ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ካብ ዝጅመር ንነዘ ዝፈርዩ ፍርያታት ፅሬየቶምን ተወዳዳራይነቶምን እናዓበየ መፂኡ እዩ -ሚኒስትር መልአኩ አለበል - ኢዜአ ትግርኛ
ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ካብ ዝጅመር ንነዘ ዝፈርዩ ፍርያታት ፅሬየቶምን ተወዳዳራይነቶምን እናዓበየ መፂኡ እዩ -ሚኒስትር መልአኩ አለበል

አዲስ አበባ/ ሚያዚያ /13/2017(ኢዜአ)፦ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ካብ ዝጅመር ንነዘ ዝፈርዩ ፍርያታት ፅሬየቶምን ተወዳዳራይነቶምን በብዓመቱ እናዓበየ ምምፅኡ ሚኒስትር እንዱስትሪ መልአኩ አለበል ገሊፆም ።
ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ (ዶ/ር) ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሚያዚያ 29/2014 ዓ/ምህረት ዕላዊ ምግባሮም ዝዝከር እዩ ።
ኣይተ መላኩ ኣለበል ከምዝበልዎ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ንዝሓለፉ ዓመታት ብርልት ዝበሉ አዎንታዊ ውፅኢታት ተመዝጊቦም፡፡
ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ብዙሓት ተግባራት እናተኻየዱ ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡፡
እቲ ምንቐስቓስ አብ ኢትየጵያ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ንክፈርዩ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ኢትየጵያ ካብ ወፃኢ እተእትዎም ዝነበረት ፍርያታት አብ ምትራፍ ልዑል ታራ ሒዙ እናተዋሰአ እዩ
ብርክት ዝበሉ ፍርያታት ዕዳጋ ንኸረኸቡ ከምኡ እውን ምትእስሳር ንክፍጠረሎም እውን ምቹኡ ባይታ ፈጢሩ አሎ ኢሎም ፡፡