ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/14/ 2017 /ኢዜአ/ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ንኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓት ዝገብሮ ምሕዝነት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ፡፡
ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱን ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክሪስታሊና ጆርጂዬቫ ተዛቲዮም፡፡
እተን ማኔጂንግ ዳይሬክተር ነቲ ዘተ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ሓበሬታ÷ ምስ ኣይተ ማሞ ምህረቱን ኣይተ ኣሕመድ ሺዴን ኣብ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዕዉት ዘተ ምግባረን ገሊፀን፡፡
ኣብቲ እዋን ዘተ ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝን ምሕዝነትን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፀን እውን ኣመልኪተን።