ብፍልጠት ብቑዓት ዝኾኑ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ንምፍራይ ዝተባብዕ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ - ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብፍልጠት ብቑዓት ዝኾኑ ኣመራርሓን ሰብ ሞያን ንምፍራይ ዝተባብዕ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ - ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/1/ 2017 /ኢዜአ/ኩለመዳያዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ብፍልጠትን ክእለትን ብቑዓት ኣመራርሓታትን ሰብ ሙያን ንምፍራይ ዝተባብዐ ስራሕቲ ይውገኑ ኣለዉ ክብሉ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ብርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና “ድሕረ ሓቂ ዘበን ብሓቂን ፍልጠትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሰናደአ ስልጠና ንኣመራርሓ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ተጀሚሩ።
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብ መጀመሪ እቲ ስልጠና ከምዝበሉዎ፤ ጉዕዞ ለውጢ ሃገርና ንምጥንኻር ኩነታት ናብራ ህዝብና ንምምሕያሽን ግዚኡ ዝጠልቦ ፍልጠትን ክእለትን ብመሓዝ ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ምምካትን ሓቀኛ ሓበሬታ ተበፃሒ ምግባርን ይግባእ።