ኣብቲ ክልል ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ብምጥንኻር ግዕዝይና ዝፅየፍ ወለዶ ንምፍጣር ብምውዳድ ክስራሕ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብቲ ክልል ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ብምጥንኻር ግዕዝይና ዝፅየፍ ወለዶ ንምፍጣር ብምውዳድ ክስራሕ እዩ

ዲላ/ሕዳር 24/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ብምጥንኻር ግዕዝይና ዝፅየፍ ወለዶ ንምፍጣር ብምውዳድ ከምዝስራሕ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ገሊፁ።
ኣብቲ ክልል፤ ዓለም ለኸ መዓልቲ ፀረ ግዕዝይና̎ግዕዝይና ሓባራዊ ፀላኢና እዩ፤ብሓባር ንቃለስ̎ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዞባ ጌድኦ ከተማ ዲላ ይኽበር ኣሎ።
ዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ወይዘሮ ፀሃይ ወራሳ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ግዕዝይና ዜጋታት ኣብቲ ክልል ፍትሓዊ ኣገልግሎት መንግስት ከይረኽቡን ተረባሒ ልምዓት ከይኾኑን ዕንቅፋት ኮይኑ እዩ።
ሰረት ግዕዝይና ፀገም ስነ ምግባር ምዃኑ ብምሕባር ኣብቲ ክልል ቃልሲ ፀረ ግዕዝይና ብምጥንኻር ግዕዝይና ዝፅየፍ ወለዶ ንምፍጣር ብሓባር ክንተግህ ኣለና ኢለን።
ብፍላይ ድማ መራሕቲ ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓዲ፣ትካላት ሲቪክን ትምህርትን ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣረዲአን።