1 ሽሕን 382 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ገጠር ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምግባር ተኻኢሉ እዩ-እቲ ኣገልግሎት


 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 15/2017 (ኢዜኣ) ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ 1 ሽሕን 382 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ገጠር ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምግባር ከምዝኸኣለ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ፈጻሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽን እቲ ኣገልግሎት ኣይተ መላኩ ታዬ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ እቲ ለውጢ ስዒቡ ዝርገሐ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ፀኒሖም እዮም።

ብፍላይ ድማ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ከተማታትን መንደራትን ገጠር ንክባፃሕ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውጽኢት ኣምፂኦም እዮም ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ 1 ሽሕን 382 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ገጠር ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንክረኽቡ ከምዝተገበረ ከም ኣብነት ተዛሪቦም።

መሰረተ ልምዓታት ነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ካብ ምዃን ብተወሳኺ ነዚ እዋን ዝምጥን ዘይምዃኖም ምኽንያት ምቁራፅ እቲ ኣገልግሎትን ቅሬታ ዓማዊልን ከምዝኾኑ ምፍላዮም ሓቢሮም።

ነቲ ፀገም ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ እውን እቲ ኣገልግሎት ካብ ዝእክቦ ግብሪ ከምኡ እውን ካብ መሓዙት ልምዓት ዝርከብ ፋይናንስ ኣብ ዋና ዋና ከተማታት ስራሕቲ ምምሕያሽ ኔትወርክን ዳግማይ ህንፀትን እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።

ስለዝኾነ እውን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋ፣ ኣዳማ፣ መቐለ፣ ባህር ዳርን ጅማን ፈላማይ ምዕራፍ ስራሕ ምምሕያሽ ኔትወርክን ዳግማይ ህንፀትን ከምዝተዛዘመ ገሊፆም።

ወላይታ ሶዶ፣ ሀረር፣ ሻሸመኔ፣ ደብረ ማርቆስ፣ጎንደርን ኮምቦልቻን ሓዊሱ ኣብ 6 ከተማታት ዝተጀመረ ስራሕ ምምሕያሽ ኔትወርክን ዳግማይ ህንፀትን ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም።

ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር እንትፍጠሩ መተግበሪ ሞባይል ብምጥቃም ጥቆማ ዝወሃበሉ ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ ዝገለፁ ኣይተ መላኩ፤ ዓማዊል ተሳትፎ ብምዕባይን ጥቆማ ብምሃብን ኣካል መፍትሒ ንክኾኑ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም