ዕለተ ዓርቢ ሰሙነ ሕማማት_ ዓርቢ ስቕለት

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/10/ 2017 /ኢዜአ/ እዛ ዕለት እዚኣ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክምህር እንተሎ፥ "ሰብ ቤዛ ኣዕርኽቱ ገይሩ፥ ንህይወቱ ኣሕሊፉ ካብ ምሃብ ዝበልፅ ፍቕሪ የብሉን።" ዝበሎ ብዙሕ መከራ ተቐቢሉ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ሞይቱ ተግባራዊ ብምግባር፥ ንወዲ ሰብ ዘለዎ ፍፁም ፍቕሩ ዘርአየላን ድሕነት ወዲ ሰብ ዝተረጋገፀላን ዕለት እያ።

ናይዚ ዕለት ውዕሎ እንትዝከር ኣርባዕቲኦም ወንጌላዊያን [ማቴዎስ፥ ማርቆስ፥ ሉቃስን ዮሃንስን] ብዝፀሓፉዎ መሰረት ሕፅር ኢሉ ነዚ ዝስዕብ ይመስል።

ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጌቴሴማኒ እናሃለወ፥ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ነታ ቦታ ብዙሕ ጊዜ መአከቢቶም ምዃና ይፈልጣ ስለ ዝነበረ፥ ብሊቃነ ካህናትን ሽማግለታት ህዝብን ዝተልኣኹ፥ ኣስይፍትን ኣብትርትን ዝሓዙ ብዙሓት ሰባት ሒዙ ናብኡ መፅአ። ኣቐዲሙ "እቲ ኣነ ዝስዕሞ፥ ንሱ እዩ እሞ ሓዝዎ" ኢሉ ምልክት ሂቡዎም ስለ ዝነበረ፥ "ሰላም መምህር" ኢሉ ኣሕሊፉ ሃቦ።

ብድሕሪኡ ሒዞም ናብቲ መምህራን ሕግን ሽማግለታትን ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ፥ ናብ እንዳ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ወሰድዎ። ሊቃነ ካህናትን እቲ ባይቶን ከዓ፥ ንኢየሱስ ምእንቲ ክቐትልዎ ሓሰውቲ መሰኻኽር ይደልዩ ነበሩ። ብዙሓት ብሓሰት መስከሩ፤ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን።

እቲ ሊቀ ካህናት ቀያፋ ዝተፈላለየ ሕቶ ድሕሪ ምሕታቱ ኢየሱስ ክርስቶስ "ወዲ እግዚአብሔር እየ" ኢሉ ምስ መለሰሉ ኽዳኑ ቐዲዱ "ንእግዚአብሔር ይፀርፍ ኣሎ እሞ እንታይ ትብሉ?" ምስ በለ፥ ኵሎም "ሞት ይግብኦ" በሉ። ናብ ገፁ እንትፍ እናበሉን ገፁ ጎልቢቦም እናፀፍዑን "ተነበየልና! መን እዩ ዝፀፍዐካ!" እናበሉ ኣላገፁሉ።

ሽዑ ኵላቶም እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ተሲኦም፥ ንኢየሱስ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። ንሳቶም ድማ "እዚ ሰብ እዚ ንህዝብና እንተስሕቶም፥ ንቄሳር ግብሪ ከይግብሩ እንትኽልክሎም፥ ባዕሉ እውን 'ክርስቶስ ንጉስ እየ' እናበለ ክዛረቦም እንተሎ ረኺብናዮ" እናበሉ ክኸስዎ ጀመሩ።

ጲላጦስ ግና፥ ንሊቃነ ካህናትን ንሽማግለታትን ህዝብን ብሓባር ፀዊዑ፦ "ነዚ ሰብ እዚ፥ 'ህዝቢ የስሕት ኣሎ' ኢልኩም ናባይ ኣምፂእኹምዎ፤ እንተ ኾነ፥ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፥ ካብቲ ዘቕረብክምዎ ኽሲ፥ ኣብዚ ሰብ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን። ናብ ሞት ዘብፅሕ ሓደ ነገር እኳ ኣይገበረን። ስለዚ ገሪፈ ክፈትሖ እየ" በሎም። እዙይ ዝበለ በብበዓል ሓደ እሱር ክፈትሐሎም ንቡር ስለ ዝነበረ እዩ።

እቶም ህዝቢ ድማ ዅላቶም፥ "ነዚ ስቐሎ! ንበርባን ግና ፍትሐልና!" እናበሉ ዓው ኢሎም ድምፂ ኣስምዑ። በርባን ኣብ ከተማ ህውከት ብምልዕዓልን ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። ጲላጦስ ድማ ልመንኦም ክፍፀመሎም ፈረደ። ነቲ ህውከት ብምልዕዓልን ሰብ ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ በርባን፥ ከም ልመንኦም ፈትሐሎም፤ ንኢየሱስ ግና ከም ድልየቶም ክገብሩዎ ኣሕሊፉ ሃቦም።

ድሕሪ እዚ እቶም ወታደራት ጲላጦስ፥ ንኢየሱስ ናብ ቤተ መንግስቲ ወሲዶም፥ ነቲ ሰራዊት ብምሉኡ ናብኡ ኣከብዎ። ክዳኑ ቀንጢጦም ከዓ ቀይሕ ካባ ኸደንዎ። ኣክሊል ዕሾዅ ተኒጎም እውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከዓ፥ ኣብ ቅድሚኡ እናተንበርከኹ "ሰላም፥ ንጉስ ኣይሁድ!" እናበሉ ይሕጭጩሉ ነበሩ። እንትፍ ድማ በሉሉ፤ ነቲ ዘንጊ ኣሕዲጎም ከዓ ርእሱ ወቕዕዎ። ምስ ኣላገፁሉ ድማ፥ ነቲ ቀይሕ ካባ ቀንጢጦም ክዳውንቱ ከደንዎ።

ጲላጦስ ንኢየሱስ ክስቀል ኣሕሊፉ ምስ ሃቦ፥ ክሰቐልዎ ወሰድዎ። መስቀሉ ፆይሩ ናብቲ "ሓምሓም ርእሲ" ብዕብራይስጢ ድማ "ጎልጎታ" ዝበሃል ስፍራ ወፅአ። ኣብኡ እውን ሰቐልዎ፤ ምስኡ ከዓ ኽልተ ሸፋቱ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብፀጋሙ ሰቐሉ።

ኢየሱስ ድማ " ኣቦይ! ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፥ ይቕረ በለሎም" ኢሉ ኣብ ከቢድ ስቓይ ኾይኑ ምእንቲ ሰቐልቱ ፀለየ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተሰቐለ፥ ካብ ሽዱሽተ ሰዓት ጀሚሩ ክሳዕ ትሽዓተ ሰዓት ኵሉ ምድሪ ፀልመተ፤ መጋረጃ ቤተ መቕደስ እውን ኣብ ኽልተ ተተርተረ።

ድሕሪ እዚ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵሉ ከም ዝተፈፀመ ፈሊጡ፥ እቲ "ኣብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ፤ ንፅምአይ እውን መፂፅ ኣስተዩኒ" ዝብል ቃል መፅሓፍ ምእንቲ ክፍፀም "ፀማእኹ" በለ። ኣብኡ መፂፅ ዝመልአ ሳርማ ነበረ። ካብቲ መፂፅ ሰፍነግ መሊኦም፥ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ኣሲሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። ኢየሱስ ከዓ፥ ነቲ መፂፅ ምስ ጠዓመ "ተፈፀመ" በለ፤ ርእሱ ኣድነነ፤ ነፍሱ እውን ሃበ።

ኢየሱስ ክርስቶስ ነፍሱ ካብ ስግኡ ምስ ተፈለየት፥ ናብ ሲኦል ከይዱ 5,500 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ባርነት ዲያብሎስ ዝነበራ ነፍሳት ሓራ ኣውፅአን። ስልጣን ዲያብሎስ እውን ኣብዛ ዕለት ተሳዒሩ።

ምስ መሰየ፥ ዮሴፍ ዝተብሃለ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መፅአ። ንሱ ከዓ ደቀ መዝሙር ኢየሱስ ነበረ። ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ፥ ናይ ኢየሱስ ስጋ ክህቦ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ክህብዎ ኣዘዘ። ዮሴፍ ድማ ምስ ኒቆዲሞስ ኾይኑ ንስጋ ኢየሱስ ወሲዱ፥ ብፅሩይ ፃዕዳ ሃሪ ገነዞ፤ ኣብ ናይ ባዕሉ ካብ ከውሒ ዝተወቕረ ሓዱሽ መቓብር እውን ቀበሮ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም