ከንቲባ አዳነች አቤቤ በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላም፣ ፍቅሪን ሓጎስን ንኽኾነሎም ሰናይ ትምኒተን ገለፀን - ኢዜአ ትግርኛ
ከንቲባ አዳነች አቤቤ በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላም፣ ፍቅሪን ሓጎስን ንኽኾነሎም ሰናይ ትምኒተን ገለፀን

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ብፆምን ፀሎትን ዘሕለፉ ዓቅመ ደካማታት፣ ጉዱኣት ኣካልን ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ዝተቃልዑ ወገናትን መአዲ ኣኽፊለን።
ፆም ክፈትሑ እናገበርና ንርከብ ብባህልና መሰረት ካልኦት ለይቲ ፆም እንትፈትሑን በዓል ቴንሳኤ በድምቀት እንተኽብሩን ሓታቲ ዘይብሎም ኣረጋውያን፣ ናይ ሃገር ሰብ ውዕለታን ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ዝተቃልዑ ወገናትን ኣብ እዋን ፆም ብፀሎት አሕሊፎም አብ ምፍትሑ ብሕትነት ከይስመዖም እቲ ምምሕዳር ኩሉ ግዘ ከመዘይርሰዖም ንምርኣይን ፍቅሪ ንምግላፅን ኢዩ ኢለን እተን ከንቲባ።
እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ፍቅሪን ሓጎስን ንኽኾነሎም እውን ሰናይ ትምኒተን ምግላፀን ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣመልኪቱ።