ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ሓድነታ ዝተጠናኸረት ሃገር ኣብ ምህናፅ እጃሞም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ




 

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/30/ 2017 /ኢዜአ/ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ሓድነታ ዝተጠናኸረት ሃገር ኣብ ምህናፅ ዘለዎም ግደ ዕዙዝ ስለዝኾነ ነዚ ነኸጠናኽሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ሚኒስትር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ቢቂላ ሁሪሳ (/) ኣገንዚቦም፡፡

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዕላማ ተኮር ኮሙዩኒኬሽን ንልዕልና ኢትዮጵያ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓን ላዕለዎት ሰብ ሞያን ኮሙኒኬሽን ውዳበ መንግስቲ ከተማን ክልላትን ስልጠና መዕበዪ ዓቕሚ ይህብ ኣሎ።

ቢቂላ ሁሪሳ (/) ኣብቲ ስልጠና÷ ህንፀት መረዳድኢ ተረኽን ግደ ኮሙኒኬተራትን ብዝብል ርእሲ ፅሑፍ ከምዘቕረቡ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ምትእስሳር ብምፍጣርን ክብሪታት ሓድነት ብምድንፋዕን ህብረ-ብሄራዊ ሓድነታ ዝተጠናኸረት ሃገር ኣብ ምህናፅ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ዕላማ ተኮር ኮሙዩኒኬሽን ብምድራኽ ልዕልና ኢትዮጵያ ምብሳር ትኹረት ውዳበ ኮሙኒኬሽን ክኸውን ከምዝግባእ ዘገንዘቡ ድማ ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ኢዮም፡፡

ውዳበ ኮሙኒኬሽን ኩሎም ኣማራፂታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ብምጥቃም ብሄራዊ ያታ ብምህናፅ፤ ፖሊሲታት መንግስቲ፣ ስትራቴጂታትን ምልዕዓላትን ናይ ምፍላጥ ኢሉ እውን ናይ ምስራፅ እጃሙ ንኽዋፃእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም