ኣገልግሎት መኸዝን ደረሰይ  ዘጠናኽር ፕሮጀክት ናብ ስራሕ ኣቲዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣገልግሎት መኸዝን ደረሰይ ዘጠናኽር ፕሮጀክት ናብ ስራሕ ከምዘኣተወ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ዕድጊት ሕርሻ ዘቀላጥፍ ዘበናዊ ስርዓት ኣሰራርሓ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ያስሚን ወሃብረቢ ተዛሪበን፡፡

እቲ ስርዓት ሓረስቶትን ኣብ ምትእስሳር እታወት ሕርሻ ዝተዋፈሩ ተዋሳእቲን እቲ ዓውዲ ዓቕሚ ከምዘዕቢ እውን ገሊፀን፡፡

ሓረስቶት ፍርያቱ ከም መትሐጃ ብምጥቃም ኣገልግሎት ልቓሕ ንኽረክብ ከምዘኽእሎ ኣብሪሀን።

ካብዚ ብተወሳኺ ንግዲ ወፃኢ ዘሳልጥ፣ ፅሬት ፍርያት ንግዲ ወፃኢ ዝሕሉን ስርዓት መኸዘኒ ደረሰይ ዘጎልብት ከምዝኾነ ኣፍሊጠን፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም