ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአት እያ-ሚኒስትር በለጠ ሞላ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአት እያ-ሚኒስትር በለጠ ሞላ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ዝጀመረቶ ሪፎርም ብመለክዒ ዓለም ለኸ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ንክትርከብ ከምዘኽኣለ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣፈፃፅማ ትልሚ 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሚኒስትራት፣ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ተፀዋዕቲ ትካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይግምግም ኣሎ።
ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሪፎርም ተግባራዊ ገይሩ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ተኸታተልቲ 7 ዓመታት ልዑል ዕቤት ከምዘመዝገበ ሓቢሮም።
ትግበራ ፖሊሲ መመሓየሺ ዝተማልአ ማክሮ ኢኮኖሚ ብርክት ዝበሉ ውጽኢታት እናተረኸበሉ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ብምሕባር፤ እዞም ዝተሳለጡ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ብመለክዒ ዓለም ለኸ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ንክትርከብ ከምዘኽኣሉ ኣረዲኦም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልመዓትን ስዩም መኮንን ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሪፎርም ብምስላጥ ዝነኣዱ ውፅኢታት ምምዝጋብ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብምግምጋም ኣብ ቀፃሊ 3 ኣዋርሕ ብትኹረት ኣብ ዝስርሑ ተግባራት ኣንፈት ከምዝቕመጥ እውን ሓቢሮም።