መንግስቲ ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ እዩ-ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት - ኢዜአ ትግርኛ
መንግስቲ ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ እዩ-ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 14/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ምስርሑ ዝኣነድ ተግባር ከምዝኾነ ላዕለዋይ ሓላፊት ፕሮግራም ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ሚሞሪ ምዋሌ ገሊፀን።
እተን ሓላፊት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ስደተኛታት ምስ ኢትዮጵያ ብምሕዝነት እዩ ዝሰርሕ።
ኢትዮጵያ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ጉዳይ ስደተኛታትን ድሕንነቶምን ብሕግን ስርዓትን ንክምራሕ ትገብሮ ዘላ ተግባር ዝነኣድ ስራሕ እዩ ኢለን።
ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብምትሕብባር እናሰርሑ ስለዝኾኑ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት እውን ተዋዲዶም ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪበን።
ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ድሕንነትን ውፅኢታዊ ምምሕዳርን ስደተኛታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ትልሚ ሃገር ለኸ ኮሙኒኬሽንን ሓባራዊ ስትራቴጂን ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝገበረ ኣዘኻኺረን።
ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ምስ ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን እተን ሓላፊት ሓቢረን።