ንኢንተርፕራይዛት ልዕሊ 10 ቢሊየን ብር መሳለጢ ስራሕ ልቓሕን መፍረዪ መሳርሒን ተኸፋፊሉ - ኢዜአ ትግርኛ
ንኢንተርፕራይዛት ልዕሊ 10 ቢሊየን ብር መሳለጢ ስራሕ ልቓሕን መፍረዪ መሳርሒን ተኸፋፊሉ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ንኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ልዕሊ 10 ቢሊየን ብር መሳለጢ ስራሕ ልቓሕን መፍረዪ መሳርሒን ከምዝተኸፋፈለ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡
ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን እቲ ትካል ኣይተ ሮቤል ኣሕመድ ከምዝበሉዎ÷ ዓቕሚ ነባር ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ንምጥንኻርን ሓደሽቲ ንምጥያሽን ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 2 ሺሕን 752 ሓደሽቲ ኢንተርፕራይዛት ዝተጣየሹ እንትኾኑ÷ 10 ሺሕን 979 ነባር ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ድማ ምጥንኻር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡
ነኢንተርፕራይዛት ቀረብ መስርሒ ቦታን ልቓሕን ተበፃሒ ኣብ ምግባር ብትኹረን ብትሕብባርን ከምዝሰርሐ እውን ኣመልኪቶም፡፡
በዚ ድማ ን1 ሺህ 209 ኣፍረይቲ ኢንተርፕራዛት 6 ቢሊየን 63 ሚሊየን 775 ሺሕ ብር መሳለጢ ስራሕ ልቓሕ ከምዝተኸፋፈለ ሓቢሮም፡፡ ከም ፀብፃብ ፋና ዲጂታል ፡፡