ፕሬዚዳንት ታዬ ኣጽቀስላሴ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣጽቀስላሴ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 11/2017 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣጽቀስላሴ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኤክስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት፤ በዓል ትንሳኤ መዓልቲ ሓጎስን ፍስሃን እዩ ኢሎም።
እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ክርስቶስ ብሰላም ኣብፀሐኩም ክብሉ እውን ገሊጾም።
እቲ በዓል፤ ብፍቕሪ፣ሰላምን ምትሕስሳብን ክነኽብሮ ሰናይ ትምኒተይ እዩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።