ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 7/2017 (ኢዜኣ) መበል 24 ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሒሩት ዘመነ ንሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ብምውካል መደረ ገይረን።
ኣብ መደረአን እውን ብብርኪ ዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ውጥረታት ጂኦፖለቲካ፣ጎንፅታት፣ዕዳ ልቓሕ፣ ሰብኣዊ ቅልውላውን ካልኦት ዘይግመቱ ኩነታትን ኣብታ ኣህጉር ፅልዋ ንከየሕድሩን ጸገማት ቅድሚ ምፍጣሮምን እቲ ሕብረት ጥበብ ዝተመልኦ ኣመራርሓ ክህብ ከምዘለዎ ገሊፀን።
ሕድ ሕድ ምንቅስቓስ እቲ ሕብረት ምስ ዘቐመጦ ኣጀንዳ 2063 ዝተናበበን እታ ኣህጉር ናብ ዝተረጋገዐትን ዘላቕነት ዘለዎ ኣንፈት ዕቤትን ዝመርሕ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢረን።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ መረፃ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ከካይድ እዩ።
ኣማኻሪ ኣወዳድባ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ(AUCIL)ን ቤት ምኽሪ ህዋ ኣፍሪካ(AfSC)ን ብተመሳሳሊ ሓደ ሓደ ኣባላት ከምርፁ እዮም።
እቲ ቤት ምኽሪ፤ ከይዲ መረፃ ኮሚሽነር ትምህርቲ፣ሳይንስ፣ቴክኖሎጅን ኢኖቬሽንን፣ ኮሚሽን ልምዓት ኢኮኖሚ፣ ቱሪዝም፣ንግዲ፣ኢንዱስትሪን መዓድንን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝምልከት ዝተዳለወ ረቂቕ ፀብፃብ ከምዘዳምፅ እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ የመላኽት።
ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሓባራዊ ድሌት ዝኾኑ ጉዳያት ፖሊሲ ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ዘተሓባብርን ውሳነ ዝህብን ኣካል እዩ።
ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣንጎላን ኣቦ መንበር እቲ ቤት ምኽሪ እዚ እዋንን ቴቴ ኣንቶኒዮ፣ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት እቲ ሕብረት፣ኣምባሳደራት፣ዲፕሎማትን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።