መንግስቲ ፍትሓዊ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ኩሎም ከባብታት ንምዝርጋሕ እናሰርሐ እዩ-ሚኒስትር ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር ኢ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 14/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ ፍትሓዊ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ኩሎም ከባብታት ንምዝርጋሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሃብታሙ ኢተፋ(/ /) ገሊፆም።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ኩርሙክ ብልዕሊ 299 ሚልየን ብር ወጻኢ ዝተሃነጸ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ እቲ ከባብን ሆርኣዛሃብን ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሃብታሙ ኢተፋ(/ /) ኣብቲ ምረቓ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣብ ኩሎም ከባብታት ፍትሓዊ ስራሕቲ ልምዓት ንምዝርጋሕ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ቆላ ዝረአ ፀገም ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ህንፀት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ፅሩይ ዝስተ ማይ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።

ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ እቲ ከባብን ሆርኣዛሃብን ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ካብ ምፍታሕ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ንዝፈሪ ፍርያት መዓድን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ዝተተለመሉ እዋን ንክዛዘም እውን እቲ ሚኒስቴር ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻደሊ ሐሰን ብግደኦም፤ መንግስቲ ሕቶ ልምዓት ሕብረተሰብ ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም።

ሓላፊት ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ወይዘሮ ሀጂራ ኢብራሂም፤ እቲ ፕሮጀክት ሓፈሻዊ ሽፋን ማይ እቲ ክልል ናብ 71 ሚኢታዊ ከምዘዕብዮ ገሊፀን።

እቲ ፕሮጀክት ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ 8 ማሕበራዊ ትካላት ኣገልግሎት ከምዝህብ ብምሕባር፤ ኣብያት ትምህርቲ፣ትካላት ጥዕናን ሃይማኖትን እውን ኣብዚ ፕሮጀክት ተጠቀምቲ ንክኾኑ ከምዝተገበረ ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም