ኢትዮጵያ ኣብ ፎረም ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ፎረም ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /1/2017 (ኢዜኣ) ብመዓርግ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ባህልን ስፖርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዩጋንዳ እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ መበል 11 ፎረም ክልላዊ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ይሳተፍ ኣሎ።
ፎረም ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እዩ ተጀሚሩ።
እቲ ፎረም፤ “ኣብ ዘላቕን ሓቛፍን ሳይንስን ሓበሬታን መሰረት ኣብ ዝገበሩ መፍትሕታት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዕቤት ኢኮኖሚ ኣብ ምቅልጣፍን ፤ ኣጀንዳታት 2063 ክውን ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን ብምትሕብባር ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን መንግስቲ ዩጋንዳን እዩ ተዳሊዉ።
ኢትዮጵያ እውን ብመዓርግ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ባህልን ስፖርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ብዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ እናተሳተፈት እያ ትርከብ።
ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ኣብቲ ፎረም ይሳተፉ ኣለዉ።
ፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ካጉታ ሙሴቬኒ ኣብቲ ፎረም ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ኣፍሪካ ኣቕራቢት ጥረ ኣቑሑ ካብ ምዃን ተላቒቓ ብፀጋታት ዝማዕበለ ውፅኢት ናብ ዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ ተረባሕነታ ክተረጋግፅ ይግባእ።
ዞባዊ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ምጥንኻር እውን ተረባሕነት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ከምዘቀላጥፍ ሓቢሮም።
እቲ ፎረም፤ ኣፈፃፅማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2015 ዝፀደቐ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት 2030 ከምኡ እውን ኣጀንዳታት ሓቛፍን ዘላቒ ልምዓትን 2063 ከምዝግምግም ትፅቢት ይግበር።
ትግበራ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት እቶም ዝተረፉ 5 ዓመታት ኣመልኪቱ እውን ኣብቲ ዝተዳለወ ሰነድ ምኽረ ሓሳብ ክዝቲ እዩ።
ዘላቕን ሓቛፍን ከምኡን እውን ሳይንሳውን ብሓበሬታ ዝተደገፈን መፍትሒ ንዕዉትነት ትልሚ ዘላቒ ልምዓት 2063 ኣፍሪካ ዝተብሃለ ሰነድ ውሳነ ሓሳብ ካምፓላ ከፅድቕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ፈሮም ክሳብ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ከምዝፀንሕ ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካምፓላ ይሕብር።