ካዛንቺስ ሎሚ ሽልማትና ሓበራዊ ፃዕሪን ለውጢን ኮይና ተረኺባ ኣላ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ካዛንቺስ ሎሚ ሽልማትና ሓበራዊ ፃዕሪን ለውጢን ኮይና ተረኺባ ኣላ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ዝተጎሳቖሉን ኣዚዮም ዝተጎድኡን ኣባይቲን ከባቢን ዝርከበላ ዝነበረት ካዛንቺስ ሎሚ ሽልማትና ሓበራዊ ፃዕሪን ለውጢን ኮይና ተረኺባ ኣላ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትማሊ ልምዓት ኮሪደር ካዛንቺስ ብዕሊ መሪቖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ከተማታትና ናይ ምዝማን ሰፊሕ ፃዕሪ ዋና መርአዪ ዝኾነ ኣብ ካዛንቺስ ዘሎ ክፋል ልምዓት ኮሪደር ብዕሊ መሪቕና” ኢሎም።
ካብዚ ከባቢ ተላዒሎም ንማሕበረሰብና ፅቡቐ መነባብሮ ንምፍጣር ካብ ዘለና ፅኑዕ እምነትን ተግባርን ብዘርኢ መልክዑ ንናብራ ናብ ዝሐሸ ከባቢ ዝተዘዋወሩ ነበርቲ ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ተዓዚብና ነይርና” ክብሉ እውን ገሊፆም፡፡
ዝተዘዋወሩሉ ከባቢ ኣዚዩ ምቹው ከምዝኾነ ምዕዛቦምን ሎሚ ድማ ዝተለዓሉሉ ሰፈር መርአያ ዘደንቕ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ከምዝመረቑን ገሊፆም።
ከምዚ ዝበሉ ስራሕቲ ሰፊሕ ፃዕሪ ዝጠልቡ ኢዮም፤ ግዚያዊ ምቾት ዘስእኑ ፈተናታት እውን ከስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር÷ ይኹን ደአምበር እዚኦም ንልዑል ረብሓ ሃገር ተባሂሉ ዝኽፈሉ ኣድለይቲ መስዋእትነታት ኢዮም ክብሉ ሓቢሮም።