ኢትዮጵያውያን አትሌታት መፃረይ ሻምፒዮና ዓለም ኣብ ስፔን ክካይዱ እዩ- ኮማንደር ስለሺ ስህን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያውያን አትሌታት መፃረይ ሻምፒዮና ዓለም ኣብ ስፔን ክካይዱ እዩ- ኮማንደር ስለሺ ስህን

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/4/ 2017 /ኢዜአ/ ኣብ 10 ሺሕ ሜትር ኢትዮጵያ ኣብ አትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ንምውካል ኣብ ስፔን ማላጋ መፃረይ ውድድር ከምዝካየድ ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን አትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ስለሺ ስህን ገሊፆም፡፡
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት÷ ካብ 10 ሺሕ ሜትሮ ወፃኢ ዘለው ርሕቐታት አትሌታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ሻምፒዮና ኢትዮጵያ ከምዝምረፁ በቲ ፌዴሬሽን ኣፍሊጦም፡፡
አትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ካብ 3 መስከረም ክሳብ 11 ኣብ ጃፓን ቶኪዮ ክኻየድ እዩ፡፡