ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ተጀሚሩ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /11/ 2017 /ኢዜአ/ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ተጀሚሩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ንበዓል ትንሳኤ እንዃዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ መግለፂ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም÷ ፀጋ ኢትዮጵያ ንዓለም ይግለፅ ኣሎ ኢሎም፡፡

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ቀፂሉ ይቐርብ፡-

እንዃዕ ንበዓል ትንሳኤ ኣብፀሐኩም

ትንሣኤ ናይ ዓወት በዓል እዩ። ባዕልና ክሳብ ዘይተሳዕርና ዝስዕረና ሰብ ከምዘየለ ንመሃረሉ። ሮማውያንን ኣይሁድን ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝኽእልዎ ኩሉ ገይሮም ነይሮም። ፈሪዶምሉ፤ ገሪፈምዎ፤ ሰቒሎም ቀቲለምዎ፡፡ ኣብ መወዳታ ኣብ መቓብር ቀቢሮም ነቲ መቓብር ሓተምዎ።

እዚ ዅሉ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መቓብር ኣሲሮምዎ ግና ካብ ትንሳኤ ኣይዓገቶን፡፡ ኣብ ትንሣኤ ለይቲ ሞትን መቓብርን ነበረያ ነበረ ኮይኑ፡፡ እዚ ኩሉ ዕግርግርን ጫውጫውን ብኸንቱ ኮይኑ። ኣብ ጥቓ ሞት ህይወት ኣብ ጥቓ መቓብር ድማ ትንሳኤ ተራእየ።

ንሓቂ መን እዩ ክስዕራ ዝኽእል? ንፀሓይ መን ክሽፍና ይኽእል?

እቲ ህቦብላን ኣውሎ ንፋስን ንምስዓር ዝተዳለወ እዩ፡፡እቲ ጫውጫውን ዕግርግርን ክፈርሑ ዝተዳለወ እዩ፡፡ወረን ሕሜታን ነቶም ክስንብዱ ዝተዳለዉ ጥራይ እዩ ዘሰንብዶም። ክስዕሩ ዝወሰኑ ማንም ዝዓግቶም የለን።

ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፋሕፋሕ ተጀሚሩ። እቲ ጫውጫው ይሓልፍ ኣሎ። ፀልማት ይወግሕ ኣሎ። እቲ ሽርሒ ይፍታሕ ኣሎ። ኩሉ ንድሕሪት ይሓድጎም ኣሎ። ፀጋ ኢትዮጵያ ንዓለም ይግለፅ ኣሎ።

ኩሎም ኣብ ኣደባባይ ጲላጦስ ኣብ ኢትዮያ ዝበኽዩ ዝነበሩ ኩሎም ኣእዳዎም ኣብ ኣፎም ከንብሩ እዮም። ኢትዮጵያ ዓይኖም ከፊቶም ክትለዓል ክርእዩ እዮም። ከም እቲ ዝተወግአ ክርኢ እዩ ዝብሉ።

ብድጋሚ ርሑስ በዓል ይኹነልና።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም