ሎሚ ምሸት ኣርሰናልን ክሪስታል ፓላስን ግጥመን ከካይዳ እየን - ኢዜአ ትግርኛ
ሎሚ ምሸት ኣርሰናልን ክሪስታል ፓላስን ግጥመን ከካይዳ እየን

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 34 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ኣብ ሜዳኣ ኤሚሬትስ ምሸት ሰዓት 4 ንክሪስታል ፓላስ ክተተናግድ ኢያ።
ክልቲአን ጋንታታት ብኹሉ ዓይነት ውድድር ኣብ ዝገበረኦ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሕድሕድ ፀወታታት ኣርሰናል ንሓሙሽቲኦም ብምስዓር ፀብለልታ ኣለዋ።
ኣርሰናል ሎሚ ምሸት ብክሪስታል ፓላስ እንተተሳዒራ ሊቨርፑል ፀወታኣ እንተይገበረት ፅዋዕ እቲ ፕሪሚየር ሊግ ምልዓላ ክተረጋግፅ ኢያ።
ትማሊ ምሸት ብዝተገበረ መበል 34 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲ ንኣስቶንቪላ 2 ን 1 ብዘኾነ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዊታ።
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ማንቼስተር ሲቲ ብ61 ነጥቢ ኣብ 3ይ ደረጃ እንትትቅመጥ ኣስቶንቪላ ብ57 ነጥቢ ኣብ 7ይ ደረጃ ትርከብ።