ሰብ ሞያ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ንእዋናዊ ኩነታት አብ ግምት ዘእተወ ፍልጠት ብምዕጣቐ ንምርግጋፅ ሓበራዊ ረብሓ ክሰርሑ ይግባእ -ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር)


 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/ 1/2017(ኢዜአ)ሰብ ሞያ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ንእዋናዊ ኩነታት አብ ግምት ዘእተወ ፍልጠት ብምዕጣቐ ንምርግጋፅ ሓበራዊ ረብሓ ክሰርሑ ከምዝግባእ  ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (/) ገሊፆም

ብርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ዝሰናደአ ስልጠና ንኣመራርሓ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ተጀሚሩ።

እቲ ስልጠና ድሕረ ሓቂ ዘበን ብሓቂን ፍልጠትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ከምዝተጀመረ ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (/) ሓዊሱ ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እቲ ስልጠና ተረኺቦም፡፡

እቲ ስልጠና ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝወሃብ ተሓቢሩ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም