ዝናብ በልጊ ስዒቡ ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ንምክልኻል እቲ ሕብረተሰብ ኣድላይ ጥንቃቕ ክገብር ኣለዎ-ሚኒስቴር ጥዕና


 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 14/2017 (ኢዜኣ) ዝናብ በልጊ ስዒቡ ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ንምክልኻል እቲ ሕብረተሰብ ኣድላይ ዝኾኑ ስራሕቲ ጥንቃቕ ክገብር ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶሓደሽቲ ፈጠራታትን ሃፍትታትን ብምውዳድ ብኩለመዳያዊ ቆራፅነት ዓሶ ንከላኸልኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 16 ክሳብ 18 ሚያዝያ 2017 / ከምዝኽበር ተገሊፁ።

ምኽባር ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶ ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምስፋሕን ክፍተታት ንምእራምን ግንዛበ ማሕበረሰብ ዘዕብዩ ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዘኽእል ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጄ ድጉማ ኣብዚ ጉዳይን እዋናዊ ምስፍሕፋሕ ዓሶን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ምስፍሕፋሕ ሕማም ዓሶ ንምቕናስ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር ዝሓሸ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ገሊፆም።

ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሚልዮን ንዝኾኑ ሰባት ምርመራ ብምግባር ሕማም ዓሶ ዝተረኸበሎም ደገፍን ክትትልን ሕክምና ከምዝተገበረሎም ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እውን ልዑል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ኣብ ዝረኣየሎም 202 ወረዳታት ክትትል ከምዝተገበረን መጠን እቲ ምስፍሕፋሕ ልዕሊ ፍርቂ ምቕናስ ከምዝተኽኣለን ተዛሪቦም።

እቲ ውፅኢት ምስ ክልላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶ እዚ ዓመት እውን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ከምዝኽበር ብምግላፅ፤ ካብ 16 ክሳብ 18 ሚያዝያ 2017 / ምስ ክልል ኦሮሚያ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ጅማ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሳይንሳዊ ኮንፈረንስን ሲምፖዜምን ካብቶም መርሃ ግብርታት እቲ ሓደ እዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዓሶ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት እቲ ሕብረተሰብ ማይ ዝዓቖሩ ቦታታት ብምድህሳስን ከባቢኡ ብምፅራይን ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለዎ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ድማ እዋን በልጊ ስዒቡ ክህልው ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ንምክልኻል ኩሉ እጃሙ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም