ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 11/2017 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ህዝበ ክርስትያን እቲ በዓል እንተኽብር ከምቲ ዝተለመደ ባህሊ ምድግጋፍ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብሓድነትን ንክኸውን ኣገንዚቡ።

ትንሳኤ መርኣያ ዓወት ውድቀት፣ምሽናፍ፣ተስፋ ምስኣንን ባርነትን እዩ ዝበለ እቲ ቤት ምኽሪ፤ ትንሳኤ ሞት ኣሸኒፍካ ምትሳእ፣ዳግማይ ጠጠው ምባል እውን እዩ ክብል ገሊፅዎ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም