ፖለቲካ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖለቲካ
ብመንግሥቲ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ህንፀት መውሃቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መሰረተ ልምዓትን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም-ነበርቲ ከተማ ሚዛን ኣማን
Dec 14, 2025 30
ሚዛን ኣማን/ታሕሳስ 5/2018 (ኢዜኣ) ብመንግሥቲ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ህንፀት መውሃቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መሰረተ ልምዓትን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ነበርቲ ከተማ ሚዛን ኣማን ሓቲቶም። "ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሚዛን ኣማን ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ፤ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረኺቦም። ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ፤ መንግሥቲ ከም ሃገር ኢሉ እውን ኣብ ከባቢኦም ውፅኢታት ልምዓት ብምምዝጋብ ተረባሕቲ ከምዝገበሮምን ተጠናኺሩ ንክቕፅል እጃሞም ከምዘበርክቱን ሓቢሮም። ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ብመንግሥቲ ፌዴራል ዝህነፁ ዘለዉ ፕሮጀክትታት ኢኮ ቱሪዝም እቲ ከባቢ ዘዕብዩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ስራሕቲ ህንፀት መውሃቢ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መሰረተ ልምዓትን ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ሓቲቶም። እቲ መድረኽ ዘተ ዝመርሑ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ዋና ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ እቲ ከባቢ ብፍርያት ግብርና ንካልኦት ከባብታት እውን ዝምግብ ዕቑር ሃፍቲ ኣለዎ። መንግሥቲ ንህዝቢ ኣዳሚፁ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ተግባራዊ ምላሽ ንምሃብ ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዘጠናኽር ብምሐባር፤ ምስቲ ሕብረተሰብ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ኢትዮጵያ ክነዕብያ ኢና ኢሎም። ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብግደአን፤ እቲ ህዝቢ ዘልዓሎም ሕቶታት በቢብርኩ ከምዝፍትሑ ኣረጋጊፀን። ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ሚዛን ኣማን ኢንጂነር ሰሎሞን ሌዊ፤ ተረባሕነት ህዝብታት ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት እታ ከተማ ከምዝሳለጡ ሓቢሮም።
ንድሌታት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ መንግሥቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝተባባዕ እዩ-ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን
Dec 14, 2025 24
ደብረብርሃን/ታሕሳስ 5/2018(ኢዜኣ) ንድሌታት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ መንግሥቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን ገሊፆም። "ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ደብረ ብርሃን ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ነበርቲ ከተማ ደብረ ብርሃን፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኣማራፂ ሰላም ትኹረት ብምሃብ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምፍጣርን ዝግበር ፃዕሪ ንኢዶም። ካብቶም ተሳተፍቲ ኣይተ ሃይለ ስላሴ ጌታነህ፣ኣይተ ሸዋለዓለም ግዛቸው፣ኣይተ ሙሉጌታ መንገሻን ኣይተ ሙላት ሃይሉን፤ ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ዓውድታት ልምዓት ከተማታት፣ትሩፋት ሌማት፣ግብርናን ቱሪዝምን ዝተሳለጡ ስራሕቲ እመርታዊ ውፅኢት ዝተረኸበሎም እዮም ኢሎም። ንድሌታት ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ መንግሥቲ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ብተሳትፎ ሕብረተሰብ ገበን ቀዲምካ ብምክልኻል ሰላም ብዘላቕነት ንምፅናዕ ዝተወሰዱ ስጉምትታት እውን ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም። እቶም ነበርቲ፤ ሓል ሓሊፉ ዝረአ ፀገም መብራህቲ፣ማይን መንገድን ንክፍትሑሎም ሓቲቶም። ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ከተማ ደብረ ብርሃን ኣይተ በድሉ ውብሸት ከምዝበልዎ፤ ኣብታ ከተማ ሕቶታት ነበርቲ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ልምዓት ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም። ካብቶም ነበርቲ ዝተልዓሉ ሕቶታት እውን በቢ ብርኮም ምላሽ ከምዝረኽቡ ኣረጋጊፆም። ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ማስረሻ በላቸው፤ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን እቲ ህዝቢ ዘለዎ ምሕዝነትን ቆራፅነትን ብምንኣድ ኣብዚ ጉዳይ መንግሥቲ እውን ቀንዲ ትኹረቱ ገይሩ ከምዝሰርሕ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ውሽጢ ፃዕሪ መንግሥቲ ደገፍን ምትሕብባርን እቲ ህዝቢ ኣድላይ ስለዝኾነ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ክልል ዝተመዝገቡ ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ንክጠናኸሩ ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ኮይንና እጃምና ክንዋፃእ ኢና-ነበርቲ ከተማ ጅግጅጋ
Dec 14, 2025 23
ጅግጅጋ/ታሕሳስ 5/2018(ኢዜኣ) ኣብቲ ክልል ዝተመዝገቡ ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ንክጠናኸሩ ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ኮይንና እጃምና ክንዋፃእ ኢና ክብሉ ነበርቲ ከተማ ጅግጅጋ ተዛሪቦም። "ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ። ካብ ከተማ ጅግጅጋን ከባቢኡን ዝመፁ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፤ ኣብቲ ክልል ብፍላይ ድማ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝተመዝገቡ ስራሕቲ ልምዓት ዝሓሸ ውፅኢት ዝተመዝገበሎም ከምዝኾኑን ብዝበለፀ ንክጠናኸሩ ድማ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኖም እጃሞም ከምዝዋፅኡን ገሊፆም። ቅድሚ ሕዚ ተሓቲቶም ምላሽ ዘይረኸቡ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ሓዊሱ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ኣብ ህንፀት ዝርከብ መንገዲ ብቕልጡፍ ክዛዘም ከምዘለዎ ሓቢሮም። ብተወሳኺ እውን ኣብታ ከተማ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘሎ ብምሕባር፤ መንግሥቲ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም። እቲ መድረኽ ዝመርሑ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያን ኣይተ ጥላሁን ከበደ ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ መደመር ኣብ ኩሎም ከባብታት ዘለዉ ዓቕምታት ፈልዩ ብምልማዕ ንተረባሕነት እቲ ህዝቢ እናሰሰርሐ እዩ ዝርከብ። ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ብዝተሰርሐ ስራሕ ስርናይ ካብ ወፃኢ ምእታው ከምዝተረፈ ከም ኣብነት ብምሕባር፤ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብልፅግና ንምርግጋፅ ዝሕግዙ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም። ክልል ሶማሌ ዕቑር ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘለዎ ስለዝኾነ መንግሥቲ ንኩለ መዳያዊ ልምዓት እቲ ክልል ፍሉይ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም። ካብቲ ህዝቢ ዝተልዓሉ ሕቶታት እውን ምላሽ ንክረኽቡ ከምዝግበር ሓቢሮም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ሶማሌ ኢንጂነር መሀመድ ሻሌ፤ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብዝበለፀ ብምዕባይ እታ ከተማ ማእኸል ንግዲ ንምግባር መንግሥቲ እቲ ክልል ብቆራፅነት ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።
መንግስቲ መደመር ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ -ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)
Dec 14, 2025 24
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ/5/ 2018 /ኢዜኣ/መንግስቲ መደመር ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) አረዲኦም ። መንግስቲ ህዝቢ ንዘልዕሎም ሕቶታት ብተግባር ምላሽ ክህብ ኢዩ ኢሎም ። ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ከተማ ቦንጋ ‘ብስራት ጉባ፤ ትሩፋት መንግስቲ ምድማር ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ። ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ፥መንግስቲ ምድማር ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ ኩለ መዳይ ስራሕቲ የሳልጥ ከምዘሎ ኣመልኪቶም ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ኮይና ዘመዝገበቶም ኩለ መዳይ ዓወታት ካብ ዝጀመረቶ ናይ ምዕባለ ጉዕዞ ዘዐንቅፋ ሓይሊ ዘይምህላዉ ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፆም። ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘጋጠምዎ ፈተናታት ብመፍታሕ ንዘበናት ተባዕነት ህዝቢ ምላሽ ምሃቡ ተዛሪቦም። መንግስቲ ህዝቢ ንዘልዕሎም ሕቶታት ብተግባር ምላሽ ክህብ ኢዩ እውን ኢሎም።
እቲ ረቂቕ ፖሊሲ ተወዳዳሪነት ዓውዲ ኪነ ጥበብ ዘዕቢ እዩ-ረዳት ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ
Dec 14, 2025 20
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 5/2018 (ኢዜኣ) ረቂቕ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበብን ፈጠራን ንዓውዲ ኪነ ጥበብ ብውፅኢታውነት ብምምራሕ ተወዳዳሪነቱ ዘዕቢ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ስፖርትን ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ ገሊፆም። ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣብ ረቂቕ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበብን ፈጠራን ካልኦት ማዕቐፋት ሕግን ከምኡ እውን ኣብ ዝፀደቑ መምርሕታት ኣሰራርሓ ምስ ዝምልከቶም ሰብ ሞያን መዳርግቲ ኣካላትን እቲ ዓውዲ ይዝቲ ኣሎ። ሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ስፖርትን ፕሮፌሰር ነብዩ ባዬ ኣብዚ እዋን፤ ጥበብ ባህላውን ዘበናውን መልክዕ ከምዘለዎ ሓቢሮም። ከምኡ እውን ስነ ልቦናዊ፣ማሕበራውን ሃገራውን ረብሓታት ከምዘለውዎ ብምሕባር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዋላ ኳ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ጥበብ እንተተሰርሑ እቲ ዓውዲ ዝምረሐሉ ፖሊሲ ከምዘይነበረ ኣፍሊጦም። ረቂቕ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ጥበብን ፈጠራን ንዓውዲ ኪነ ጥበብ ብውፅኢታውነት ብምምራሕ ተወዳዳሪነቱ ዘዕቢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ኣብቲ ዘተ፤ ዋና ዳይሬክተር ኣብያተ መዛግብትን መፅሓፍትን ኢትዮጵያ ሰርፀ ፍሬስብሀት፣ፍሉጣት ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ፣ሓለፍቲ ቢሮ ባህልን ስፖርትን ክልላት ተረኺቦም።
ኣብ ክልል ሃረሪ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንሕቶ እቲ ህዝቢ ምላሽ እናሃቡ እዮም-ነበረቲ ከተማ ሃረር
Dec 14, 2025 20
ሃረር/ታሕሳስ 5/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ሃረሪ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንሕቶ እቲ ህዝቢ ምላሽ እናሃቡ ከምዝኾኑ ነበርቲ ከተማ ሃረር ገሊፆም። "ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ሃረሪ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ተሳተፍቲ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ንሕቶ እቲ ህዝቢ ዝመለሱ እዮም። ድሕሪ እቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንሕቶ እቲ ህዝቢ ምላሽ እናሃቡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀጻሊ እውን ንዝለዓለ ውፅኢት ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ኮይኖም ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም። ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ኢንጂነር ነጋሽ ዋጌሾ(ዶ/ር)፤ ኣብቲ ክልል እቲ ኣመራርሓን ህዝብን ተዋዲዶም ውፅኢታዊ ስራሕ ከምዘሳለጡ ገሊፆም። ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ብግደአን፤ ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣብ ከተማ ሃረር ዝተሰርሑ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ልምዓት እታ ከተማ መርኣያ መንግሥቲ መደመርን ብልፅግናን ዝገበሩ እዮም ኢለን። ኣብቲ ክልል ዝተሳለጡ ስራሕቲ ልምዓት ልዕልና ሃረር ዘረጋገፁ ስለዝኾኑ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ሓቢረን። ኣብቲ መድረኽ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ሱልጣን ኣብዱሰላም፣ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሮዛ ኡመርን ካልኦት ኣመራርሓን ተረኺቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ልዑል ፈተና ኮይና ብዙሓት ዓወታት ተጎናፂፋ ኢያ
Dec 13, 2025 67
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ/4/ 2018 /ኢዜኣ/ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ፈተና ኮይና ዘመዝገበቶም ዓወታት ካብ ጉዕዞ ምዕባለኣ ዘትርፋ ሓይሊ ከምዘየለ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጌዲኦ ከተማ ዲላ "ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ። ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፈተና ኮይና ዘመዝገበቶም ዓወታት ካብ ጉዕዞ ምዕባለኣ ዘትርፋ ከምዘየለ ዘርኢ ስራሕ ከምተሰርሐ ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣመልኪቶም እዮም ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዎ ፀገማት ብምፍታሕ ናይ ዘበናት ነስሓ ህዝቢ ናብ ሓጎስ ምቕያር ከምዝተኽኣለ ኣልዒሎም። ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ፍርያት ስርናይ ብዝተሰርሐ ስራሕ ካብ ስራሕ ሓሊፉ ንወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ÷ ብፕሮጀክታት ገበታ ንሃገር ብዝተሰርሐ ስራሕ ዓሚቕ ሃፍቲ ሃገር ቱሪዝም ምንቕቓሕ ከምዝተኽኣለ እውን ኣብሪሆም።
ንዕዉትነት ዕቑር ሃፍቲ እቲ ከባቢ ለሚዖም ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እጃምና ክንዋፃእ ኢና-ነበርቲ ከተማ ኣርባ ምንጭ
Dec 13, 2025 45
ኣርባ ምንጭ/ታሕሳስ 4/2018 (ኢዜኣ) ንዕዉትነት ዕቑር ሃፍቲ ከተማ ኣርባ ምንጭን እቲ ከባብን ለሚዖም ኣብ ረብሓ ንክውዕሉ ዝተጀመሩ ስራሕቲ እጃምና ክንዋፃእ ኢና ክብሉ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም። “ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ። ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝኾኑ ነባሪ ከተማ ኣርባ ምንጭ ኣይተ ለማ ፖሎ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፤ መንግሥቲ መደመር ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ልምዓት ኮሪደርን ልምዓት ወሰና ወሰን ሩባን ብምስላጥ እታ ከተማ ካብ ሓደጋ ውሕጅ ብምድሓን ተረባሕቲ ገይሩና እዩ ኢሎም። ካሊእ ወሃቢ ርኢቶ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ በለጠ በቀለ ብግደኦም ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ ህዝቢ ተረባሒ ሰላምን ልምዓትን ንምግባር ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ። ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያን ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽን መብራህርህን ከምዝበልዎ፤ ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ሃገርና ኣብ ግብርና፣ኢንዱስትሪ፣መዓድን፣ቱሪዝምን ካልኦት ዓውድታትን ዝነኣድ ውፅኢት ተመዝጊቡ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝገበረቶ ምንቅስቓስ ዝነኣዱ ዝላታት ከምዘመዝገበት ብምሕባር፤ እቲ ህዝቢ ብስራታት ጉባ ሓዊሱ ድኽነትን ድሕረትን ንምውጋድ ኣብ ዝሳለጡ ስራሕቲ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፀለሉ ኣተሓሳሲቢቦም። ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ ብግደኦም፤ መንግሥቲ መደመር በቢብርኩ ተረባሕነትን ተሳትፎን ልምዓት ህዝቢ እናረጋገፀ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ኣብቲ መድረኽ፤ ኣብቲ መድረኽ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ፌዴራልን ክልላትን ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።
እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት መንግሥቲ ብተግባር ክምልስ እዩ-ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)
Dec 13, 2025 42
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሣሥ /4/ 2018 (ኢዜኣ) እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት መንግሥቲ ብቃል ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ክምልስ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ገሊፆም። “ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ነበርቲ ከተማ ሻሸመኔን ዞባ ምዕራብ ኣርሲን ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ። ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ብእዋኑ ንምምላስ ተጊሁ እናሰርሐ እዩ። ብብርኪ ክልል፣ከተማን ጣብያን ክምለሱ ዝግበኦም ሕቶታት ግቡእ ዝኾነ ቅልጡፍ ምላሽ ምሃብ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ቀጥታ ተግባርን ሓገዝን መንግሥቲ ፌዴራል ዝደልዩ ሕቶታት ድማ ገዛ ዕዮ ወሲድና ብቃል ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር ክንምልስ ኢና ኢሎም። ሓላፊ ዘፈር ኣወዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ መንግሥቱ በቀለ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝምለሱ ከምኡ እውን መንግሥቲ እቲ እቲ ክልል ብውሳነን ትልምን ከምዝምልሶም ተዛሪቦም። ህዝብን መንግሥትን ብምትሕብባር እንትሰርሑ ሃገር ምልዋጥ ከምዝከኣል ሻሸመኔ መርኣያ ከምዝኾነትን እቲ ህዝቢ እውን ንሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ እናደገፈን ከምዝርከብን ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኣምሓራ ይርጋ ሲሳይ እዮም። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ክፋላት ማሕበረሰብ ብግደኦም፤ ሕቶ ህዝቢ ዝሰምዕ መንግሥቲ ብምፍጣሩ ከምዝተሓጎሱ ብምግላፅ ካብ ዘረባ ብዝዘለለ ብተግባር ዝተገለፀ ልምዓታት እናርኣየና ስለዝኾነ ንተግባሩ ብሙሉእ ልብና ክንድግፍ ኢና ኢሎም። ብብርኪ ሃገር ልዕልና ኢትዮጵያ ዝውስኹ ከም ፍርያት ጋዝን ፋብሪካ ማዳበሪያን ዝበሉ ፕሮጀክትታት ልዕልና ሃገርና ዘቀላጥፉ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ በሪ ባሕሪ ንምዕዋት መንግሥቲ ዝጀመሮ ድፍረት ዝተመልኦን ብፍልጠት ዝተመርሐን ኣካይዳ ከምዝድግፉ ኣረጋጊፆም። ንነዊሕ ዓመታት ሕቶ ህዝቢ ኮይኑ ዝቐፀለ ፀገም ዝስተ ማይ፣ተጀሚሮም ዘይተዛዘሙ ፐሮጀክትታት፣ፀገማት ዝርገሐ ኤሌክትሪክ መንግሥቲ ግቡእ ምላሽ ንክህቦም እውን ሓቲቶም።
ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ንዓወት ንክበቕዑ ጉዳይ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ሓባራዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቕፅል እዩ-ነበርቲ ከተማ ደሴ
Dec 13, 2025 42
ደሴ/ታሕሳስ 4/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ንዓወት ንክበቕዑ ጉዳይ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ሓባራዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቕፅል እዩ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ደሴ ገሊፆም። “ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ደሴ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ። ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ሸሕ ኢሳ፣ወይዘሮ ብርቱካን ታደሰን ኣይተ እንድሪስ መሀመድ በሪሁንን ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ እቲ ሕብረተሰብ ብምስታፍ ሰላም ብምሕላው ልምዓት ንምስፍሕፋሕ ዝገብሮ ፃዕሪ ዝነኣድ እዩ። ቅድም ክብል ብመንግስቲ ቃል ዝተኣተዉን ዝተጀመሩን ኣቋራፂ መንገዲ ደሴ-ኮምቦልቻ፣ህንፀት ሆስፒታል ወሎ ቴሪሸሪ ኬር፣ህንፀ መንገዲ ባቡር ኣዋሽ ኮምቦልቻ-ሃራ ገበያ፣ፀገም መንበሪ፣ስርዓት ኣልቦነት፣ምኽባር ናብራን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ትኹረት ክግበረሎም ይግባእ ኢሎም። ኣብ ልዕሊ ፃውዒት ሰላም ዘይቕበሉ ሽፍታታትን ተለኣኣኽትን እውን መንግሥቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ከምዝድግፉ ብምሕባር፤ መንግሥቲ ብፕሮጀክትታት ሰብ ተኮር ንብዓት ድኻታት እናሓበሰ ስለዝኾነ ንሕና ኩለ መዳያዊ ድጋፍና ኣጠናኺርና ክንቕፅለሉ ኢና ኢሎም። ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ንዓወት ንክበቕዑ ጉዳይ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ሓባራዊ ኣጀንዳ ኮይኑ ክቕፅል ከምዘለዎ እውን ተዛሪቦም። ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ደሴ ኣይተ ሳሙኤል ሞላልኝ ብግደኦም፤ እቲ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ሰላም ካብ ምሕላው ብተወሳኺ በቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ልምዓት ምስላጥ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም። ኣብታ ከተማ ዝተሳለጡ መንገዲ ስፋልት፣ልምዓት ኮሪደር፣ሓደ ማእኸል መሶብ፣ትሩፋት ሌማትን ካልኦትን በቲ ናይ ለውጢ መንግሥቲ ዝተሳለጡን ህዝቢ ተረባሒ ዝገበሩን ስራሕቲ ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም። ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሽዊት ሻንካ ብግደአን፤ ኣብታ ሃገር ኣብ ዓውድታት ኢኮኖሚ፣ፖለቲካን ማሕበራውን ዝተመዝገቡ ዓወታት ምንስርራእ ኢትዮጵያ ዘረጋግፁ እዮም። ኣብቲ መድረኽ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግሥቲ ፌዴራልን ክልላትን ሓዊሱ ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።
ብጠንካራ ምውዳድ ህዝብን መንግሥትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብምቕፃን ንዕዉትነት ብስራታት ልምዓት ጉባ እጃምና ክንዋፃእ ኢና-ተሳተፍቲ ህዝባዊ መድረኽ ከተማ ጎንደር
Dec 13, 2025 44
ጎንደር/ታሕሳስ/ 4/2018(ኢዜኣ) ብጠንካራ ምውዳድ ህዝብን መንግሥትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብምቕፃልን ንዕዉትነት ብስራታት ልምዓት ጉባ ትፅቢት ዝግበረሎም እጃም ንምውፃእ ድሉዋት ምዃኖም ተሳተፍቲ ህዝባዊ መድረኽ ከተማ ጎንደር ተዛሪቦም። “ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ። ተሳተፍቲ እቲ ህዝባዊ መድረኽ፤ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝተሃነፁ ስራሕቲ ሓለዋ ሓድግን መሰረተ ልምዓትን ብምንኣድ ንፅሩይ መስተ ማይ፣ቀረብ ሓይሊ፣ህንፀት ዘላቒ ሰላምን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ትኹረት ክወሃብ ኣለዎ ኢሎም። ብጠንካራ ምውዳድ ህዝብን መንግሥትን ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብምቕፃልን ንዕዉትነት ብስራታት ልምዓት ጉባ ትፅቢት ዝግበረሎም እጃሞም ንምውፃእ ድሉዋት ምዃኖም እውን ኣረዲኦም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንታሪኽ ከተማ ጎንደር ብዝምጥን መልክዑ ዕዉት ስራሕቲ ልምዓት ንክስርሑ ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም። እቲ መድረኽ ዝመርሓ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፤ ንሕቶታት ህዝቢ ዝተማልአ መሰረተ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ምላሽ ንምሃብ ብቆራፅነት ከምዝስራሕ ገሊፀን። ኢትዮጵያ ካብ ፀጋን ክብርን ህዝባ ዝፍልፍል ዓቕሚ ልምዓት እናፈጠረት እያ ኢለን። ኣኽባሪት ጋሻን መሰረት ጥበብን ዝኾነት ከተማ ጎንደር ንታሪኻ ኣብ ዝምጥን ስራሕ ልምዓት ከምትርከብ እውን ሓቢረን። ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካን ህንፀት ዓቕምን ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኣምሓራ ፍቅሩ (ዶ/ር)፤ ቅድሚ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ህዝቢ ጎንደር ሕቶታት ሓድነትን ሕብረ ብሄራዊ ምትእስሳርን፣ዘላቒ ሰላምን ግዕዝይናን፣ሰናይ ምምሕዳርን መሰረተ ልምዓትን እናልዐለ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ከተማ ጎንደር ንመበገሲ ታሪኽ ማእኸላይ ዘበን ኢትዮጵያ ብዝምጥን መልክዑ ትማልን ሎምን ብምትእስሳር ሎሚን ፅባሕን ዘተኣሳስር ልምዓት ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም።
ዝለዓሉ ሕቶታት ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምፍታሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ - ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
Dec 13, 2025 35
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ/4 /2018 (ኢዜኣ)መንግስቲ ህዝቢ ዘልዕሎም ሕቶታት ስራሕቲ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምፍታሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፡፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር "ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ዘተ ተኻዱ። ኣብቲ መድረኽ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ሕርሻ ኣዲሱ ኣረጋን ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ባህርዳር ጎሹ እንዳላማውን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኺቦም፡፡ ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ዝማዕበላ ሃገራት ናብራ ህዝበን ንምምሕያሽ ትኹረት ብመሃብ ኣብ ዝሰርሓሉ ዓለም ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክትተርፍ ውሽጣዊን ደጋዊን ፀላእቲ እናሰርሑ ይርከቡ ኢለን። መንግስቲ እዞም ፀገማት ምስ ምፍታሕ ጎድና ጎድኒ ዓበየቲ ስራሕቲ ልምዓት እናወገነ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂበን፡፡ ዝተጀመረ ሰላም ብዝበለፀ ንምርግጋፅ ድማ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ተቐራሪቡ ምዝታይን ምምይያጥን ባህሊ ብምግባር እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣገንዚበን፡፡ ሉኣላዊነት ዝኽበር ብዅናት ጥራሕ ዘይኮነስ ብምግቢ ርእስኻ ብምኽኣል ብምዃኑ ማሕበረሰብ ዘብዒ ሰላም ንኽኸውን ሓቲተን። ኣይተ ጎሹ እንዳላማው ብግደኦም÷ ናይ ጎንፂን ድኽነትን ታሪኽና ፈተና ኮይኑ ከይቕፅል ፓርቲ ብልፅግናን መንግስቲናን ቀትሪን ለይቲን እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም። ኣብቲ ህዝባዊ ዘተ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ባህር ዳርን ከተማን ከባቢኣን፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ተረኺቦም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብዝተወገኑ ስራሕቲ ጭቡጣት ውፅኢታት ይምዝገቡ ኣለዉ - ኣይተ ኣወል ኣርባ
Dec 13, 2025 51
ኣዲስ ኣበባ/ ታሕሳስ/ 2018 (ኢዜኣ)ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብዝተወገኑ ስራሕቲ ጭቡጣት ውፅኢታት ይምዝገቡ ኣለዉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ፡፡ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ሃዋሳ "ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ዘተ ተኻዱ። ኣብቲ መድረኽ ኣይተ ኣወል ኣርባ፣ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማን ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲን በየነ በራሳ ከምኡ እውን ከንቲባ ከተማ ሃዋሳ ጥራቱ በየነን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኺቦም። ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሃገር ትህነፅ ተረባሕነት ህዝቢ ብዘረጋግፅ ኣታሓሳስባ ለውጢ ኢዩ። ፍርያት ስርናይ፣ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ፣ ሓምለዋይ ኣሰርን ካልኦት ዘፈራትን ብዝተወገኑ ስራሕቲ ጭቡጣት ውፅኢታት ምምዝጋብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም፡፡ ብኻሊእ መዳይ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ምስሊ ከተማታት እናቐየረ ከምዝርከብ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡ ኣብ ጉባ ዝተርኣየ ሓድነት ልምዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምድጋም ከምዝግባእ ብምሓብር÷ ነዚ ድማ ኩሎም ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡ ኣይተ በየነ በራሳ ብግደኦም÷ ሃዋሳ ከተማ ውቅብቲን ምችውቲን ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅሉ ኣመልኪቶም ።
ኣብ ዞባታት ወለጋ ሰላም ብምፅናዕ ልምዓትን ተረባሕነትን እቲ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበሩ ፃዕርታት ጭቡጥ ውፅኢት ኣምፂኦም እዮም-ነበርቲ እቶም ዞባታት
Dec 13, 2025 43
ነቀምቴ/ታሕሳስ 4/2018(ኢዜኣ) ኣብ ዞባታት ወለጋ ሰላም ብምፅናዕ ልምዓትን ተረባሕነትን እቲ ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝግበሩ ፃዕርታት ጭቡጥ ውፅኢት ከምዘምፅኡ ነበርቲ ከተማ ነቀምቴን ዞባ ምብራቕ ወለጋን ገሊጾም። “ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ነበርቲ ከተማ ነቀምቴን ዞባ ምብራቕ ወለጋን ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ። ኣብቲ ህዝባዊ ዘተ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን፣ሚኒስትር ሰላም መሀመድ ኢድሪስ፣ ብመዓርግ ምክትል ፕሬዚዳንት መተሓባበሪ ክላስተር ልምዓት ከተማ ክልል ኦሮሚያ መስፍን መላኩን ካልኦት ኣመራርሓ ዞባ፣ወረዳን ምምሕዳር ከተማን ተረኺቦም። ካብቶም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ነባርን ዓብዪ ዓድን ከተማ ነቀምቴ ሼህ ናስር ኑሩ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም ፀጥታ ተፈቲሑ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጡ እዮም ዝርከከቡ። ካሊእ ነባሪ ወረዳ ጊዳ ኣያና ደምሴ ጌታቸው፤ ኣብቲ ከባቢ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ቀፃልነት ንክህልዎም ከም ነባርነቶም ዝገብርዎ ደገፍ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ተዛሪቦም። ነባሪት ወረዳ ቢላ ወይዘሮ ሹቢቱ ገላን፤ መንገዲ ሓዊሱ ስራሕቲ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓታት ንክጠናኸሩ ሰላም ከባቢና ብትግሃት ክንሕለው ኢና ኢለን። እቲ መድረኽ ዘተ ዝመርሕዎ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰን ከምዝበልዎ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጉባ ዘስምዕዎ ብስራት ዝዕወት ብዝተወደበ ተሳትፎ እቲ ህዝቢ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ እውን ኣብ ግብርና፣መንገዲ፣ትምህርትን ካልኦት ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ስራሕቲ ልምዓትን ተረባሕነት እቲ ህዝቢ ዘዕበዩ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝተሳለጡ ተዛሪቦም። በቶም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሕቶታት እውን ግቡእን እዋናውን ስለዝኾኑ መንግሥቲ በቢ ብርኩ ምላሽ ከምዝህብ ሓቢሮም። ሚኒስትር ሰላም መሀመድ ኢድሪስ ብግደኦም፤ መንግሥቲ ኣብቲ ከባቢ ዘላቒ ሰላም ንክዓስል ነቲ ከባቢ ትኹረት ሂቡ ስለዝሰርሐ ውፅኢት ተረኺቡ እዩ ኢሎም። በቶም ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተልዓሉ ሕቶታት እውን ቅልጡፍ ምላሽ ንክረኽቡ መንግሥቲ እቲ ክልል ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ብምውዳድ መንግስትን ህዝብን ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ንቀፃሊ ምዕራፍ ዓወት መሰረት ዘንብሩ እዮም
Dec 13, 2025 39
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 4/2018(ኢዜኣ) ብምውዳድ መንግስትን ህዝብን ዝተመዝገቡ ዓበይቲ ዓወታት ንቀፃሊ ምዕራፍ ዓወት መሰረት ዘንብሩ ከምዝኾኑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ገሊፆም። “ብስራታት ጉባ፣ትሩፋታት መንግሥቲ መደመር''ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ዞባ ጅማን ምምሕዳር ከተማ ጅማን ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ እዋናውን ሃገራውን ጉዳያት ዘትዮም። ኣብቲ መድረኽ፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ፣ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ፣ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ነመራ ቡሊ፣ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ጅማ ቲጂኒ ናስርን ካልኦት ተሳተፍትን ተረኺቦም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝገብሩ ውፅኢታት ልምዓት ተመዝጊቦም እዮም። ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ ( ዶ/ር) ዝተበሰሩ ብስራታት ጉባ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ጋህዲ ዝገብሩን ዕቤት ሃገር ዘቀላጥፉን ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም። ኢትዮጵያ መርኣያ ብልፅግና ንምግባር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ውሽጣዊ ባንዳን ግዳማዊ ፀላእን ሕቶ ዋንነት በሪ ባሕሪ ጠጠው ኣየብልዎን ኢሎም። ብመንግሥቲ መደመር ብምውዳድ መንግሥትን ህዝብን ዝተረኸቡ ዓበይቲ ዓወታት እናጠዓዓምና ንዝበለፀ ዓወት ክንዳለው ኣለና ክብሉ እውን ተዛሪቦም። ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዘተ ከምዝበልዎ፤ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝነኣዱ ዓወታት ልምዓት ተመዝጊቦም እዮም። ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ከተማን ግብርናን ዘበን ተሳጋሪ ስራሕቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም። ስለዝኾነ ድማ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ጋህዲ ብምግባር ንመፃኢ ወለዶ ንምርካብ ዝተትሓዙ ሽቶታት ዕዉታት ምዃኖም ተዛሪቦም። ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ መንግሥቲ ዝነኣዱ ዓወታት ልምዓት ከምዘመዝገበ እውን ኣረዲኦም።
ፎረም መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ
Dec 13, 2025 56
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 4/2018(ኢዜኣ) ፎረም መናእሰይ ኣፍሪካ ካብ 7 ክሳብ 8 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ። “ምምሕያሽ ቀረብ ፋይናንስ፣ኢኖቬሽን ብምትብባዕን ኣማራፂ ስራሕ ብምስፍሕፋሕን መናእሰይ ምብቃዕ”መሪሕ ሓሳብ እቲ ፎረም እዩ። ኣብቲ ኣብ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኢሴኤ) ዝካየድ ፎረም፤ ልዕሊ 300 ተሳተፍቲ ብኣካል ከምዝርከቡን ልዕሊ 700 ድማ ብበይነ መረብ ከምዝሳተፉን ተገሊፁ። ካብ ኢትዮጵያ፣ዩጋንዳ፣ጋና፣ዛምቢያን ካሜሮንን ሓዊሱ ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ መራሕቲ ክሳተፉ እዮም። እቲ ፎረም፤ ማሕበር መናእሰይ እንደራሴን ኤስኤንቪ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ልምዓትን ብሓባር ዘዳለውዎ እዩ። ኣብቲ ፎረም፤ ስራሕ ኢኖቬሽን መናእሰይ ዝቐርበሉ ዓውደ ርእይ ዝካየድ እንትኸውን ተሳተፍቲ እቲ ፎረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝዕዘቡ እውን ትፅቢት ይግበር።
እቲ ስምምዕ ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ካልኦት ዞባዊ ፀገማትን ብሓባር ንምክልኻል ልዑል ረብሓ ኣለዎ
Dec 12, 2025 109
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮንጎ(ብራዛቢል)ን ዝተፈረመ ስምምዕ ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ካልኦት ዞባዊ ፀገማትን ብሓባር ንምክልኻል ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ሚኒስትር ምክልኻል ኢንጂነር ኣይሻ መሃመድ ገሊፀን። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣብ ዙርያ ወታደራዊ ዓውድታት ብምትሕብባር ምስራሕ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕ ተፈሪሙ። ሚኒስትር ምክልኽል ፌዴሪኢ ኢንጂነር ኣይሻ መሃመድ፤ ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮንጎን ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ርክብ ከምዘለወን ኣብቲ ስነ ስርዓት ፊርማ ተዛሪበን። እተን ሚኒስትር ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ውፅኢታት ወታደራዊ ኢንዱስትሪ፣ፅገና መሳርሒ ኲናት፣ስልጠና ትምህርቲ ከምኡ እውን ጉዳያት ምኽባር ልኡኽቶ ሰላም ብሓባር ምስራሕ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕ ምፍርራመን ኣረዲአን። እቲ ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ወታደራዊ ዓቕሚ ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእል ዕድል ከምዝፈጥር እውን ሓቢረን። ሕዚ ዘለናሉ ዓለም ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝሓትት ብምግላፅ፤ ዶብ ተሳገርትን ተዛመድትን ዞባዊ ፀገማት ብሓባር ንምክልኻል እውን ልዑል ኣወንታዊ ፅልዋ ከምዝህልዎ ገሊፀን። ምስ ካልኦት ሃገራት ዝህልወና ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ክብላ እውን ተዛሪበን። ሚኒስትር ምክልኻል ሪፐብሊክ ኮንጎ(ብራዛቢል) ቻርለስ ሪቻርድ ሞንጆ ብግደኦም፤ እቲ ስምምዕ ሰላምን ድሕንነትን ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ልዑል ፋይዳ ከምዘለዎ ምግላፆም ኦንላይን ሚድያ ምክልኻል ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ የመላኽት።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሳተፈሎም ዓለም ለኸ መድረኻት ተሰማዕነታ እናዓበየ መፂኡ እዩ
Dec 12, 2025 118
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ትሳተፈሎም ዓለም ለኸ መድረኻት ተሰማዕነታ እናዓበየ ከምዝመፀ ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክብ ወፃእን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፈቲህ ማህዲ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ተስፋታት ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣተሓሳስባ መደመር ዝምልከት መደረ ምግባሮም ዝዝከር እዩ። ምክትል ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሰላምን ርክብ ወፃእን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፈቲህ ማህዲ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ዘለዋ ፅልዋ ብግልፂ ተራእዩ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ዝገበርዎ መደረን ዘተን ልዕልና ዲፕሎማሲን ተሰማዕነትን ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ዘሰጋገረ እዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣብ ትሳተፈሎም ዓለም ለኸ መድረኻት ተሰማዕነታ እናዓበየ ከምዝመፀ ብምግላፅ፤ ጎና ጎኒ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም። መምህር ዲፕሎማስን ዓለም ለኸ ርክብን እንዳለ ንጉሴ ብግደኦም፤ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ቦቆል ኣተሓሳስባ ዝተቐድሐ ንኣፍሪካ ሞዴል ዝኸውን ከምዝኾነ ኣረዲኦም። ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ወሳኒ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ምግባራ ብምሕባር፤ ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣብ ማሕበራዊ፣ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ዓውድታት ዝተመዝገቡ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ኣንፀባሪቓ እያ ኢሎም።
ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ዝፀንሑ ፀገማት ንምፍታሕ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ክሳተፉ ኣለዎም
Dec 12, 2025 87
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ኩሎም ውድባት ፖለቲካ ዝፀንሑ ፀገማት ንምፍታሕ ንምኽክርን ዝርርብን ብምድላው ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ክሳተፉ ከምዘለዎም ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገሊፁ። ኣብ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ምኽክር ንምግባር መሰረታዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ኣካቢ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰለሞን ኣየለ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ክልላዊ ይኹን ሃገራዊ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ንምክያድ ዝተሓሰበ ሃገራዊ ምኽክር ተሳትፎ ብምግባር እቲ ሕብረተሰብ ዘልዕሎም ፀገማት ንምፍታሕ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ኣለዎም። እቲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ምስቲ ኮሚሽን ምኽክር እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ መብዛሕቲኡ ብዝበሃል ብርኪ ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ውድባት ፖለቲካ ዘለዎም ኣጀንዳ ብምእካብ ነቲ ኮሚሽን ከምዘረከበ ሓቢሮም። ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ካብ መበገሲኡ ጀሚሩ ኣብቲ ከይዲ ምኽክር ምስ ዝተሳተፉ ዳሕራይ እውን ዝወፁ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ ምኽክር ንክሳተፉ ንምግባር ዘተታትን ኮንፈረንሳትን እናተገበረ ኣብ ምርድዳእ እናተበፅሐ እዩ ኢሎም። ኣብ በረኻ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ወገናት እውን ናብቲ ምኽክር ብምምፃእ ንቀፃሊ ወለዶ ዝጠቕሙ ስራሕቲ ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ተዛሪቦም። ካብ ውድባት ፖለቲካ ብተወሳኺ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ብምስታፍ ብሄራዊ ረብሓታት ንምኽባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ እጃሙ ንከበርክት ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝፀንሑ ወገናት ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ነቲ ማሕበረሰብን ሃገርን ብምሕሳብ ናብ ሰላም ምምፅኦም ዝነኣድ እዩ ኢሎም። ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ልዕሊ 60 ሃገራውን ክልላውን ውድባት ፖለቲካ ዝሓቖፈ እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ንምዕባይ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ
Dec 12, 2025 91
ኣዲስ ኣበባ/ታሕሳስ 3/2018(ኢዜኣ) ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ንምዕባይ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፁ። ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምስ ሓባራዊ ኣብያተ ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ክልላት መድረኽ ምኽክር የካይድ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ፤ ዓመታዊ ፀብፃብ 2017 ዓ/ምን ማዕቐፍ ትልሚ 2018ን ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያን ሓባራዊ ኣብያተ ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ክልላትን ቀሪቡ ከምዝዝተየሉ ተገሊፁ። ኣካቢ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰለሞን ኣየለ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብታ ሃገር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ንምዕባይ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ሃገራዊ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ እውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም። እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ንክኸውን ኣጀንዳ ኣተኣኻኺቡ ካብ ምቕራብ ጀሚሩ ምስቲ ኮሚሽን ብቐረባ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም። መበል 7ይ ሃገራዊ መረፃ ፍትሓዊ፣ዘይሻራውን ግልፅን ንክኸውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።