ኣብ ዓውዲ ስራሕን ክእለትን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምድንፋዕ ፈጠራ ማእኸል ዝገበረ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ተሓቢሩ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/14/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ዓውዲ ስራሕን ክእለትን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምድንፋዕ ፈጠራ ማእኸል ዝገበረ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ ትካል መሰረት ብምግባር ተዛቲዮም።

እቲ መድረኽ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (/) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ ኣብቲ መድረኽ ሃገር ለኸ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ምስ ዓለም ለኸ ኩነታት፣ ምስ ኣፈፃፅማ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚን ዝንባለታትን ብምትእስሳር ኣብ ዘላቒ ልምዓትና ዘለዎ ትርጉም አስተብሂልና ኢለን፡፡

ንኣፈፃፅማ መሰረተ ልምዓትን ፕሮጀክታትን ሓዊሱ ማሕበራዊ ተሳታፋይነት ኩለመዳያዊ ሉኣላዊነትን ንምርግጋፅ ስራሕቲን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ከምኡ እውን ናይ ቀፃሊ ኣንፈታት ትኹረት ብዝርዝር ከምዝተርኣዩ ገሊፀን፡፡

ብዝተገበረ ኩለመዳይ ርብርብ ተስፋ ዝህብን ጭቡጥን ውፅኢት ከምዝመዝገበ እውን ኣመልኪተን።

ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ኣብ ጉዳያት ልምዓት ክእለት፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ሰላማዊ ርክብ ኢንዱስትሪ ህንፀት ትካላትን ኣብቲ ዓውዲ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምድንፋዕ ብትግሃትን ቅልጣፈን ፈጠራ ማእኸል ዝገበረ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ተረዳዲእና  ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈራያት ካሚል ሓቢረን፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም