ናይ ነበር ፕሬዚዳንት መንግስቱ ሃይለ ማርያም አውሮፕላን ተፀጊና ዳግም ንኣገልግሎት በቒዓ - ኢዜአ ትግርኛ
ናይ ነበር ፕሬዚዳንት መንግስቱ ሃይለ ማርያም አውሮፕላን ተፀጊና ዳግም ንኣገልግሎት በቒዓ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/9/ 2017 /ኢዜአ/ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ዝነበረት ኣውሮፕላን ነበር ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ መንግስቱ ሃይለ ማርያም ተፀጊና ዳግም ንኣገልግሎት በቒዓ፡፡
እታ ኣውሮፕላን ካብ ዝተደርበየትሉ ጥሻ ብምልዓል ተሃዲሳ ድሕሪ 37 ዓመታት ንኣገልግሎት በረራ ክትበቅዕ ምግባር ከምዝተኽኣለ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዚ ድማ ብኹሉ መዳይ ውፅኢታዊ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።