ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 100 ሺሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ንሓረስቶት ይከፋፈል ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 100 ሺሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ንሓረስቶት ይከፋፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/13/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ንዘበነ ምህርቲ 2017/18 ልዕሊ 100 ሺሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ንሓረስቶት እናተኸፋፈለ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣበራ ከደነው ከምዝበሉዎ÷ ንሓረስቶት ዘድሊ ምሩፅ ዘርኢን ቀረብ ካልኦት እታወታትን ንምምላእ ዘኽእሉ ተግባራት ተወጊኖም፡፡
ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዘበነ ምህርቲ ብሓረስቶትን ትካላት ምርምርን ካብ ዝተራብሑ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝራእቲ ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ምፅንሑ ተዛሪቦም።
ምስ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያን ምስ ዩኒየናት ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ብምትሕብባር ልዕሊ 100 ሺሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ምክፍፋል ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ኣብቲ ክልል መፍረያይነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ብኩታ ገጠም ሕርሻ ፍርያታት ስርናይ፣ ምሸላ፣ ጣፍ፤ ሰሊጥን ካልኦትን ንምልማዕ 250 ሺሕ ሄክታር መሬት ከምዝተሰናደአ ሓቢሮም።