ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /11/2017 (ኢዜኣ) ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

ሰዓብቲ እቲ እምነት እቲ በዓል ብሰላምን ሓጎስን ንከኽብሩ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ብምውዳድ ኣድላይ ምድላው ከምዝገበረ ገሊፁ።

እቲ በዓል ኣብ ምኽባር ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽእሉ ነገራት ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ስራሕ ምኽባር ፀጥታ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብበዓል ዋናነት ብምስታፍ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብዝበለጸ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ማሕበረሰብ ስግኣት ፀጥታ ክኾኑ ዝኽእሉ ዘጠራጥሩ ነገራት እንትዕዘብ ብመተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታት(EFP App) ብነፃ መስመር ስልኪ 991 ጥቆማ ብምሃብ ዜግነታዊ ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ።

ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላም፣ጥዕና፣ፍቕርን ሓድነትን በዓል ንክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም