ሓዱሽ ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን መፍረያይነት ንምዕባይን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓዱሽ ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን መፍረያይነት ንምዕባይን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ እዩ

መቐለ/ሚያዝያ /15/2017 (ኢዜኣ) ሓዱሽ ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን መፍረያይነት ንምዕባይን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ፖሊሲ ንሰብ ሞያ ግብርናን ዝምልከቶም ኣካላትን ተኸታታሊ ስልጠና እናተውሃበ እዩ ዝርከብ።
እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን ብዋናነት ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝዓለመ ስለዝኾነ እቲ ፖሊሲ ኣብ ክልል ትግራይ ተግባራዊ ንክኸውን ምንቅስቓሳት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኣብቲ ክልል ዘለዉ ሰብ ሞያ ግብርናን ሰብ ሃፍቲ ውልቀን ሓዊሱ ካልኦት ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ተረዲኦምን ፈሊጦምን ንከፈጽሙ ዝተጀመረ ስልጠና ተጠናኺሩ ቀፂሉ እዩ ኢሎም።
ካብ ቀንዲ ዘፈራት እቲ ፖሊሲ ፍርያትን መፍረያይነትን ምዕባይን መዋቕራዊ ሽግግር ገጠር ምርግጋፅን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ግብርና ብምምዕባል ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ኣብ ምዕባይ መሰረታዊ ለውጢ ከምዘምፅእ ተዛሪቦም።
ሚኒስቴር ግብርና እውን ኣብቲ ክልል ዕቤት እቲ ዓውዲ ክውን ንምግባር ዝተፈላለዩ ደገፋት እናገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ እቲ ቢሮ ልዑል ምስጋና የቕርብ ኢሎም።
ኣብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ክልል ትግራይ በዓልቲ ሞያ ግብርና ዝኾና ወይዘሮ ምብራቕ ገብረመድህን ኣብ ዙርያ ቁልፊ ስትራቴጂ እቲ ፖሊሲ ስልጠና ከምዝወሰዳ ብምግላፅ፤ “እቲ ስልጠና ተወሳኺ ዓቕምን ግንዛበን ሒዝና ንሓረስቶት ብሞያና ንምሕጋዝ ዘኽእለና እዩ” ኢለን።
በዓል ሞያ ግብርና እዚ ወረዳ ዝኾኑ ኣይተ ተኽላይ ሞገስ ብግደኦም፤ ንሓረስቶት ዝወሃቡ ሞያዊ ደገፋት ንምዕባይ ኣብ ዙርያ እቲ ፖሊስን ስትራቴጂን ተኸታታሊ ስልጠና ከምዝተውሃበን ኣድላይ ከምዝኾነን ገሊፆም።