ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ተገሊፁ




 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/27/ 2017 /ኢዜአ/ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ተሳተፍቲ ጉባኤ መናእሰይ ኣመራርሓ ፓን ኣፍሪካ ገሊፆም፡፡

 መናእሰይ ኣመራርሓ ፓን ኣፍሪካ ዘፈር መናእሰይ ሚኒስትራት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣብ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣፍሪካን ኣብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዑደት ገይሮም።

እቶም ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ንስልጣነ ኣፍሪካ ኣስተዋፅኦ ምብርካታ ከምዝቐፀለት ብምግላፅ፤ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት እናገበረቶ ትርከብ ምንቅስቓስ ንካልኦት ሃገራት እውን ኣብነት ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ኣብ ዑደቶም ዝተዓዘቡዎም ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣፍሪካን ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ናይ ኢትዮጵያ ኣርኣያ እቲ ኣህጉር ዘርእዩ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብቶም ትካላት ብዝረኣዩዎ ነገር ከምዝተደነቑ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዕዉት ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዋ ከምዝተገንዘቡን፤ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ምስራሓ ከምዝተዓዘቡን ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም