ርእሰ ምምሕዳር ክልላት ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ርእሰ ምምሕዳር ክልላት ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 11/2017 (ኢዜኣ) ርእሰ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ክልላት ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ዝጠመዩ ብምብላዕ፣ዝዓረቑ ብምኽዳንን ዝሓመሙ ብምሕታትን ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
እቲ በዓል ፤ ናይ ሰላም፣ፍቕሪ፣ሓድነትን ይቅርታን በዓል ንክኸውን እውን ተመንዮም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ(ዶ/ር ኢ/ር) ብግደኦም፤ እቲ በዓል እንትነኽብር ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዘፈር ስራሕ ብምትጋህ ብልፅግና እነረጋግፀሉ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ በዓል እንተኽብሩ ዝተፀገሙ ብምሕሳብን መኣዲ ብምክፋልን ንከኽብርዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው(ዶ/ር)፤ እቲ በዓል እንትነኽብር ሓባራዊ ፀጋታትና መሰረት ዝገበረ ሕብረ ብሄራዊ ኢትዮጵያዊ ሓድነት ንምጥንኻርን ጠንካራ ሃገር ንምህናጽን ብሓባር ብምትጋህ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
እቲ በዓል፤ ናይ ፍቕርን ሰላምን በዓል ንክኸውን እውን ተመንዮም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ፤ በዓል ትንሳኤ ዝተፀገሙ ወገናት ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ብዘላቕነት ዓርሶም ንክኽእሉ ብምስራሕ ክነኽብሮ ኣለና ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ብሓድነትን ብምትሕብባርን ፈተናታት ብፅንዓት ብምሽጋር ንሰላምን ልምዓትን ትልምታትና ብሓባር ብምርብራብ ጉዕዞ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንምፅናዕ ብምስራሕ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ በዓል እንተኽብሩ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ዓቕሚ ንዘይብሎም ብምክፋልን ንክኸውን ፃውዒት ዘቅረቡ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ እዮም።
ሰላም ህዝብና ብምርግጋፅ ትንሳኤ ልምዓትናን ብልፅግናናን ምቅልጣፍ ይግባእ ክብሉ እውን ወሲኾም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሀሰን እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ እቲ በዓል ምትሕስሳብ፣ምትሕዝዛንን ምትሕግጋዝን ብተግባር ምርኣይ ዝተለመደሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
እዚ ተግባር ምትሕግጋዝ ድሕሪ እቲ በዓል እውን ብዝበለፀ ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ጋትሉዋክ ሮን(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ እዚ እዋን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነትን ሕብረ ብሄራዊነትን ዝሓትት ስለዝኾነ እቲ በዓል እንትነኽብር ብኢትዮጵያዊ ባህሊ ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እውን እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ሓድነት፣ምትሕስሳብ፣ሓጎስን ፍቕርን በዓል ንክኸውን ተመንዮም።