ንስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ዕላማ ተኮር ምግባር ይግባእ” - ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)





አዲስ ኣበባ/ሚያዚያ/3/2017/ኢዜአ/ዓውዲ በይነመረብን ሕልኽላኽ ድልየታትን ንዝፈጠርዎ ፈተና ድሕረ-ሓቂ ንምፅዋር ንስራሕቲ ሚድያን ኮሙዩኒኬሽን ዕላማ ተኮር ምግባር ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም።

“ዕላማ ተኮር ኮሙዩኒኬሽን ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል ቴማ ንኣመራርሓታትን ላዕለዎት ሰብሞያን ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ስልጠና እናተውሃበ ይርከብ።

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ከምዝተዛረብዎ፤ ዓውዲ መርበብ ሓበሬታ ዋሕዚ ሓበሬታ ካብ ሓደ ናብ በዓል ብዙሕ ኣንፈት ዝለወጠን ቅልጣፈ ዝርገሐ ሓበሬታ ኣዘዩ ዘደንፈዐን ምዃኑን ኣልዒሎም፡፡

ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ኣጀንዳታት ብምሕንፃፅ ንሚድያ ብኣጀንዳ ብምምራሕ ዝርግሐ ዝተጋገየ መረዳእታን ብኽለት መረዳእታን ብምንካይ ቑጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ኹለመዳያውን ኣንፈታት መንግስቲ ብመልእኽትታት ኣቢሉ ንኸገንዝብ ብውፅኢቱ 'ውን ንህዝቢ ንኸሳትፍ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም