መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ናይጄሪያ ኢኑጉ ዝገብሮ በረራ ንግዚኡ ምቁራፁ ኣፍሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ናይጄሪያ ኢኑጉ ዝገብሮ በረራ ንግዚኡ ምቁራፁ ኣፍሊጡ

አዲስ አበባ/ሚያዝያ/13/2017/ኢዜአ/መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጄሪያ ኢኑጉ ኣካኑ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኢብያም ዝገብሮ በረራ ክሳብ 28 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ምቁራፁ ኣፍሊጡ።
እቲ በረራ ዝተቛረፀ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ እናተሳለጠ ብዝርከብ ስራሕቲ ፅገና ምኽንያት ምዃኑ 'ውን እቲ መንገዲ ኣየር ኣፍሊጡ።
ብምኽንያት ምቁራፅ እቲ በረራ ኣብ ዓማዊል ንዝበፅሕ ዝኾነ ይኹን ምንግልታዕ ይቕረታ ዝሓተተ እቲ መንገዲ ኣየር፤ ነቲ ውሳነ ዝወሰነ ድሕንነት ዓማዊሉ ንምሕላው ምዃኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድይኡ ኣፍሊጡ።
ዓማዊል ንዝህልዎም ሕቶ ዝስዕቡ ኣድራሻታት ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ 'ውን ገሊፁ።
ዓለም ለኸ ማእኸል ርክብ ዓማዊል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ +251 116 179 900
ቢሮ ኢኑጉ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ +2347033745716፤+2349033265850