ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ ህፁፅ ኣኼባ ጀሚሩ 

 

ህፁፅ ኣኼባ ጀሚሩ ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/7/ 2017 /ኢዜአ/ መበል 24 ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ ህፁፅ ኣኼባ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ምክያድ ጀሚሩ፡፡

ኣብቲ ኣኼባ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (/) ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንጎላን ኣቦ ወንበር እቲ ቤት ምኽሪን ቴቴ አንቶኒዮ፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ትካላት እቲ ሕብረት ኣምባሳደራት፣ ዲፕሎማሰኛታትን ካልኦትን ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ÷ ሰላምን ደሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ሓደ ኣባል መረፃ ከምዘካይድ ተፈሊጡ አሎ፡፡

ፈፃሚ ስራሕ ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣፍሪካ÷ ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ሓበራዊ ድልየት ዝኾኑ ጉዳያት ፖሊሲ ዘተሓባብርን ውሳነ ዝህብን ኣካል እዩ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም