መበል 4ይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ኡጋንዳ ብብርኪ ሰብ ሞያ ምክያድ ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 4ይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ኡጋንዳ ብብርኪ ሰብ ሞያ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 25/2017 (ኢዜኣ) መበል 4ይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ኡጋንዳ ብብርኪ ሰብ ሞያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።
ተጠባባቒ ጀነራል ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ፤ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ብዝለዓለ ብርኪ እናዓበየ ከምዝመፀ ገሊፆም።
እቲ ብብርኪ ሰብ ሞያ ሎሚ ዝተጀመረን ፅባሕ ድማ ብብርኪ ሚኒስትራት ዝካየድን ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ከምዝመፀ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኡጋንዳ ሓላፊ ምትሕብባር ክልላዊ ኢኮኖሚ ኣምባሳደር ሪቻርድ ቱሙሲሜ ካቦኔሮ ብግደኦም፤ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብዝበለጸ ንምዕባይ ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያን ምክያዱ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ዕፀገነት ይመኑ፤ እዚ ኣኼባ እናዓበየ ንዝመፀ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ልዑል እጃም ከምዘለዎ ምግላፀን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የሕብር።
ሰብ ሞያ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ፣ንግድዲ፣ኣቪዬሽን፣ምክልኻል፣ቱሪዝም፣ጥዕናን መሰረተ ልምዓትን ከምኡ እውን ኣብ ምክልኻል ገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ዝተፈላለዩ ዘፈራትን ከምዝዝቲ ትፅቢት ይግበር።