ኩለመዳያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኩለመዳያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 15/2017 (ኢዜኣ) ኩለመዳያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ገሊፀን።
ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልኦ፤ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ኣብ ሕብረት ልምዓት ንክውደባ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ፀገማት ዝፈትሕ ኣወዳድባ ስለዝኾነ ናይ ምጥንኻር ስራሕ ከምዝተሳለጠ ተዛሪበን።
ኣብ ሕብረት ልምዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝስራሕ ዘሎ ኩለመዳያዊ ልምዓትን ብልፅግናን ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ እውን ኢለን።
ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን ማሕበራውን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣለማት ኣማረ፤ ተሳትፎን ተረባሕነትን ደቂ አንስትዮ ንምርግጋፅ ጉጅለ ልምዓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውዳብን ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን።
ኣብ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን ማሕበራውን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ሓላፊት ዘፈር ምስታፍ፣ምብቃዕን ስርፀት ስርዓተ ጾታን ፍሬ ጥበቡ፤ ካብ ስደት ዝተመለሳ ደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ወሲደን ዕድል ስራሕ ንክረኽባ እናተገበረ እዩ ኢለን።
ተሳትፎን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፃ ድማ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን ማሕበራውን ክልል ኣምሓራ ዝና ጌታቸው እየን።