ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2017 /ኢዜአ/ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መበል 30 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣርሴናል ኣብ ሜድኡ ሰዓት 345 ምሸት ምስ ፉልሃም ክጋጠም ኢዩ።

ኣርሴናል ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝገበሮም ፀወታታት 58 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ እንትኸውን፥ ፉልሃም ድማ 45 ነጥቢ ብምሓዝ ሻምናይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ዎልቭስን ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ሰዓት 345 ኖቲንግሀም ፎረስት ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ድማ ሰዓት 400 ክፃወቱ ኢዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም