ኩባንያ መፍረዪ ኣውሮፕላን ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ኣቪዬሽን ክዋፈር ከምዝደሊ ገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
ኩባንያ መፍረዪ ኣውሮፕላን ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ኣቪዬሽን ክዋፈር ከምዝደሊ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ኢምብሬር ዝተብሃለ ኩባንያ መፍረዪ ኣውሮፕላን ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ኣቪዬሽን ክዋፈር ከምዝደሊ ገሊፁ፡፡
ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ጃክሰን ሊማን ን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኩባንያን ተዛቲዮም፡፡
ኣብዚ እዋን መንግስቲ ንዓውዲ ኣቪዬሽን ትኹረት ብመሃብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፤ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ምስ ዓለም ብምርኻብ ኩርዓት ኣህጉርና ኢዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ዝተዋፈሩ ብዙሓት ናይ ውልቀ ኦፕሬተራት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ሓዊሱ ክሳተፉ ዝኽእሉሎም ኣዋፃእቲ ዝኾኑ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ከምዝተፈለዩ እውን ኣብሪሆም፡፡
ተወከልቲ እቲ ኩባንያ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ንኣቪዬሽን ዝሃበቶ ትኹረት ብዝምልከት ኣበ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ክዋፈሩ ከምዝደልዩ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብ ፅገና ኣውሮፕላን፣ ምፍራይ ኣካላት ኣውሮፕላንን ዓውዲታት ስልጠናን ቀዳማይ ድሌቶም ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡