ኢዜኣ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ብምህናፅ ሃገራዊ ሽቶታት ኣብ ምዕዋት እጃሙ ክዋፃእ እዩ



 

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 25/2017 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ዓቕሚ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ብምህናፅ ሃገራዊ ሽቶታት ኣብ ምዕዋት እጃሙ ከምዝዋፃእ ምክትል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ገሊፆም።

ኢዜኣ ካብ ዜና ብተወሳኺ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ትካላት ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት መመሓየሽታት ሞያ ብምሃብ እውን ይፍለጥ እዩ።

እቲ ትካል ቅድሚ ሕዚ ብርክት ንዝበሉ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ኣብ ኣፀባፅባ ዜና፣ኤዲቲንግን ቀረፃን ቪድዮ፣ኣብ ኣወሳስዳ ፎተን ተዛመድቲ ሞያታትን ዓቕሞም ዘዕቢ ስልጠና ብምሃብ እጃሙ ተዋፂኡ እዩ።

ኣካል እዚ ዝኾነን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ፌዴራል ንዝተውፃእፅኡን ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ።

ምክትል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ተረኺቦም ከምዝበልዎ፣ እቲ ትካል ሓበሬታ ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ሰብ ሞያታት ኮሙኒኬሽን ብስልጠና ንምብቃዕ እጃሙ እናተዋጽአ እዩ ዝርከብ።

እቶም ሰብ ሞያ በቲ ስልጠና ዝረኸብዎ ፍልጠትን ክእለትን ናብ ተግባር ብምቕያር ንለውጢ ትካሎም ክሰርሑ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ኢዜኣ ተበፃሕነት ሓበሬታ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝህቦ ስልጠና ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ናብቲ ትሓስቦ ብልፅግና ንምሽግጋር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ እጃሙ ክዋፃእ እዩ እውን ኢሎም።

ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ብግደኦም፤ ኣብ ጻንሒቶም ፅቡቕ ፍልጠትን ክእለትን ሞያ ከምዝረኸቡ ገሊጾም።

ኢዜኣ ንዝተፈላለዩ ትካላት ዝህቦ ስልጠና ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘዎ ብምሕባር፤ እቶም ስልጠናታት ትካላት ፍልጠት ማእኸል ዝገበረ ኣሰራርሓ ብምኽታል ዝሓሸ ስራሕ ንክሰርሑ ከምዝሕግዞም ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም