አደባባይ ደቂ አንስትዮ ኩለ መዳያዊ ታራ ደቂ አንስትዮ ብዝገልፅ መልክዑ ታሃኒፁ-ከንቲባ አዳነች አቤቤ


 

አዲስ አበባ/ ሚያዚያ /15/2017 (ኢዜአ)አደባባይ ደቂ አንስትዮ ደቂ አንስትዮ  ኣብ ዘፈራት ኢኮኖሚ፣ ማህበራዊ ፖለቲካ ውን ዘለወን ወሳኒ ታራ   ብዝገልፅ መልክዑ ምህናፁ ልዑል ውፅኢት እዩ ክብላ ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ  አዳነች አቤቤ ገሊፀን።

ሓደ ኣካል እቲ ትማሊ ዝተመረቐ ኮሪደር ካዛንቺስን ዳግማይ ልምዓትን ዝኾነ ኣደባባይ ደቂ ኣንስትዮ ሓፈሻዊ ግደ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ህንፀት ወለዶ ዘለወን ዓብዪ ተራን ብዘጉልህ መልክዑ ሃኒፅና ኢለን ።

እቲ ኣደባባይ ስያመኡ ካብ ዝረክብ ዝፀንሐ እንተኾነ 'ውን፤ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ከርእይ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ዝተፈለየ መግለፂ ዘይነበሮን እቲ ከባቢ ንዓይኒ ብዙሕ ዘይምችው ዝነበረ እንትኸውን፤ ብስራሕቲ ዳግማይ ልምዓት ካዛንቺስ ግና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት  ወሳኒ ግደ ብዝገልፅ መልክዑ ተሃኒፁ።

ንጓል ኣንስተይቲ ምኽባርን ምብቃዕን መግለፂ ስልጣነን መሰረት ብልፅግና ሃገርን ብምዃኑ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ነዚ ንምርግጋፅ ንስራሕ ክብላ መልእኸተን አማሓላሊፈን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም