ስፖርት
ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ኣብ ዝተተለመሎም እዋን ንምዝዛም ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም-እቲ ቦርድ
Apr 14, 2025 311
  ባህር ዳር/ሚያዝያ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ኣብ ዝተተለመሎም እዋን ንምዝዛም ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ማእኸል ስታዴም ኣተሓሳሲቡ። እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ብዘሳለጦ ግምገማ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ኣንፈታት ኣቐሚጡ። ስለዝኾነ ድማ ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ረቛሕታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ(ካፍ) ንምምላእ ኣብ ካልኣይ ዙር ህንፀት ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ እቲ ቦርድ ዝተዓዘበ እንትኸውን፤ ከይዲ ህንፀት እቲ ስታዴም ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዝርከብ ገሊፁ። ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ ድማ መብዛሕቲኡ ስራሕ ብምዝዛም ንውድድር ክፍቲ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ኣምሓራን ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕን ኣይተ እርዚቅ ኢሳ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣረዲኦም። ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ እቲ ስራሕ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝዛም ናብ ኣገልግሎት ንምእታው ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እቲ ቦርድ ከምዘተሓሳሰበ ካብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ንሃገራዊ ለውጢ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ስፖርት ተኻይዱ
Mar 29, 2025 111
  ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/ 2017 /ኢዜአ/ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሃገራዊ ለውጢ ሻውዓይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ብዙሓት ክፋላት ማሕብረተሰብ ዝተሳተፉሉ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሴንተር ኮንቬንሽን ኣፍሪካ ኣካይዱ፡፡ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ÷ "ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕ ንልዕልና ኢትዮጵያ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ ኣካላዊ ብቕዓት ምንቅስቓስ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ዕውት ውፅኢት ምምዝጋብ ተኻኢሉ ምባሎም ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ መንግስቲ ንስፖርት ዝሃቦ ጠመተ ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት መስርሒ ቦታታት ምህናፆም ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ አበባ በላይ ደጀን እዮም፡፡
ናይ ትማሊ ዓወት ንዝቕፅል ፀወታ ዓቕሚ ክኾነና ኢዩ - ኣሰልጣኒ መሳይ ተፈሪ
Mar 25, 2025 72
  ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/16/ 2017 /ኢዜአ/ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ መሳይ ተፈሪ ትማሊ ምሸት ንጅቡቲ 6 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ምስ ሰዓሩ እቲ ፀወታ ምስዓር ልዑል ትርጉም ከምዘለዎ ገሊፆም። እቲ ዓወት ንዝቕፅሉ ፀወታታት ዓቕሚ ከምዝኾኖም ብምሕባር፤ ኣብቲ ፀወታ ካብ ሓላዊ ልዳት ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ቅድሚት መስመር ዘለዉ ተፃወትቲ ዝሐሸ ምንቅስቓሰ ከምዘርአዩ ተዛሪቦም፡፡ “ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ሽዱሽተ ሸቶታት ብምምዝጋብና ዘለና ዕዳ ሸቶ ክንስርዝ ክኢልና ኢና” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተፃወትቲ ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎም ዝገለፁ እቶም ኣሰልጣኒ፤ ኣብ ከይዲ ፅቡቕ ቁመና ዘለዎ ጋንታ ምህናፅ ከምዝከኣል ገሊፆም፡፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም 2026 ካብ ዝገበረቶም ሽዱሽተ ፀወታታት ሓደ ዓወት ክልተ ስዕረት ሰለስተ ማዕረ ብምፍልላይ ብ6 ነጥቢ ኣብ 4ይ ደረጃ ትርከብ፡፡ ኣብ ቀፃሊ ድማ 28 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ምስ ግብፂ ከምኡ እውነ 1 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ምስ ሴራሊዮን ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ፡፡
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም