ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ኣብ ዝተተለመሎም እዋን ንምዝዛም ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም-እቲ ቦርድ




 

ባህር ዳር/ሚያዝያ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ኣብ ዝተተለመሎም እዋን ንምዝዛም ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ማእኸል ስታዴም ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ብዘሳለጦ ግምገማ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ኣንፈታት ኣቐሚጡ።

ስለዝኾነ ድማ ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ረቛሕታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ(ካፍ) ንምምላእ ኣብ ካልኣይ ዙር ህንፀት ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ እቲ ቦርድ ዝተዓዘበ እንትኸውን፤ ከይዲ ህንፀት እቲ ስታዴም ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዝርከብ ገሊፁ።

ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ ድማ መብዛሕቲኡ ስራሕ ብምዝዛም ንውድድር ክፍቲ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ኣምሓራን ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕን ኣይተ እርዚቅ ኢሳ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣረዲኦም።

ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ እቲ ስራሕ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝዛም ናብ ኣገልግሎት ንምእታው ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እቲ ቦርድ ከምዘተሓሳሰበ ካብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም