጦም።
ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ኣብ ብሄራዊ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ተረኺቦም
Oct 17, 2025 66
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2018 (ኢዜኣ) ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ኣብ ብሄራዊ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ተረኺቦም። ፕሬዝዳንት ታዬ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ እንትበፅሑ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኬንያ ኣምባሳደር ኡቡሩ ዴኒስ፣ፀሓፊ ካቢኔ ሚኒስቴር ኬንያ አድን ዱአሌ፣ፀሓፊ ካቢኔ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኬንያ ጁሊየስ ኦጋምባ፣ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ባጫ ደበሌን ዲፕሎማት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ናይሮብን ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ናይሮቢ ብሄራዊ ስታዲየም እናተሳለጠ እንትኸውን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት እውን ተረኺቦም። ኦዲንጋ ቀብሮም 9 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ኣብ ዝተወለድሉ ከባቢ ቦንዶ ከምዝፍፀም እቲ ዝወፀ መርሃ ግብሪ የመላኽት።
ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ባህሊ ብምግባር ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ናይ ምሕጋዝን መነባብሮኦም ናይ ምምሕያሽን ስራሕ ኣብ ኩሎም ከባብታት ክቕፅል እዩ-ሚኒስትር ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)
Oct 17, 2025 56
ድሬደዋ/ጥቅምቲ 7/2018 (ኢዜኣ) ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ባህሊ ብምግባር ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ናይ ምሕጋዝን መነባብሮኦም ናይ ምምሕያሽን ስራሕ ኣብ ኩሎም ከባብታት ከምዝቕፅል ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ገሊፆም። ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚ ኣወዳድባ ትካላት ፌዴራል ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬደዋ ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዘህነፆም ኣባይቲ ንተጠቀምቲ ኣረኪቡ። ኣብ ኣወዳድባ ትካላት ፌዴራል ፓርቲ ብልፅግና ኣመራርሓ ክላስተር ብልፅግና ኢኮኖሚ ከምኡ እውን ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት መንግሥቲ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ዜጋታት ንክረጋገፅ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ። ብፍላይ ድማ ካብ ክረምቲ ክሳብ ሓጋይ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ሕድ ሕዳዊ ምትሕግጋዝ ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ ማሕበራዊ ፀገማት እቲ ሕብረተሰብ እናፈትሑ እዮም ኢሎም። እዞም ውፅኢታት እዚኦም ብምቕፃል ኩሉ ኢትዮጵያ ባህሊ ሕድ ሕዳዊ ምድግጋፍ ከዕቢ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም። እቶም ሎሚ መዓልቲ ንተጠቀምቲ ዝተረከቡ ኣብ ድሬደዋ ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዝተሃነፁ ኣባይቲ እውን ሂወት ቤተሰብ ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣረጋውያንን ምምሕያሽ ዘኽእሉ እዮም ኢሎም። ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ባህሊ ብምግባር ዓቕሚ ንዘይብሎም ወገናት ናይ ምሕጋዝን መነባብሮኦም ናይ ምምሕያሽን ስራሕ ኣብ ኩሎም ከባብታት ክቕፅል እዩ ክብሉ እውን ኣረጋጊፆም።
ብሔራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ
Oct 17, 2025 35
ካብ ኣዲስ ኣበባ 400 ኪሎ ሜትሮ ሪሒቑ ብኣንፈት ደቡብ ምዕራብ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ብሔራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌ ልዕሊ 2000 ስኴር ኪሎሜትሮ ስፍሓት ኣለዎ ።እቲ ፓርክ ኣብ ኢትዮጵያ ብብራኸኡ ካልኣይ ብርኪ ሒዙ ይርከብ ።ኣግራሞት ዝፈጥሩ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣውን ኣለዎ። እንስሳ ዘገዳም፣ ደኒታት ፣ሳዕርታት ምድሪ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ተኸሊ ብምሓዝ “ዝተፈላለየ ዓለም ኣብ ሓደ ፓርክ“ ተባሂሉ ንክፅዋዕ ዝኻለ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምኸን ኣብ ዞባ ባሌ ኣትዮም ኣብ ህንፀት ዝርከብ ሎጅ ዲንሾን ከባቢኡን ከምኡ እውን ንሳዕሪ ምድሪ ጌሴ ተመልኪቶም።
ቁጠባ
ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Oct 18, 2025 10
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018 (ኢዜኣ) ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልወል መሪቕና ኢሎም። እቲ ፕሮጀክት፤ ሩባ ወልመል ብመስኖ ብኣግባቡ ብምጥቃም መፍረያይነት ግብርና ብምዕባይ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተሳለጠ ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቶ ፕሮጀክት ዘላቒ ስርዓት መስኖ ገፀ ምድሪ ብምህናፅ ንዘበናት ኣብ ማይ ዝናብ ጥራሕ ዝተፀግዐ ዝነበረ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘላቒ ሜላ መነባብሮ ንምርካብ ተተሊሙ ዝተሰርሐ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም። እቲ ፕሮጀክት ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ተግባር ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ንከባቢ 20 ሽሕ ሓረስቶት ዘገልግል 9687.45 ሄክታር መሬት ሕርሻ ዘተኣማምን ቀረብ መስኖ ከምዝህልዎ ፀሪሖም። እዚ ድማ መፍረያይነት ግብርና ዘዕቢ፣ንድርቂ ዘይቃላዕ ከባቢ ዝፈጥርን ኣብቲ ማሕበረሰብ ሓደሽቲ ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን እዩ ኢሎም። ካብዞም ኢኮኖሚያዊ ረብሓታት ብተወሳኺ ትካላት ምምሕዳር ማይ እቲ ከባቢ ብምጥንኻር፣በዓል ዋንነት ህዝቢ እቲ ከባቢ ብምዕባይን ዘላቒ ኣጠቓቕማ ሩባ ወልወል ብምጥንኻርን ንዝሓሸ ልኣላዊነት ምግቢ ከምዘገልግል ኣብ መልእኽቶም ኣፍሊጦም።
ህልውናን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ኣባይን ዝተኣሳሰረ እዩ
Oct 18, 2025 23
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ህልውናን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ተፋሰስ ኣባይን ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ገሊፆም። ብምትሕብባር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ፣ኮሌጅ ዋር ምክልኻልን ዩኒቨርሲቲ ሰመራን “ስርዓታት ክልቲኦም ማያትን ስትራቴጂካዊ ነፃነት ኢትዮጵያን፣ምትእስሳር ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ከምኡ እውን ስትራቴጂካዊ እጃም ዓፋር ምድህሳስ”ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ምኽክር ይካየድ ኣሎ። ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ ኣብዚ እዋን፤ መከፋፈሊት ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ፣ ምድረ ስልጡናት ህዝብን ሓርበኛታትን ዝኾነት ኢትዮጵያ ምስ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ጥቡቕ ምትእስሳር ዘለዋን ኣስኳል ቀርኒ ኣፍሪካን ምዃና ተዛሪቦም። ህልውናን ኩለ መዳያዊ ብልፅግናን ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕርን ልምዓት ተፋሰስ ኣባይን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ጂኦፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኢትዮጵያ እውን ካብ ክልቲኦም ኣካላት ማይ ዝቃነ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ናብ ቀይሕ ባሕሪ እንትንቐርብ ሓያልነትናን ኣተሓሳስባናን ይሰፍሕ ኢሎም። ንዝሓለፉ 3 ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ ቀይሕ ባሕርን ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕርን ምርምርን ዘተታት ፖሊሲን ምክያድ ፈፂሙ ዘይሕሰብ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም። “ስትራቴጂካዊ ነፃነት ክልቲኦም ማያትን ኢትዮጵያን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ኮንፈረንስ እውን ክልቲኦም ማያት ኩለ መድያዊ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ መዓልታዊ ኣጀንዳ ምግባር ኣድላይ ብምዃኑ እዩ ኢሎም። ጉዳይ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ካብቲ ባሕሪ ብዝዘለለ ምስ ናይ ባዕልኻ ታሪኽ፣ጂኦግራፊ፣ሓቅን ስነ ልቦናን ምትዕራቕ ምዃኑ እውን ሓቢሮም። ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሰመራ መሀመድ ዑስማን(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ መድረኽ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዘኽእል ሙሁራዊ ዘተ ንምግባር ወሳኒ እጃም ኣለዎ ኢሎም። ድሌት ምርካብ ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ እውን ምስ ታሪኽ፣ጂኦግራፊን ዞባዊ ድሕንነትን ብቀጥታ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ደገፍ ንውግእ ኮሞዶር ተገኝ ለታ፤ ኩለ መዳያዊ ብሄራዊ ተረባሕነት ኢትዮጵያ ምስ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ እዩ ኢሎም። ቅድሚ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዳግማይ ብሓይሊ ሰብ ብምውዳብ ብቴክኖሎጂ ዘተኣማምንን ጠንካራን ሰራዊት እናተሃነፀ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።
ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ባቡር ዓብይ ዕድል እዩ
Oct 18, 2025 16
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 8/2018(ኢዜኣ) ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ባቡር ዓብይ ዕድል ምዃኑ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ስለሺ ካሳ ገሊፆም። ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ስለሺ ካሳ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ባቡር ዓብይ ዕድል እዩ። ኢትዮጵያ ብተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ዝንቀሳቐስ መሰረተ ልምዓት ባቡር ትኹረት ምግባራ ሓቢሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ንዝርከቡ መስመራት ባቡርን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ካልኦት ከባብታት መስመራት ንምዝርጋሕ ዝተትሓዙ ትልምታትን ንምዕዋት ዕድላት ከምዘስፍሑ እውን ተዛሪቦም። እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት እታ ሃገር 8 መስመራት ብምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት ባቡር ንምስፍሕፋሕ ከምዝተተለመ ኣረዲኦም። እዞም ህንፀታት እንትዛዘሙ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኦም መኣዝናት ብመሰረተ ልምዓት ባቡር ዝተኣሳሰረት ክትኸውን እያ ኢሎም። ዕቤት እቲ ዓውዲ ባቡር ንምስላጥ ካብ ቻይና፣ጀርመን፣ደቡብ ኮሪያ ቴክኒካል ደገፍ ንምርካብን ስግግር ቴክኖሎጂ ንምፍጣርን እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ንህንፀት ኣካላትን መሰረተ ልምዓትን ባቡር ዝውዕሉ ፍርያታት ምፍራይ ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ናብ ሙሉእ ባቡር ምፍራይ ንምእታው ምድላው እናተገበረ እዩ ኢሎም።
ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ባቡር ዓብይ ዕድል እዩ
Oct 18, 2025 19
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ /8/2018(ኢዜኣ) ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ባቡር ዓብይ ዕድል ምዃኑ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያ ስለሺ ካሳ ገሊፆም። ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ስለሺ ካሳ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ንስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ባቡር ዓብይ ዕድል እዩ። ኢትዮጵያ ብተሓዳሲ ሓይሊ ኣብ ዝንቀሳቐስ መሰረተ ልምዓት ባቡር ትኹረት ምግባራ ሓቢሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስራሕ ንዝርከቡ መስመራት ባቡርን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ካልኦት ከባብታት መስመራት ንምዝርጋሕ ዝተትሓዙ ትልምታትን ንምዕዋት ዕድላት ከምዘስፍሑ እውን ተዛሪቦም። እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት እታ ሃገር 8 መስመራት ብምዝርጋሕ መሰረተ ልምዓት ባቡር ንምስፍሕፋሕ ከምዝተተለመ ኣረዲኦም። እዞም ህንፀታት እንትዛዘሙ ኢትዮጵያ ብኣርባዕቲኦም መኣዝናት ብመሰረተ ልምዓት ባቡር ዝተኣሳሰረት ክትኸውን እያ ኢሎም። ዕቤት እቲ ዓውዲ ባቡር ንምስላጥ ካብ ቻይና፣ጀርመን፣ደቡብ ኮሪያ ቴክኒካል ደገፍ ንምርካብን ስግግር ቴክኖሎጂ ንምፍጣርን እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም። ንህንፀት ኣካላትን መሰረተ ልምዓትን ባቡር ዝውዕሉ ፍርያታት ምፍራይ ከምዝተጀመረ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ናብ ሙሉእ ባቡር ምፍራይ ንምእታው ምድላው እናተገበረ እዩ ኢሎም።
ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሞያዊ ሓላፍነትና ብብቕዓት ክንዋፃእ ኢና
Oct 17, 2025 75
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 7/2018 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላውን ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ሞያዊ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ከምዝዋፅኡ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ቃል ብምእታው ኣረጋጊፆም። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኢዜኣ"ብሔራዊ ረብሓን ቁመና ጂኦስትራቴጂን"ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘትዮም። ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ጋዜጠኛታት ብሄራዊ ረብሓ ምሕላውን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ምጥንኻርን ኣብ ዘኽእሉ ርእሰ ጉዳያት ብዝበለፀ ክሰርሑ ኣለዎም። ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ብልፅግና ሃገር ንምርግጋፅን ዘኽእሉ ስራሕቲ ብምስራሕ ሞያዊ ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም። ምዝዛም ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ነባር ተረኽ ምቕያር ዘኽኣለ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ናይ ፅባሕ መስመር ኢትዮጵያ ዝቕይሩ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ዋላ ኳ ብርክት ዝበለ ህዝብን ግዙፍ ኢኮኖምን ዘለዋ ሃገር እንተኾነት ኣፍ ደገ ባሕሪ ከምዘይብላ ብምሕባር፤ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣፍ ደገ ባህሪ ንምርካብ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ሞያዊ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ክዋፅኡ ከምዘለዎም ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ዘለዋ ተደማፅነትን ፅልዋ ፈጣሪነትን ንምርግጋፅ ሰራሕተኛታት ኢዜኣ ሞያዊ ሓላፍነት ከምዘለዎም እውን ሓቢሮም። ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ነጋሲ ኣምባዬ መዛተዪ ፅሑፍ ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዘበነ ድሕረ ሓቂ ብልፅግና ሃገር ንምርግጋፅ ነቲ ዘበን ብዝምጥን ብርኪ ሞያዊ ሓላፍነት ብኣግባቡ ምውፃእ ይግባእ። ብሄራዊ ረብሓ ጉዳይ ህልውና፣ድሕንነትን ብልፅግናን ሃገር ምዃኑ ብምግላፅ፤ ብሄራዊ ረብሓን ጂኦስትራቴጂካዊ ቁመናን ኣጀንዳ ህዝብን ወለዶን ንምግባር እጃምና ክንዋፃእ ይግባእ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣብ ዘበነ ምንስርራእ ዘላን ዓበይቲ ፕሮጀክትታት እናሳለጠትን ምዃና ዝገለፁ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ተፈራ በቀለ፤ ብሄራዊ ረብሓ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ካብ መራኸብቲ ሓፋሽ ትፅቢት ዝግበር እዩ ኢሎም። ሰራሕተኛታት ኢዜኣ ብግደኦም፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነፁ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንክዕወቱን ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን እጃሞም ከምዝዋፅኡ ተዛሪቦም። ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምኽባርን ሓባራዊ ተረኽ ንምህናፅን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሞያዊ ሓላፍነቶም ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ እውን ኣረጋጊፆም።
ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ነዚ ዘበን ዝምጥንን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ዲጂታል ስርዓት ኣጀሚሩ
Oct 15, 2025 152
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 5/2018 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ትካላዊ ኣሰራርሕኡ ብምምዕባል ነዚ ዘበን ዝምጥንን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ምሃብ ዘኽእል ዲጂታል ስርዓት ተግባራዊ ምግባር ምጅማሩ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘማዕበሎ ዲጂታል ምምሕዳር ሰነድን ማህደርን ስርዓት ወረቐት ኣልቦ ኣሰራርሓን (record management and smart paperless office) ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ሚኒስቴር ኣብ ስርዓት ወረቐት ኣልቦ ኣሰራርሓን ዲጂታል ልውውጥን ኣተሓሕዛን ሰነድን ጠመተ ዝገበረ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ሚኒስቴር ንቀዳምነቱ ዝምጥን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ቅልጡፍ ስርዓት ኣሰራርሓ ኣይነበሮን። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣካል እቲ ትካላዊ ሪፎርም ዝኾነ ትግበራ ዲጂታል ኣሰራርሓ ምጅማሩ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ምስ ኢንስቲትዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዲጂታል ስርዓት ምምዕባሉ ሓቢሮም። እቲ ስርዓት ምምሕዳር ሰነድን ማህደርን ኣብቲ ሚኒስቴር ካብ ኣተሓሕዛ ማህደር ክሳብ ልውውጥ ሓበሬታ ሚሲዮናት ዝነበረ ኣሰራርሓ ወረቐት ብምትራፍ ቅልጡፍ ስርዓት ኣገልግሎት ምፍጣር ዘኽእል እዩ ኢሎም። እቲ ስልጠና እውን ኣብ ምምሕዳር ዲጂታል ሰነድ፣ ውሽጣውን ደጋውን ርክብን ልውውጥ ደብዳበን ከምኡ እውን ኣብ ኣወሃህባ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ሓባራዊ ዓቕሚ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እቲ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ግዜን ወፃእን ከምዝቑጥብ እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ቴክኖሎጂ ኣቕሪባ
Oct 15, 2025 107
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 5/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ድሕንነት ሳይበር ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ኣብ ዱባይ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸ መድረኽ ቴክኖሎጂ ኣቕሪባ። መበል 45 ዓውደ ርእይ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ገልፍ (ጂአይቴክስ) ከተማ ንግዲ ዓለም ኣብ ዝኾነት ዱባይ ይካየድ ኣሎ። እዚ ዓለም ለኸ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ፣ትካላት መንግስቲ፣ጀመርቲ ፈጠርቲ ስራሕ፣ሰብ ሃፍቲ፣ ኢኖቬተራትን ተመራመርትን ኣብ ሓደ መድረኽ ዘራኸበ መድረኽ ጂአይቴክስ 2025፤ ብፍላይ ኣብ ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ(ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ)ን ድሕንነት ሳይበርን ትኹረት ዝገበሩ ዘተታት እናተገበርሉ እዩ ዝርከብ። ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠን ትኹረቱ ኣብ ምትሕብባር መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ዝገበረን ዘተ ኢትዮጵያ እውን ተሞኩሮኣ ኣካፊላ። ምስ ካብ ግሪክ፣ኦማንን ሕቡራት ዓረብ ኤምሬትን ዝተሳተፍሉ ተወከልቲ እቲ ዓውዲ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ዳንኤል ጉታ፤ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝገበረቶም ፃዕርታት ኣረዲኦም። ኣይተ ዳንኤል ኣብ መብራህሪህኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብዝብል ዲጂታል ዓውዲ እታ ሃገር ንምዕባይ ሰፋሕቲ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ከምዝተሳለጡ ገሊፆም። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 53 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኢንተርኔት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ዕቤት እቲ ዓውዲ ዜጋታት ተጠቀምቲ ዲጂታል ዓውዲ ንክኾኑ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ እውን ሓቢሮም። ዲጂታል ዓውዲ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ እናዓበየ ምዃኑ ስዒቡ ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ሓደሽቲ ፖሊሲታትን ኣሰራርሓታን ብቕልጡፍ ተግባራዊ እናገበረ ከምዝርከብ ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ድሕንነት ሳይበር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ዝሰርሕሉ ህብር ዝተብሃለ ኣሰራርሓ ምዝርግሑ እውን ገሊፆም። ድሕሪ እቲ መድረኽ ምስ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(Pulse Of Africa) ፃንሒት ዝገበሩ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ዳንኤል ጉታ፤ ኢትዮጵያ ዱባይ እናተኻየደ ኣብ ዘሎ መድረኽ ጂአይቴክስ 2025 ምስታፋ እታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ቴክኖሎጂ፣ድሕንነት ሳይበር፣ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ(ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ)፣ስማርት ሲቲን ካልኦት ዓውድታትን ትሰርሖ ዘላ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምዕባይ ዓብይ ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም። ካብ 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ እቲ ዓውደ ርእይ ብፍላይ ድማ ምስ ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ(ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝተኣሳሰሩ ፈጠራታትን ኣገልግሎታትን ብሰፊሑ እናተላለዩ ከምዝርከቡ ሓበሬታ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(Pulse Of Africa) ይሕብር።
ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ሓደ ኣብ ዝገብሩ ዘተኣኻኽቡ ኣጀንዳታት ብታሪኽ ዝዝከሩ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
Oct 14, 2025 185
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 4/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ሓደ ኣብ ዝገብሩ ዘተኣኻኽቡ ኣጀንዳታት ብታሪኽ ዝዝከሩ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሳለጠት ከምዝኾነት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 27 መስከረም 2018 ዓ/ም ተመሪቑ ብዕሊ ስራሕ ንዝጀመረ ፐልስ ኦፍ አልኣፍሪካ(Pulse of Africa - POA) ጎብንዮም። ስራሕቲ ለውጢ ኢዜኣ እውን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም። ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት፤ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ወይዘሮ ሎሚ በዶ፣ዋና ተፀዋዒ መንግሥቲ እቲ ቤት ምኽሪ ተስፋዬ በልጂጌ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳይ ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙአዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ተረኺቦም። ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ሓደ ኣብ ዝገብሩ ዘተኣኻኽቡ ኣጀንዳታት ብታሪኽ ዝዝከሩ ዓበይቲ ስራሕቲ እናሳለጠት እያ። ኣፍሪካ ብዘለዋ ዓቕሚ፣ጥበብን ፍልጠትን ልክዕ ብብርኪ ዓለም ከምዘይተፋለጠት ብምግላፅ፤ ዕቑር ዓቕሚ ኣፍሪካ ዘርኢ ስራሕ ሚድያ ወሳኒ እዩ ኢሎም። ኣብዚ መዳይ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ነዚ ዘበን ዝምጥኑ ቴክኖሎጂታት ተዓጢቑ ናብ ስራሕ ምእታዉ ዓብይ ስጉምቲ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ፤ ትኽክለኛ ምስሊ ኣፍሪካ ብምልላይ ንኣፍሪካ ድምፂ ንምዃን ቀንዲ መንገዲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ስራሕቲ ተበፃሒ ዝገብር ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዞባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር ርኡይ ፋይዳ ከምዝህልዎ ኣረዲኦም። ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላምን ዕቤትን ጋህዲ ንምግባር ጠንካራ ሚድያ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ መዳይ ምምስራት ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣብራህሪሆም። ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ ዝሰነቖም ኣህጉራዊ ሽቶታት ንክዕወቱ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብር እውን ኣረጋጊፆም።
ስፖርት
ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ክተተኣናግድ እያ
Oct 1, 2025 702
ኣዲስ ኣበባ/መስከረም 21/2018(ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ኣብ ጎቦ ከተማ (City Mountain Bike Race) ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝካየድ ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ውድድር ካብ 20 ክሳብ 22 መጋቢት 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ። ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሉ ኣብ ዝተኻየደ መበል 98 ሻምፒዮና ብስክሌት ዓለም ዝነበራ ተሳትፎን ቀፀልቲ ስራሕትን ኣመልኪቱ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ። ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ብስክሌት ኢትዮጵያን ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ብስክሌት ኣፍሪካን ኣይተ ወንድሙ ሃይሌ፤ እቲ ዓለም ለኸ ውድድር ብስክሌት ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን እዩ ክካየድ ኢሎም። ኣብቲ ውድድር ካብ 25 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 110 ብስክሌተኛታት ከምዝሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ተሳተፍቲ ሃገራት ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮፓን እውን ከምዝርከብዎ ሓቢሮም። እቲ ውድድር ኣብ ውሽጢ መርሃ ግብሪ ውድድር ዓለም ለኸ ሕብረት ብስክሌት (UCI) ዝተኻተተን ኣፍልጦ ዘለዎን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ እቲ ውድድር ንምድላው ዘኽእል ምድላው ከምዝጀመረትን መንግስቲ ንድልውነቱ ኣድላይ ደገፍ ከምዝገብርን ኣረዲኦም። እቲ ዓለም ለኸ ውድድር ኣብ ኢትዮጵያ ምግባሩ እታ ሃገር ብብርኪ ኣፍሪካ ኣብ ስፖርት ብስክሌት ተመዝግቦ ንዘላ ዝነኣድ ውፅኢት መርኣያ እዩ እውን ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና አትሌቲክስ ዓበይቲ መናእሰይ ኣፍሪካ 10 ሜዳሊያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ዛዚማቶ
Jul 21, 2025 2748
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/14/2013 /ኢዜኣ/ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ትሕቲ ዕድመ 18ን 20ን አትሌቲክስ ሻምፒዮና 10 ሜዳልያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ዛዚማቶ። ኢትዮጵያ ክልተ ወርቂ ሰለስተ ብርን ሓሙሽተ ነሓስ ብድምሩ 10 ሜዳልያታት ረኺባ ነቲ ውድድር ምዝዛማ ፌዴሬሽን አትሌቲክስ ኢትዮጵያ ገሊፁ ። ኣብ ናይጄርያ አቡካታ ካብ ሓምለ ካብ 9 እስጋብ 2017 ዓ.ም ክካየድ ዝፀንሓ ሳልሳይ ሻምፒዮና አትሌቲክስ 18 ን 20 ዓመትን ኣፍሪካ ትማሊ ኣማስዩ ተዛዚሙ ኣሎ ።
ስፖርት ናይ ፅባሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ እንፈጥረሉ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Jun 17, 2025 2925
ኣዲስ ኣበባ/ሰነ/ 10/2017 (ኢዜኣ) ስፖርት ናይ ፅባሕ ዜጋታት ኢትዮጵያ እንፈጥረሉን ዝነቕሐን ዝበቕዐን ወለዶ እነፍረየሉን ዓውድና እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊጾም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማህበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ “ስፖርት ንሓርበኝነት ሕብረ ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ከተማ ጅማ ዝተዳለወ መበል 6ይ ፀወታ ስፖርት መላእ ኢትዮጵያ ኣጀሚርና ኢሎም። ነቲ መሪሕ ቃል ብትኽክል ኣብ ትገልፆን ንዘበናት መናሃርያ ሕብረ ብሄራዊነት ኣብ ዝኾነትን ከተማ ጅማ ዝተጀመረ ፀወታ ስፖርት፤ “መናእሰይ ስፖርተኛታትና ኣድላይ ክእለት ሂወት፣ሓቛፋይነት፣ፍትሓዊነት፣ስራሕን ሓላፍነትን ጉጅለ ንከማዕብሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ” ክብሉ እውን ሓቢሮም። ሃገር ለኸ ፀወታታት ስፖርት ህዝብታት ናይ ምትእስሳር ዓቕሚ ዘለዎም፣መናእሰይ ተረከብቲ ሃገር ሃገሮምን ባህሎምን ዝፈልጥሉ ዕድል ዝፈጥር መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም። ስፖርት ዜጋታት ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ እንፈጥረሉን ዝነቕሐን ዝበቕዐን ወለዶ እነፍረየሉን ዓውድና እዩ ክብሉ እውን ፀሪሖም። ስለዝኾነ እውን በቢከባቢኡ ማእኸላት ስፖርት ብዝተሓተ፣ማእኸላይን ልዑልን ብርኪ እናሃነፅና ኢና ንርከብ ኢሎም። እዚ ሎሚ ዘጀመርናዮን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ን9 ዓመታት ተቛሪፁ ዝነበረን ፀወታታት መላእ ኢትዮጵያ ሓደ መርኣያ እዩ ክብሉ ኣፍሊጦም። እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ኣብዚ ስፖርታዊ ፀወታ ንዝተሳተፍኩም ክልላትን ምምሕዳር ከተማን፣ኣዳላዊ እቲ ውድድር ንዝኾነ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን፣ክልል ኦሮሚያን ከተማ ጅማን ዘለኒ ምስጋና በዚ ኣጋጣሚ ክገልፅ ይፎቱ” ኢሎም።
ሻምፕዮና ዘይፈለየ ውድድር ሴሪ ኤ ጣልያን …
May 23, 2025 2751
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/15/ 2017 /ኢዜኣ/ኣብ መበል 38 ሰሙን ሴሪ ኤ ጣልያን ሎሚ ምሸት ዝካየዱ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም። ብ79 ነጥቢ ነቲ ሴሪ ኤ እናመርሐት ትርከብ ናፖሊ ምሸት ሰዓት 3፡45 ኣብ ሜድኣ ንካግሊያሪ ከተተኣንግድ ኢያ። ብኣሰልጣኒ ኣንቶኒዮ ኮንቴ ትምራሕ ናፖሊ ኣብ ናይ ሎሚ ፀወታ እንተተዓዊታ ኣብቲ ንሕንሕ ናይ እትርከብ ኢንተር ሚላን ውፅኢት ከይተፀበየት ሻምፒዮን ምዃና ከተረጋግፅ እያ። ካብ ናፖሊ ብሓደ ነጥቢ ትሕት ኢላ እትርከብ ኢንተር ሚላን ካብ ሜዳኣ ወፃእ ምስ ኮሞ ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 3፡45 ክትገጥም ኢያ። ብኣሰልጣኒ ሲሞን ኢንዛጊ እትምራሕ ኢንተር ሚላን ብ78 ነጥቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ። ኢንተር ፅዋዕ እቲ ሊግ ንምዕታር ናይ ባዕላ ፀወታ ካብ ምስዓር ብተወሳኺ ናይ ናፖሊ ነጥቢ ምድርባይ ክትፅበ ትግደድ ኢያ። ናፖሊ ኣብ ውድድር ዘበን 2022/23 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ብኣሰልጣኒ ሉቻኖ ስፓሌቲ እናተመርሐ ድሕሪ 30 ዓመታት ንክብሪ እቲ ስኩዴቶ ምርካባ ይዝከር።
ሓለዋ ኸበቢ
ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ምርካባ ሃገር ዘኹርዐን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን እዩ-ሚኒስቴር ግብርና
Oct 16, 2025 100
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 6/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ብሙሩፅ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣፍልጦ ምርካቡ ሃገር ዘኹርዐን ንዝበለፀ ስራሕ ምልዕዓል ዝፈጠረን ምዃኑ ሚኒስቴር ግብርና ገሊፁ። ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ኣብ ጣልያን ሮም ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤ ምግቢ ዓለም ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ብዝብል ዘፈር ኣፍልጦ ሂቡ። ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓትን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ከምኡ እውን ፀሓፊ ብሄራዊ ኮሚቴ ቴክኒክ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ፋኖሴ መኮንን ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ እቲ ትካል ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳልጦም ንዘላ ስራሕቲ ዝሃቦ ኣፍልጦ ነቲ ህዝቢ ዓብይ ስንቂ ሞራል ዝኸውንን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን እዩ ኢሎም። መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ 2011 ዓ/ም ዕላዊ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ ኣብ ውሽጢ 8 ዓመታት ኣብ ክልተ ምዕራፍ 50 ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ክሳብ ሕዚ 48 48 ቢልዮን ፈልሲ ምትካል ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም። ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ ተኸላ ፈልሲ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ መርሃ ግብሪ ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅን ንዘላቒ ዕቀባ ሓመድን ማይን፣ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከት ከምዝኾነ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ዝተውሃባ ኣፍልጦ እውን ሃገር ዘኹርዐን ንዜጋታታን ካልኦት ሃገራትን ንዝበለፀ ስራሕ ዘለዓዕልን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ብሙሩፅ ዘላቒ ልምዓት ደኒ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ተዋሂብዋ
Oct 15, 2025 141
ኣዲስ ኣበባ/ጥቅምቲ 5/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ሙሩፅ ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ ብዝብል ካብ ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም(ፋኦ) ኣፍልጦ ተዋሂብዋ። ኢትዮጵያ እቲ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበቶ ኣብ ጣልያን ሮም እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ጉባኤ ምግቢ ዓለም እዩ። እቲ ጉባኤ ኣካል መዓልቲ ምስረታ ፋኦ እንትኸውን፤ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ሃገራት ተሳቲፈን። እቲ ትካል ንኢትዮጵያ“ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ዘላቒ ኣተሓሕዛን ኣጠቓቕማን ልምዓት ደኒ”ብዝብል ዘፈር ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝሃበ እንትኸውን፤ ሚኒስትር ቱሪዝም ፌዴሪኢ ሰላማዊት ካሳ ንመንግሥቲ ኢትዮጵያ ወኪለን እቲ ሽልማት ተቐቢለን። ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብዚ እዋን፤ ፋኦ ጥሜት ንምጥፋእ፣ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስን ሓለዋ ከባቢ ንምጥንኻርን ንዝሓለፉ 80 ዓመታት ልዑል ኣሰር ከምዘዕረፈ ሓቢረን። ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሎሚ መዓልቲ ብመርኣያነት ሙሩፅ ዘላቒ ልምዓትን ሓለዋን ደኒ ኣፍልጦ ብምርካቡ ኮሪዕና ኢና ኢለን። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ብብዙሕ ቢልዮናት ዝቑፀሩ ፈልስታት ብምትካል ሽፋን ደኒ ካብ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ እውን ተዛሪበን። እዚ ድማ ብግልፂ ራኢ መራሕን ጠንካራ ተሳትፎ ህዝብን ዝተረኸበን ተስፋና ዘለምለመን ዓወት እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ እዚ ጭቡጥ ስራሕ ናብ ኢትዮጵያ መፂኦም ንክጉብንይዎን ብዓይኖም ሪኦም ንክምስክሩን እውን ዓዲመን። ፋኦ ቅድሚ ሕዚ ብልዑል ኣፈፃፅማ ውሕስና ምግቢ፣ ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግብን ፍርያት ስርናይን ንዘርኣይዎ ቆራፅነት ክቡር ሜዳሊያ አግሪኮላ ፋኦ ንቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምሽላሙ ዝዝከር እዩ። ትካል ምግብን ሕርሻን ዓለም ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ስራሕቲ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ትካል ብዝድህስሱ ከምኡ እውን ቀፃሊ ራእዩ ብዝገልፁ ምድላዋት መበል 80 ዓመት ምስረትኡ እናኽበረ እዩ ዝርከብ።
መንግስትታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፃዋር ዘኽእል ቆራፅ ስጉምቲ ክወስዱ ትፅቢት ይግበረሎም- ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ
Sep 3, 2025 1638
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 28/2017(ኢዜኣ) መንግስትታት ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፃዋር ዘኽእል ቆራፅ ስጉምቲ ክወስዱ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም። መበል 2ይ ዓለም ለኸ ቅነ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብኣዳላውነት ኢትዮጵያ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ሂወት ሰባት ብምህዋኽን መሰረተ ልምዓታት ብምዕናውን ሰፊሕ ጉድኣት እናብፀሐ እዩ ዝርከብ። ኣፍሪካ ንፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ እጃም ዋላ ኳ ኣብዚ እቶ ዝበሃል እንተዘይኮነ ነቲ ፅልዋ ከምዝተቓልዐት ግና ኣረዲኦም። ስለዝኾነ እውን ኣብታ ኣህጉር ንከባብያዊ ኣየር ዝስማዕማዕ ልምዓት ምቅልጣፍ፣ዕድል ስራሕ ምፍጣር፣ውሕስና ምግቢ ምምሕያሽን ኩለመዳያዊ ቀረብ ሓይሊ ምርግጋፅን ከምዘድሊ ሓቢሮም። ኢትዮጵያ ሓምለዋይ ስርዓት ኢኮኖሚ እናሃነፀት እያ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር፣ተሓዳሲ ሓይልን ልምዓት ኮሪደርን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ጭቡጥ ውፅኢት እናመዝገቡ እዮም ኢሎም። መንግስትታት ካልኦት ሃገራት እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምፅዋር ዘኽእል ቆራፅ ስጉምቲ ክወስዱ ከምዘለዎም ገሊፆም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ ብግደኦም፤ ኣፍሪካ መበል ካልኣይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ቀፃሊ ሰሙን ንምክያድ ከምዝተዳለወት ሓቢሮም። ብለውጢ ከባብያዊ ኣየር እናተፈተነት እትርከብ ኣፍሪካ ድምፃ ሓፍ ኢሉ ንክስማዕን ምላሽ ንክረክብን ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም። ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እውን ንፍትሓዊነት፣ስግግር ቴክኖሎጅን ህንፀት ዓቕምን ፋይናንስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ጎኒ ኣፍሪካ ጠጠው ንክብል ፃውዒት ኣቕሪቦም። ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፤ እቲ ቅነ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ካብ ቃል ዝሓለፈ ዕዉት ድርድርን ተግባራዊ ስጉምትን ንምውሳድ ድልድል ኮይኑ ከምዘገልግል ተዛሪበን። ኢትዮጵያ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖምን ምስ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብዝስማዕማዕ መልክዑ ተግባራዊ እናገበረት ከምትርከብ እውን ኣረዲአን። ምክትል ዋና ፀሓፊ ስምምዕ ማዕቐፍ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ ኑራ ሀመላዲጂ፤ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘበን ምልክት ነፃነትን ዲፕሎማስን ኣፍሪካ ኮይና ፀኒሓ እያ ኢለን። ዓለም ለኸ ቅልውላው ብዘይ ትሕብብር ምስዓር ኣይከኣልን ዝበላ እተን ምክትል ዋና ፀሓፊ፤ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ጭቡጥ ውፅኢት ንምምዝጋብ ምትሕብባር ወሳኒ ከምዝኾነ ሓቢረን።
ፅሩይቲ ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ክኸውን ይግባእ-ኢንጅነር ለሊሴ ነሜ
Aug 28, 2025 1357
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 22/2017(ኢዜኣ) ፅሩይቲ ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምትሕልላፍ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ክኸውን ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢንጅነር ለሊሴ ነሜ ገሊፀን፡፡ ቁፅሪ ኣዋጅ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጎሓፍ 1383/2017 ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ምፅዳቑ ዝዝከር እዩ። በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ኣብ ዝኾነሉ ኣግባብ ዝጠመተ ስልጠና ንመዳርግቲ ኣካላት ሂቡ። ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ኢንጅነር ለሊሴ ነሜ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ኣዋጅ ካብ ዝሓዞም ቀንዲ ጉዳያት ስርዓት ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ፕላስቲክ እቲ ሓደ እዩ። ውፅኢታት ፕላስቲክ ኣብ ውሽጢ መሬት ከይበስበሱ ንነዊሕ እዋን ስለዝፀንሑ ጠንቂ ብኽለት ከባቢ፣ንጥዕና ወዲ ሰብ ድማ ጉደኣት እናኾኑ ከምዝመፁ እውን ተዛሪበን። ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝጠዓዓምን ነዚ ዘበን ዝምጥንን ኣዋጅ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ደረቕ ጎሓፍ ምድላዉ ሓቢረን። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ንሓደ ግዜ ጥራሕ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ፍርያታት ፕላስቲክ ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታው፣ምፍራይን ንዕዳጋ ምቕራብን ከምዘይከኣል ኣረዲአን። እዚ ድማ ድሕሪ 6 ኣዋርሕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተፈፃሚ ከምዝኸውን ተዛሪበን። ኣብ ከባቢ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ዘየብፅሑ ፍርያታት ንምቕራብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብቐረባ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ፀሪሐን። እቲ ናይ ሎሚ ስልጠና እውን እቲ ኣዋጅ ብኣግባቡ ንክፍፀም መዳርግቲ ኣካላት ግንዛበ ንክሕዙ ዝዓለመ እዩ ኢለን። ኣብቲ መድረኽ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዘቕረቡ ኣብ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ሓላፊ ዴስክ ክትትል ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ከተማ ዋሲሁን ኣለሙ ብግደኦም፤ ፅሩይን ንናብራ ምችውን ከባቢ ንምፍጣር እናተሳለጡ ዝርከቡ ስራሕቲ ውፅኢታዊ እዮም ኢሎም። ኣብ ዙርያ ኣተሓሕዛን ኣወጋግዳን ጎሓፍ ፕላስቲክ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እኹል ግንዛበ ብምሓዝ እጃሞም ንክዋፅኡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም። ተሳታፊ እቲ መድረኽ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተስፋዬ ደጀኔ፤ እቲ ስልጠና እቲ ኣዋጅ ተግባራዊ ንምግባር ሓባራዊ ቅዋምን ግንዛበን ንክንሕዝ ዝገብር እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ዓለም ለኸዊ ዜናታት
ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን እጃም ንምዕባይ ብፍሉይ ትኹረት ክሰርሕ እዩ-መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ
Aug 28, 2025 1875
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 22/2017(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣህጉራዊ ህንፀት ሰላምን ምርግጋዕን ዘለወን እጃም ንምዕባይ ብፍሉይ ትኹረት ከምዝሰርሕ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ገሊፆም። ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ሓዳሽ ሹመኛ ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነትን እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ላይቤራታ ሙላሙላ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈላማይ ስትራቴጂካዊ ዘተ ገይሮም። እቶም ኣቦ መንበር፤ ኣብ ፃዕርታት ኣፈታትሓ ጎንፅታት ሕብረት ኣፍሪካ መሪሕነትን ሓለዋን ደቂ ኣንስትዮ ቀንዲ ማእኸል ትኹረት ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም። ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ጎንፅን ስግኣትን ኣብ ዘለዎም ከባብታት እቲ ጉድኣት ፍሉይ ትኹረት ከምዘድልዮ ፀሪሖም። ሓላፍነት ስራሕ ኣምባሳደር ላይቤራታ ምስ ከም ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን መዋቕር ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ(APSA) ዝበሉ ሽቶታት ነዊሕ እዋን ከምዝተኣሳሰር ብምግላፅ፤ እቲ ሕብረት ኣብ ዝመርሖም ድርድራትን ከይድታት ሰላምን ምስ ኣሸማገልቲ ደቂ ኣንስትዮን ኣረኣእያ ስርዓተ ፆታን ናይ ምትእስሳር ሽቶ ከምዘለዎ እውን ኣረዲኦም። ካብ ዘረባ ብዝሓለፈ ንደቂ ኣንስትዮ ሓለዋ ምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ኣፍሪካ እውን ወሃብቲ ውሳነ ንክኾና ምግባር ይግባእ ኢሎም። ብደቂ ኣስትዮ ንዝምርሑ ኢንሼቲቫት ቀረብ ፋይናንስ ክህሉ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ሙሉእ ደገፍ ከምዝህብ ኣረጋጊፆም። ሕብረት ኣፍሪካ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንፀት ሰላም ዘለወን እጃም ንምዕባይ ከምዝሰርሕ እውን ተዛሪቦም። ፍሉይ ልኡኽ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ላይቤራታ ሙላሙላ ብግደአን፤ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዘበነ ስልጣነን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ንምኽባር ብምምጓት፣እጃም መሪሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን ኣብ ስርዓተ ፆታ ዝጭበጡ ውፅኢታት ንምምፃእን ብትኹረት ከምዝሰርሓ ሓቢረን። እቲ ዘተ፤ ሕብረት ኣፍሪካ ቃል ኪዳናት ኣህጉራውን ኣባል ሃገራትን ናብ ዝጭበጥ ውፅኢት ብምቕያር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከይድታት ሰላምን ድሕንነትን እታ ኣህጉር ዘለወን እጃም ብምዕባይ ለውጢ ንምምፃእ ዘለዎ ቆራፅነት ከምዝርኢ ምግላፀን ካብቲ ሕብረት ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
እቲ ጉባኤ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን እንርእየሉ ዕድል ዝፈጥር እዩ
Aug 21, 2025 1496
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 15/2017 (ኢዜኣ) ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን እንርእየሉ ዕድል ከምዝፈጥር ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ መበል 41 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ። “ምዘና ትምህርቲ ንምሽግጋር ፅሬት ዘለዎ ትምህርትን ሓበሬታ መሰረት ዝገበረን ውሳነ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝሳለጥ መበል 41 ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ካብ 19 ነሓሰ 2017 ዓ/ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 5 መዓልትታት ኣብ ሆቴል ስካላይት ክሳለጥ እዩ። ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ እሸቱ ከበደ (ዶ/ር) እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ምስ ማሕበር ምዘና ትምህርቲ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ብምስራሕና እዚ መድረኽ ክነዳልው ተመሪፅና ኢሎም። ኣብ ቀፃሊ ቀዳምን ሰንበትን ቅድመ ጉባኤ ዝግበረሉ መርሃ ግብሪ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም። እቲ ጉባኤ፤ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ጠንካራን ተኣማንነት ዘለዎን ስርዓት ምዘና ትምህርቲ ምህናፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ፀሪሖም። ብተወሳኺ እውን ኣብቲ ዓውዲ ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ንምርግጋፅ ዘኽእል ምችው ዞባውን ኣህጉራውን ምትእስሳር ምፍጣር ዘኽእል ምኽክር ከምዝግበር ተዛሪቦም። ኣብቲ ጉባኤ ካብ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝመፁ 500 ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ከምዝሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ 124 ዝተመረፁ ፅሑፋት ምርምር ከምዝቐርቡ እውን ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣብ ስርዓት ትምህርትን ምዘናን ዘለዋ ተሞኩሮ እተካፍለሉ መድረኽ ከምዝህሉ ብምሕባር፤ ስርዓት ትምህርቲ ኣፍሪካ ኣብ ምምሕያሽ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ፀሪሖም። ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ኣብ ትምህርትን ካልኦት ዓውድታትን ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ልምዓት እተርእየሉ መርሃ ግብሪ ከምዝተዳለወ ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን እቲ ጉባኤ “ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካውያን ኣሕዋትና ብተግባር እነርእየሉ ዕድል ዝፈጥረልና እዩ”ኢሎም።
ኢጋድን ጃፓንን መናእሰይ ኣብ ምብቃዕ፣ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም
Aug 21, 2025 1406
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 15/2017 (ኢዜኣ) በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ን ጃፓንን መናእሰይ ኣብ ምብቃዕ፣ኣብ ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም። መበል 9ይ ዓለም ለኸ ፎረም ጃፓን ኣፍሪካ(ቲካድ) ኣብ ጃፓን ከተማ ዮካሃማ ሎሚ ካልኣይ መዓልቱ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ፎረም ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ክልቲኣዊ ዘተ እናሳለጡ እዮም ዝርከቡ። እቶም ዋና ፀሓፊ ምስ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጃፓን ፉጂ ሂሳዩኪ ዘትዮም። ኣብ ዘተኦም እውን፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓለዋ ድሕንነት ዜጋታት፣ምብቃዕ መናእሰይ፣ሰላምን ምርግጋዕን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም። ጃፓን ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ሰላምን ድሕንነትን ከምኡ እውን ንኣካዳሚ ኣመራርሓ ኢጋድ ንትገብሮ ዘላ ደገፍ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ(ዶ/ር) ኣመስጊኖም። ኢጋድን ጃፓንን ክልቲኣዊ ምትሕብባሮም ዘጠናኽር ስምምዕ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2016 ምፍርራሞም ካብ ኢጋድ ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር። መበል 9ይ ዓለም ለኸ ፎረም ጃፓን ኣፍሪካ(ቲካድ) ፅባሕ ክዛዘም እዩ።
መበል 12 ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ
Aug 12, 2025 1862
ኣዲስ ኣበባ/ነሓሰ 6/2017(ኢዜኣ) መበል 12 ጉባኤ ውድባት ፖለቲካ ኣፍሪካ ኣብ ጋና ከተማ ኣክራ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ጉባኤ፤ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልትታት ከምዝፀንሕ ኢዜኣ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ኣብቲ መድረኽ፤ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ከምኡ እውን ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር) ይሳተፉ ኣለዉ። ዞባዊ ምትእስሳር፣ሰላምን ፀጥታን፣ኩለመዳያዊ ምምሕዳር፣ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖምን እጃም ውድባት ፖለተካ ኣብ ኣህጉራዊ ልምዓትን ዝብሉ ኣጀንዳታት ኣብቲ ጉባኤ ከምዝዝተየሎም ትፅቢት ይግበር።
ሓተታ
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 18, 2025 4861
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ንክልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ጠጠው ኣቢሉ ድምፂ ጥይት ዘይስመዓሉ ኹነታት ፈጢሩ። ንዚ ስዒቡ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናበራኡ ክምለስ ኪኢሉ። ሓረስታይ ናብ ሕርሻኡ፤ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቱ፣ ነጋዳይ ናብ ንግዱ፣ሰርሕተኛ ናብ ስራሑ…ተመሊሱ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ክልል ትግራይ ፅቡቕ ኣፋፍኖት ረኺቡ።ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ ስለዝነበረ ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብምርካቡ ንክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ ጭንቅን መከራን ተናጊፉ። ካብን ናብን ምንቅስቓሳት ብምጅማሮም ናብራኡ ክረጋጋዕ ዝኽእለሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ብዘይ ፀገም እናተረኻበ ማሕበራዊ ዋኒኑ ዝፍፅመሉ ኹነታት ተፈጢሩ። ትካላት ፌደራል ዝኾና ከም ባንኪ፣መንገዲ ኣየር፣ሓይሊ መብራህቲን ቴሌን…ስራሕተን ብምጅማር ናብራ ዝቐለለ ንክኸውን ናይ ባዕለን እጃም ኣበርኪተን። እዚ ኹሉ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ራህዋን ስለዝግብኦ ዝተገበረ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ። ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዋ ቢሮታትን ቤት ፅሕፈታትን ክልል ስሩዕ ስራሐን ክሰርሓሉ ዝኽእላ ምችው ኹነታት ተፈጢሩ። ህዝቢ መንግስታዊ ግልጋሎት ንኽረክብ ዘኽእሉ ኹነታት ብምፍጣሮም ዝተረጋገዐ ናብራ ምንባር ጀሚሩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ እቲ ህዝቢ ዳግም ኣብ ስግኣት ወዲቑ ። ብመሰረቱ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንቡርን ዘይተርፍን ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብዝሰልጠነ መገድን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ዝፍታሕ’ምበር ብጎንፂ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብጎንፂን ሓይልን ንምፍታሕ ፃዕሪ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ’ውን ኣይግብኦን። ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይከዓ ሓይሊ ካብ ሕጊ ንላዕሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ውድባት ብመሰረት ህገ መንግስቲን ሕግታት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ክመሓደሩ ግድን’ዩ። ኩሉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሶም ሕጊ ሃገር ዘኽበረ ክኸውን ይግባእ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ኹነታት ግና ብፍላይ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዘይተቐበሉ ‹‹ጉባኤ ኣካይደ ‘የ›› ዝበለ ሓይሊ፤ስዒቡ ድማ ንሰለስተ ወርሒ ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ዝተኣገደ ሓይሊ ሐዚ ኣብ ትግራይ እናፈፀሞ ዘሎ ጎንፂ ናይ ምፍጣር ኹነታት ጌጋ ምዃኑን ሕጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ኣብ ቀረባ መዓልትታት ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ዘለዎ ጎንፂ ናይ ምፍጣርን ሓይሊ ናይ ምጥቃምን ተርእዮታት ህዝቢ ኣብ ስግኣት ክወድቕ ገይሮምዎ ኣለዎ። ጎንፂን ሓይሊ ምጥቓምን እንትህሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ጉድኣት ምብፃሑ ኣይተርፍን። እዚ ግና ንህዝቢ ትግራይ ዘይግብኦን ዘይምጥኖን ተግባር ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ህጋዊ ተሓታትነት ዘስዕብ ምዃኑ ምርዳእ’ውን ይግባእ። ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ዕግርግርን ጎንፅን ኣይኮነን። ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩ ‘የ ዝብል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክኸውን ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ንህዝቢ ናብ ስግኣት ክመርሕ ኣይግብኦን። ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዘይተፈትሑ ፀገማት ኣለው። ስእነት ስራሕ ኣሎ። ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣሎ። ካልኦት ፀገማት ‘ውን ኣለው። እዞም ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምንጣፍ ንቶም ፀገማት ዘጋድድ ጎንፂ ምፍሓስን ምፍጣርን ግቡእ ኣይኮነን። ብሞራልን ብሕግን ተሓታቲ ይገብር። ህዝቢ ተስፋ ንክቖርፅ ዝገብር ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ካብ ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይን ስደት መሪፆም ኣንትጓዓዙ ኣማኢት ኣብ ሓደጋ ጢሕሎም ‘ዮም። መንቀሊ እቲ ስደት ካብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብተወሳኺ ኣብ መራሕቲን ኣብ ፖለቲካዊ ኹነታት ትግራይ ተስፋ ምቑራፅን ምስኣንን’ዩ። ሐዚ ድማ ኣብ ክንዲ ክመሓየሽ እቲ ፀገም ናብ ዝገደደ ፀፍሒ በፂሑ ውሽጣዊ ጎንፂ ምትእንጋድ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኹነታት ህዝቢ ዝያዳ ተስፋ ክቖርፅ ብምግባር ብፍላይ መናእሰይ ስደት ንክመርፁ ዘተባባብዕ ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ይግባእ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም’ምበር ጎንፂ ኣይግብኦን! ድልየት ህዝቢ ትግራይ ንወትርኡ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ።
ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሰላምን ጥራይ እዩ
Mar 16, 2025 3013

ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘሓዘለ - መልእክት ሰናይ
Jul 20, 2023 6776
ሓምለዋይ አሰር ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ‘ውን ‘ ምትካል ዩ - መልእክቲ ሰናይ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅርኣ ወንበርታ ጣብያ ሚካኤል ኣምባ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ፌዴራልን መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ መደብ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሚሊዮን ፈልሲ ምትካል 10 ሓምለ 2015 ዓ.ም ኣካይዶም። ኣብቲ መደብ ዝተሳተፉ ኣፈ- ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝገለፅዎ፤ ብ መደብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢልና ዝተኸልናዮ ፈልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ሰላም፣ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ዘንፀባርቕ ‘ውን ‘ዩ ኢሎም። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ሰበ-ስልጣን ፌደራል መሪሖም ንኻልኣይ ግዜ ናብ ትግራይ ከምዝኸዱ ዘዘኻኸሩ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ሓምለዋይ አሰር ምንባር ሓደ ዓብይ ልእኩቶ ሃገር እዩ በቲ ካልእ ገፅ ድማ ስምምዕነት ሰላም ንምሕያል፣ ሰላምን ፍቕርን ንምጥንኻር ‘ውን ክቡር ስራሕ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላም ኣብ ምቕፃል ዓቢዪ ፃዕሪ ጌርና ኢና። ብምዃኑ ‘ውን ብዙሕ ለውጥታት ተረኺቦም ‘ዮም። ውፅኢቱ መላእ ህዝቢ ትግራይ ይርድኦ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን ክብሉ ተዛሪቦም። ሰላምና፣ ፍቕርናን ሓድነትናን ንምጥንኻር ፀገማትና ብዘተ ክንፈትሕ ይግባእ ዝበሉ ኣይተ ታገሰ፤ ብዘተ እንተኸይድና ክፍትሑ ዘይክእሉ ፀገማት የለዉን። ድማ ነዚዝኸውን ባህልን ልምድን ኣለና ‘ዩ። እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብልምዓት ብምድጋፍ ክነጠናኸሮ ይግባእ ዝበሉ እቶም ኣፈጉባኤ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕላውን ምንክብኻብን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዙሕ ስራሕ ብምስራሕ ንኻልኦት ፍልጠትን ተሞክሮን ዘካፈለ ህዝቢ ‘ዩ፤ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንቀፃሊ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብወገኖም፤ ዝተረኸበ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ እናሰራሕና ኣብ ልምዓት ክልልና ‘ውን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ገሊፆም። ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፤ ኣብዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ሰላምን ዝያዳ ክሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ኣብቲ ክልል ዘይተሰርሑ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ስለዘለዉ ህዝቢ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መንገዲ ንዕውትነት ስራሕቲ ልምዓት ክረባረብ ይግባእ። ነዚ ድማ ካብ ፌደራልን ካልኦት ኣካላትን ብዝግበር ሓገዝ ኣዋሃሂድና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ሞዴል ‘ዩ። ሕዚ ድማ ካብቲ ዝነበረ ኩናት ወፂኡ ናብ ሰላም ተመሊሱ ኣብ ልምዓታዊ ስራሕቲ ይሳተፍ ምህላዉ ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሕርሻ ፕሮፌሰር እያሱ ኤልያስ ብግዲኦም፤ እዚ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ኩናት ኣብ መደባት ሓምለዋይ አሰር ዘይተሳተፈ ‘ኳ እንተነበረ ሕዚ ግን ናብ ልምዓት ይምለስ ምህላዉ ዘተባብዕን ዘሕጉስን ‘ዩ ኢሎም። ኣብዚ ሓቢርና ፈልሲ ምትካልና መግለፂ ምትሕግጋዝናን ፍቕርናን ‘ዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር እያሱ፤ እቲ ሚኒስቴር ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ልምዓት ንምሕጋዝ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፆም። ምትሕግጋዝ ተጣናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ምንክብኻብን ሓለዋን ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ወሲኾም ገሊፆም። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዝተቓልዑ ቦታታት ብፈልሲ ክሽፈኑ ይግባእ ዝበሉ ፕሮፌሰር ኢያሱ፤ ኣብ ከምዚ ዝበለ ልምዓት ሓቢርና ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክንሰርሕ ይግባእ ኢሎም። ሕድርን ፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ዝሰነቀ ረዚን መልእክቲ
ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
Apr 20, 2023 7153
ኣብ ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻደ ኩናት፡፡ ማሕበራዊ ህይወት ህዝቢ አናጊዑ ‘ዩ። እቲ ኩናት ዝፈጠሮ በሰላ ብጣዕሚ ከቢድ‘ዩ። ምስቲ ኩናት ርክብ ዘይብሉ ህዝቢ’ውን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ግዳይ እቲ ሓደጋ ኮይኑ ‘ዩ።ኣብቲ ክልል ዓብዪ ስነኣእምሯዊ ማሕሰይቲ፣ጉድኣት ኣካል ፣ ምጥፋእ ሂወትን ስነ ልቦናዊ ፀገምን በፂሑ ‘ዩ።ስለዚ እዚ ኣካይዳ ትኽክል ስለዘይኮነ ዳግም ከይድገም ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ስርሑ ክውዕል፣ ሓረስታይ ኣብ ማሕረሱ ከምኡ ‘ውን ተምሃሮ ኣብ ትምህርቶም ክውዕሉ እናተገበኦም ብሰንኪ እቲ ኩናት ካብዚ ወፃኢ ክኾኑ ተገዲዶም ‘ዮም፡፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይ ኾነ ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክዓስል ብፍላይ ኣብቲ ልዑል ዕንወት ዝበፅሓ ትግራይ ናብ ንቡር ሂወት ንክትምለስ ብዝተዋደደ መልክዑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክጅመሩ ኣብዘድልየሉ ወሳናይ እዋን ንርከብ። ኣብዚ ድማ እቲ ዋና ብሓላፊነት ክፍፅሞ ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ማሕበረ ሰብ ብዝኽእሎ ዓቅሚ ካብቲ ብሰንኪ መዕነዋይ ኹናት ዝበፅሐ ብርሰትን ዕንወትን ናብ ልምዓት ንምስግጋር እኹል ትኹረት ተሳትፎን ካብ ኩሉ ዝፅበይ ዋኒን ከምዝኾነ የኣምን። ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ መረበቱ ሓዲጉ ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ምግባር’ዩ፡፡ካሊእ ዝዓነወ፣ ዝተቓፀለን ዝተጎሓለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ ምህናፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ብዝኾነ መገዲ እንትረክብን ‘ዩ።ዝተመዛበለ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ናብራኡ ምምላስ ኩሉ ደላይ ሰላምን ልምዓትን ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛ መንግስቲ ምዃኑ እሙን እዩ ። ተመዛበልቲ ናብ ንቡር ካብ ምምላስ ጎና ጎኒ ድማ ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል ድጋፋት ኣድላይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ። ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ሓገዛት ንክመፅእ’ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኮይኑ እቲ ሓገዛትን ድጋፋትን ድማ ብትኽክል ናብቲ ዝመፅአሉ ትኽክለኛ ዕላማን ቦታን ንክውዕልን ንክበፅሕን ኣድላይ ኽትትል ብምግባር ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን። ብናይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝእከብ ሓገዝ ንብረትን ገንዘብን ናብ ትኽክለኛ መዓሉ ንክውዕል ጥንኩር ሜላታት ኣሰራርሓ እንካብ ምትእትታው ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ብኣግባቡ ንምፍፃም ድማ እቲ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዳግመ ህንፀት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት በቲ ዝድለ መንገዲ ተቐላጢፎም ከይህነፁ ዕንቕፋት ዝኾኑ ፀገማት ኣለልዩ ከወግዶም ከምዝግባእ ልዑል ትኹረት ተዋሂብዎም ክስርሑ ካብዘለዎም ስራሕቲ ሓደ’ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝምስረት ሓፂር እዋን እኳ እንተኾነ ነዚ ተግባር ንምፍፃም ተስፋ ዝህቡ ጅማሮ ስራሕቲ ይርኣይ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ምጅማር ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት መንግስቲ ፌደራል ከም ሚኒስቴር ትምህርትን ጥዕናን ዝኣምሰላ ዑደት ስራሕ ኣብ ትግራይ ምክያደንን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት መባእታ ትምህርቲ ክጅመሩ ምግባርን ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ብፍላይ ትካላት ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ ‘ውን ኣብ ግልጋሎት፣ ባንኪ፣ ስልኪ፣ መብራሕትን ማይን ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ንምፍታሕ ብስፍሓት ኣብ ምስራሕ ልዑል መብራብ ዝሓትት ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። እቲ ዘሎ ፅቡቅ ጅማሮ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ኩሉመዳያዊ ተበፃሕነት ቅልጣፈን ትኹረት ክወሃቦ ዘለዎ ኮይኑ፤ እቲ ቀንዲን ዝዓበየን ውራይ ዳግመ ህንፀት ክስራሕ ዘለዎ ድማ ኣብ ምልማዕ ኣእምሮ ወዲሰብ ስለዝኾነ ብቑጠባ ይኹን ብትምህርቲ ድልዱል ዜጋ ንምፍጣር ተጀሚሩ ዘሎ ስራሒቲ ተጠናኺሩ ንክቅፅል ኩሉ ዝመልከቶ ኣካል ብግዜ የለን ክሳተፍን ክዋሳእን ይግባእ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ኣቲዩ ኣሎ።ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ንዝስራሕ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን ሕወየትን ምችው ኩነታት ስለተፈጠረ ብግዘ የለን መንፈስ ምስራሕ ግድን ይኸውን።ስለዚ በታ ዝተረኸበት ዓቕሚን ሃፍተ ገነትን ኩሉ በቢደረጅኡ ሓላፍነቱ ብምውፃእ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንክቃለል ክሰርሕ ግድን ይኸውን።
ትንታነ
ስምምዕነት ፕሪቶሪያ-ዋሕስ ሰላም ህዝቢ ትግራይ
Mar 21, 2025 5133
ዕለት/12/መጋቢት/2017/ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ኩናት ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዐልባት ረኺቡ፡፡ ህዝቢ ትግራይ’ውን ሐዚ ዘድልዮ ኩናትን ጎንፅን ዘይኮነስ ሰላምን ልምዓትን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይገልፅ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ንህዝቢ ሰላም ዘስእን ምዃኑ ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንመራኸቢ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ገሊፆም’ዮም፡፡ ፕሬዝዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ተቐማጥነቶም ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ዝተጣየሸ ግልፂ ሓላፍነትን ሕጋዊ ተቐባልነትን ዘለዎ ምምሕዳር ‘ዩ ይብሉ።ይኹን እምበር ሕጋዊ ተቐባልነት ዝሰኣነ ሓደ ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ምስ ዝተወሰኑ መራሕቲ ዕጡቓት ብምትሕብባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እቲ ክልል ስልጣን ብሓይሊ ንምምንጣል እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ይሕብሩ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብትኽክል ተግባራዊ ንክኸውን ከምዝደልዩ ብምሕባር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ንምዕላው ብዝፈጠሮ ፀገም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብግልፂ ኣፍሪስዎ ‘ዩ ይብሉ። ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንምምላስን ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽን ዝተጀመረ ፃዕሪ ‘ውን በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተኣጓጎለ የረድኡ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምፍራስ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንከይኸውን ዝገብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣመራርሓ ፍንጫል ህወሓትን ሰራዊትን ከምዝኾኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብግልፂ ክፈልጥ ይግባእ ድሕሪ ምባል፤ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ብደገፍ መንግስቲ ፌዴራልን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ብ10 ኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበር ዕጡቓት ዳግማይ ንምጥያሽ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ በዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ከምዝተቛረፀ ኣብሪሆም ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልእ ሳልሳይ ኣካል ኣዋጅ ኩናት ክሳብ ዘይገጠሞ ንናይ ውሕዳት ውልቐ ሰባት ወንበር ንምሕላው ኢሉ ናብ ኩናት ናይ ምእታው ድሌት የብሉን። ሕዚ ትግራይ ኣትያቶ ዘላ ህልው ኩነታት ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ፣ መንግስቲ ፌደራል ንውዕል ፕሪቶርያ ብዘይ ምትግባሩ ናይ በዓሉ ግደ ዋላ እንተሃለዎ ኮይኑ ግና ቀንዲ ተሓታቲ ናይዚ ህውከት እቲ ጉባኤ ኣካይደ ኣላኹ ዝብል ጉጅለ ምዃኑ ይሕበሩ። ብተወሳኺ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ እዋኑ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ ዝነበረ እዋን እውን በዚ ጉጅለ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ብምግላፅ፤ እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጣብያ፣ ወረዳ፣ ከንቲባ ከተማ ማሕተም እናሕደገ ዘሎ ጉጅለ፣ እቲ ዝደልዮ ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ዘይኮነስ ንውልቃዊ ስልጣን ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ ይብሉ። ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ብወገኖም ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ እቲ ዓርሱ ነፂሉ ዝወፅአ ጉጅለ ህወሓት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ። ብተወሳኺ ‘ውን ቦርድ መረፃ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኸሳልጥ ንዝሃቦ መምርሒ ኣይተቐበለን ይብሉ። መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ፣ብሙሉእ ንኽትግበር እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንእዋናዊ ኹነታት እቲ ክልል ብፅሞና እናተኸታተለ ኮይኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም። ኣቦወንበር ትዴፓ ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ጉጅለ ፍንጫል ህወሓት ነቲ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከይትግበር ዕንቕፋት ካብ ምዃን ክቑጠብ ኣለዎ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ድሌታት ህዝቢ ዘኽበረን ፀገማት ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሒ ክረኽቡ በሪ ዝኸፈተን ታሪኻዊ ስምምዕ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። እቲ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ዘመኑ ዘኣከቦ ሃፍቲ ክስእኖ ‘የ ካብ ምባል ፍርሒ ዝተለዓለ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝተማለአ መልክዑ ከይትግበር ዕንቕፋት እናፈጠረ ይርከብ። ስለዚ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠብ ይግባእ። ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ፌደራል መንግስቲ ነቲ ንውዕል ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝገብሮም ዘለዉ ስራሕቲ ክቕፅለሉ ኣለዎ ክብሉ ይሓቱ። ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ ዝግበር ከይዲ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ዝበሉ ድማ ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) እንትኾኑ፤ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንኸይነግስ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓንኬል ጎንፂ ብምፅማድን ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣርን ባህጊ ጉጅለኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንምፅዓን ዝንቀሳቐሱ ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ኣካይደኦም ብኣግባቡ ምግንዛብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ‘ዮም። ስራሕቲ ሰላም ንከይስርሑ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ለይቲን ቀትሪን ዝሰርሑ ሓይሊታት ምህላዎም ግልፂ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ እቶም ሓይልታት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብረብሓ ዝምድና ብምፍጣር ሃፍቲ ይወሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም ‘ዮም። ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምፍጣር ዳግማይ ጎንፂ ንምውላዕን መንግስቲ ንምፍራስን ዝደሊዩ ኣካላት ብስፍሓት ይረአዩ ከምዘለዉ ብምግላፅ፤ ባህጊ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ከምዝኾነ፤ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ኢሉ’ውን መናእሰይ እቶም ሓይሊታት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ክሳብ ዘይተቐበሎ ንበይኖም ዘምፅእዎ ለውጢ ከምዘይህሊ ኣገንዚቦም ‘ዮም። ህዝብና ካብ ፀገም ዘይወፅአን ኣብ ልዑል ሓዘን ዝርከብን ማሕበረሰብ ‘ዩ ብምባል፣ ባህጊ ህዝቢ ካብ ዝበፅሖ ፀገም ምውፃእ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ዝሃቡ ዘእንትኾኑ፤ ጥፍኣተኛታት ሓይሊታት ፈሊዩ ምፍላጥ ኣድላዪ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ነዚ ብዝተማልአ ኩነታት እናገለፀ ከምዝኾነን መንግስቲ ፌዴራል መፍትሒ ንክህብ ይሓትት ከምዘሎን ገሊፆም ‘ዮም። ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ጨንፈር ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣይተ ጎይተኦም በርሀ ብወገኖም ኣብዚ ጉዳይ ኣድሂቦም ከምዝገለፅዎ፣ህዝቢ ትግራይ መሰረት ኢትዮጵያ ‘ዩ፤ ምስ ኢትዮጵያ ዝነፃፀል ኣይኮነን። ንኢትዮጵያ ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ። ብሰላምን ልምዓትን ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ክፈርስ ኣይደልን። ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ‘ዩ ድሌቱ። ምኽንያቱ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኵናት ኣውፂኡ ስለ ሰላምን ልምዓትን ክሓስብ ዝገበረ ‘ዩ ክብሉ ይገልፁ። ነቲ ኵነት ስዒቡ ዝመፀ ፀገም ክሳብ ሕዚ ኣይተፈትሐን፤ ኩሎም ተመዛበልቲ ኣይተመለሱን፤ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊኦም ኣይተፀገኑን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰላምን ልምዓትን ክሰፍነሉ ‘ዩ ድሌቱ። ስለዚ ካብ ውልቀን ጉጅለን ረብሓ ወፂእኻ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምዕሳል የድሊ ክብሉ የርድኡ። ናይ ትግራይ ሰላም ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ከምዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ይርዳእ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ሰላም ትግራይ ኩሉ ክሕግዝ ኣለዎ። ኵናት ብዝተፈጥረ ቑፅሪ ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዝጉዳእ ምዃኑ ብዝግባእ ይርዳእ ‘ዩ። ብምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ልምዓት ዝደራደር ህዝቢ ኣይኮነን ክብሉ ይገልፁ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሰላሙ ክዝረግ ኣይደልን። ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኽበ ለውጢ ዋላ ሙሉእ ኣይኹን እቲ ለውጢ ሪኢዎ ‘ዩ። እዚ ፈፂሙ ንደሓር ክምለስ ኣይደልን። ስለዚ ዝኾነ ኣካል ኣብ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ዘለዎ። ብፍላይ ፖለቲከኛታት ንውልቀ ረብሐኦም ክብሉ ካብ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ክኸዱ የብሎምን ክብሉ ይመኽሩ።/ፍልፍል ጋዜጣ ወጋሕታ/መግለፂ ፕሬዝዳንት ክልል ትግራይ
ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ
Jan 9, 2025 3303
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ብ 5 ቢሊዮን ፓውንድ እናሃነፀ ̒ዩ፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝዛዘም ትፅቢት ይግበር፡፡ኤክስፕረስ ኒውስ ከም ዝፀብፀቦ፤መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዛ ሃገር ማእኸል ኣቬሽን ኣፍሪካ ዝገብር ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ብዘለዎ ዓብዪ ትልምን መልክዐ ዞባዊ ኣቬሽን ድሙቕ አሰር ከዕርፍ ዘኽእል ̒ዩ፡፡ ኣብ ቢሾፍቱ ኣቡሴራ ዝርከብ እዚ ግዙፍ ፕሮጀክት መንገዲ ኣየር፤ካብ ዓለም መራሒ ሓይሊ ኣቬሽን ንምዃን ዝሓዞ ስትራተጂ ዕቅድ 15 ዓመት እምነ ኹርናዕ ̒ዩ ተባሂሉ፡፡ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፤ዲዛይን እቲ መንገዲ ኣየር ንምድላው ኣብ ዱባይ ምስ ዝርከብ ኣማኻሪ ስምምዕ ዕዳጋ ተፈራሪሙ ̒ዩ፡፡ ኣብ 2029 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ዝዛዘም እዚ ፕሮጀክት ኣብ ዓመት 60 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ከም ዘተኣናግድ ትፅቢት ይግበር፡፡ንቐፃሊ ዓቕሙ ብምዕባይ ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ከተኣናግድ ̒ዩ ኢሎም፡፡ ‹‹ዛሃ ኣርክቴክታትን (ZHA) ዳር ኣል-ሃንዳሳ ኣማኸርቲ›› ከም ዝገለፅዎ፤ተርሚናል እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 600 ሽሕ ሜትር ካሬ ቦታን 126 ሽሕ ሜትር ወሃቢ ድጋፍ መንገዲ ኣየር ቦታ ዝሽፍን ̒ዩ፡፡ ኣቀማምጥኡ ፍሉጥ፣ገፊሕን ብብርሃን ዝተመልአን ተርሚናል ዘካተተ እንትኸውን፤ንተጉዓዝቲ ፅፉፍ ፍሰት ምንቅስቓስ ንምቕራብ ዝዓለመ ከም ዝኾነ ሓቢሮም፡፡ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣንፈት ደቡብ ምብራቕ 40 ኪሎ ሜትር እትርሕቕ ጥቓ ከተማ ቢሾፍቱ ̒ዩ ዝህነፅ፡፡ ዳይሬክተር ‹‹ዜድኤ›› ኣቬሽን ካሪስትያኖ ሴካቶ ብወገኖም፤እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖር እቲ ኣህጉር ክገብራ ̒ዩ ኢሎም፡፡ እዚ ንዓለምለኸ ዕዳጋ ዘተኣሳስርን ኢትዮጵያ ማእኸል ትራንስፖርት ናይዚ ኣህጉር ከም ዝገብራ ብምጥቃስ፤ኣብ ዓለም ዘለዉ ማሕበረሰባት ብዝተዋደደ ስርዓት መጉዓዚ ኣየር ከራኽብ ̒ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ ልዕሊ 150 መባፀሕቲ ዓለም ኣብ ምግልጋል ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ 2023/24 ካብ ኣፍሪካ እቲ ገዚፍ መንገዲ ኣየር ክኸውን ዝኸኣለ እንትኸውን፤ንልዕሊ 17 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ግልጋሎት ብምሃብ 7 ቢሊዮን ዶላር እቶት ከም ዝረኸበ ገሊፆም፡፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት ልዕሊ 110 ሚሊየን ተጉዓዝቲ ዘተኣናግድ ካብ ኣፍሪካ እቲ ግዙፍ መዕርፎ ነፈርቲ ይህነፅ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ ኮይኑ እዚ ህንፀቱ ምስ ተዛዘም ታአምር ዘብል ውፂኢት ሒዙ ክቐልቀል እዩ ፡፡
ምግታእ ኵናት’ዶ ጽሕተራ ተፃብኦ….?
Dec 4, 2024 3538
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ዝሃብዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም መራሒ ኤርትራ ዘይኮነስ ከም ፖለቲካዊ ተንታኒ ኣሕጉራውን ዞባውን ጉዳያት ኮይኖም ቅልቐል ዝበሉ እዮም ዝመስሉ። ኣብ’ቲ ቃለ-መሕትት ካብ ጉዳያት ንኻልኣይ ግዜ ምምራጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁዋማት አሜሪካን ዓለምን ክህሉ ዝኽእል ለውጢ ስጋብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሀገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ሱሉስ ኪዳንን አመልኪቶም ክትንትኑ ፈቲኖም’ዮም። ኣብ ጉዳያት ኣሜሪካ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወድአ ትንታነ ፕረዚደንት ኢሳያስ ንጸገማት ኤርትራ ንምእላይ ዘኽእሉ ዘቤታዊ ዛዕባን ኣጀንዳን ከምዘይብሎም ግን ተጋሂዱ’ሎ። ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣድሂቦም ዝሃብዎ መብርሂ 40 ደቓይቕ ዘይመልእ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዲጋን ዒላን ዘይሓለፈ ከንቱ መደረ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ኤርትራ ኣባል ዓለምለኻዊ ዘይሻራዊ ምንቅስቓስ ከምዝኾነት ዝፍለጥ’ዩ። ካብ’ተን ሓሙሽተ መትከል እዚ ምንቅስቓስ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ካብ ምትእትታው ምቑጣብ’ዩ። ስለምንታይ ደኣ ፕሪዚደንት ኢሳያስ ነዚ መትከል ጥሒሶም ኣብ ውሽጢ ጉዳያት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ካልኦትን ክዕምጡቑ ዘምሰዩ ኢልካ ምሕታት ንብሩ’ዩ። ካልእ ኣይኮነን ፀገማት ኤርትራ መበጊሲኦም ንሶም ዝመርሕዎ መንግሥቲ ዝኽተሎ ገባቲን ጉጉይን ምሕደራ ከምዘይኮነ ንምእማን ዘድሀበ ግዳማዊ ምኽንያታት ኣብ ምቕራብ ዝህቅን’ዩ። ፕሬዚደንት ኢሳያስ ክዛረቡ ኸለዉ ብሰንኪ ሰኣኖ ሸቕልን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኤርትራውያን መንእሰያት ነኣደዳ ስድትን ሞትን ተቓሊኦም ከም ጥረ ጨው ፋሕፋሕ ኢሎም ባዶ ሃገር ዝመርሑ ዘለዉ ኣይመስሉን። እኳ ደኣስ ኩሉ መሊኡ ዝተረፋን ቅስንቲ ዓዲ ብምምራሕ ፀገማት ጎረባብቲ ሃገራት ንምፍታሕ ላዕልን ታሕትን እትብል መረሒ ሓያል ሃገር እዮም ዝመስሉ። ነታ ማይ፣ መብራህቲትን ካልዖት ቐረባት አገልግሎታት ሓረሚዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥጡሕ ፖሊሲ ዕበየትን ቁጠባን ኣታኣቲዮም ኣብ ክንዲ ዝድብስዎ ሕጂው’ን ኣብ ካልእ ቆይቁይ ንምሽኻል ምህቃኖም ዘጉይ’ዩ። እዚ ኸኣ ንምፍታሕ ፀገማት ኤርትራን ኤርትራውያንን ድሌትን ተበግሶን ከምዘይብሎም ዘራጋግፅ’ዩ። ብፍላይ ኣብ 2025 ኣብ ዝዀነ ጐናዊ ኵናት ከምዘይእቶን "ናይ ምግታእ ፖሊሲ" ከምዝኽተሉን ምግላጾም ብወዝቢ ንዝሰምዖ አዎንታዊ እንተመሰለ’ኳ ሕሉፍ ተሞክሮ ዘረጋግፆ ግን ፕሬዚደንት ኢሳያስ ብዘይ ኵናት ክነብሩ ዘክእሉ መራሒ ከምዝኾኑ’ዩ። ኤርትራ ካብ ምፅሕታር ተፃብኦታት ወፂኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘየድልዩ ምዕባለታት ከይመጹ ኣብ ምግታእ ኣበርክቶ ክትገብር ናይ ብሓቂ ድልውቲ ድያ ዝብል ሕቶ ግዜ ዝምልሶ’ዩ ዝኸውን።
ጉዑዞ ተስፋን ቅሳነትን ንክስምር
Apr 6, 2023 8877
አዲስ አበባ/ መጋቢት 28 /2015/ ኢዜአ/ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ልዕሊ ሓሙሽተ ወርሒ ኣቑፂሩ ኣሎ። ኣብዘን እዋናት ብርክት ዝበሉ ኣወንታዊ ስጉምትታት ብመንግስቲ ፌደራል ተወሲዶም ‘ዮም። ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብዘይዓንቀፍቀፍ ናብ ትግራይ ንክኣቱን መሰረታዊ ግልጋሎት ከም ቴሌኮም፣ ባንኪ፣ ኤሌክትሪክ፣ ጥዕና ስራሕ ንክጅምሩ ሰሪሑ ኣሎ። ብወገን ህወሓት’ውን ከቢድ ብረት ምርካብን ምጅማሩን ዕጡቓት ካብ ድፋዕ ብምርሓቕ ኣብ ዝተወሰኑ ቦታታት ንክእክቡ ገይሩ ኣሎ። እዞም ስጉምትታት ንቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ብምውራድ ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ዝሕግዙ’ዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተጣይሹ ሓድሽ ጉዕዞን ቅሳነትን ሒዙ መፂኡ ኣሎ። ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ራዕዳዊ ተባሂሉ ተሰይሙ ዝነበረ ህወሓት ስያሜኡ ንክለዓል ተገይሩ’ዩ። ቐፂሉ ድማ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ክሲ ተመስሪቲዎም ዝነበሩ ፖለቲካዊ አመራርሃታት ህወሓትን ከምኡ ውን ወታደራትን ክሶም ተቋሪፁ ካብ ቤት ህንፀት ወፂኦም ኣለው። እዚ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተወሰደ ስጉምቲ ንቲ ስምምዕነት ዘለዎ ተኣማንነትን ንሰላም ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋምን መረጋገፂ’ዩ። ኣብዚ መድረኽ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ክምፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክውን ኮይኑ አሎ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፕረዝደንት እቲ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ፌደራል መንግስቲ ተዛትዩ ኣሎ። ኣብ ትካላት መንግስቲ’ውን ዑደት ኣካይዱ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ፅቡቕ ምርድዳእ ከምዝነበረ’ውን ተገሊፁ ኣሎ። እቲ ልኡኽ ካብቲ ዘተን ዑደትን ዝረኸቦ ሓሳብን ተሞክሮን ሒዙ ኣብ ፖለቲካዊን፣ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ሕወየት ትግራይ ዓብይ ስራሕ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብዚ መድረክ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዘይ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩሉ ዓቕሚ ኣዋዲዱ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብምንጣፍ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ምንቅስቓስ ክመለስ ትፅቢት ይግበረሉ ። ቅድሚ ሐዚ ንንግድን ኢንቨስትመንት ዓጋቲ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ብምምሕያሽን ብምቕያርን ሰብ ሃፍቲን ነጋዶን ንቲ ማሕበረሰብ ብዘይጎድእ መገዲ ብዘይ ዓንቀፍቀፍ ንክነግዱን ንክሰርሑን ፤ ንቲ መንእሰይ ድማ ዕድል ስራሕ ንክፈጥሩን ክገብር ኣለዎ። ኣብ ማሕበራዊ ሕወየት ‘ውን ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ኣብ ስነ ልቦና ዝተፈጠረ ፀቕጢ ንክሓዊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። ተምሃሮ ናብ ትምህርቶም፣ ሓረስቶት ናብ ሕርሽኦም፣ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ናብ ቤት ዕዮኡ፣ነጋዳይ ናብ ንግዱ ኮታስ ኩሉ ህዝቢ ናብ ንቡር ስራሑ ንክምለስ ዘኽእል ፋይናንሳዊን ምቹው ባይታን ንክፈጥር ምስ መንግስቲ ፌደራል ተዋዲዲ ንክሰርሕ ትፅቢት ይግበርሉ። ጉዑዞ ሰላምን ቅሳነትን ንክሰምር።
ፍሉይ ፀብፃባት
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም
Sep 9, 2025 1484
ኣዲስ ኣበባ/ ጳጉሜን/4/ 2017 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ሽልማት ክብሪ ኒሻን ኣበርኪቶም፡፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ እቲ ግድብ ንፍፃመ ንኽበቅዕ ልዐል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ኣካላት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተቐቢሎም፡፡ ዋና መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፣ ምክትል መካየዲ ስራሕ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ኢንጅነር ኤፍሬም ወልደኪዳን ናይ ክብሪ ኒሻን ሽልማት ተበርኪቱሎም፡፡ መካየዲ ስራሕ ጣቢያ ኦፕሬሽን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ከማል ኣሕመድን ብመዓርግ ምክትል መካየዲ ስራሕ መተሓባበሪ ሳይት ፕሮጀክት ኣይተ በላቸው ካሳ ካልኦት ናይ ክብሪ ኒሻን ተሸለምቲ ኢዮም፡፡
ፅሑፋት
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሓኩም ንሓዱሽ ዓመት፡-
Sep 10, 2025 1073
👉እንኽብሮ ምልዋጥ ሓዱሽ ዓመት ኣይኮነን። ምልዋጥ ታሪኽ እውን እዩ። ምስሊ ኢትዮጵያ፣ተረኽ ኢትዮጵያ፣ጂኦፖለቲካዊ ቁመና ኢትዮጵያ ተቐይሩ እዩ። 👉ንሕና ብዓቕምን ብቅዋምን እንተተደሚርና ሃገርና ወናኒት ብዙሕ ሃፍቲ እያ። ንኣፍሪካን ዓለምን ዝተርፍ ታሪኻዊ፣ባህላዊ፣ሃይማኖታውን ተፈጥሮኣውን ሃፍቲ መሊእዋ እዩ። 👉2018 ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዝበለፀ ሱርን መሰረትን እነትሕዘሉ ዓመት እዩ። 👉ንኢትዮጵያ ወጋሕታን ምጥቀትን የድልየና እዩ። 2018 ልዕልና ኢትዮጵያ ዝበለፀ እናዓበየ፣ዝበለፀ እናበርሀ፣ዝበለፀ እናዓምበበ ዝኸደሉ እዩ። 👉ኢትዮጵያ ዝቕይራ ቅልጣፈን ፈጠራን ደቃ እዩ። ታሪኽ ኣባይ ዝቐየሮ ስራሕ እዩ። ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝቕይሮ እውን ስራሕ እዩ። 👉በቢ ቢሮኡ፣በቢ ሕርሽኡ፣በቢ ዓውዱ፣በቢ ትካላቱ በቢ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለና ኩላትና ኢትዮጵያውያን ልብና፣ሓሳብና፣ፍልጠትናን ጉልበትናን ንብልፅግና ኢትዮጵያ ነውዕሎ። እንትንሰርሕ እንታይ ከምንቕይር ካብ ዓብይ ግድብ ሕዳሰ ርኢና ኢና። 👉ዕቤትን ብልፅግናን ውፅኢት ቅብብል እዩ።