ስፖርት - ኢዜአ ትግርኛ
ስፖርት
ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ኣብ ዝተተለመሎም እዋን ንምዝዛም ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም-እቲ ቦርድ
Apr 14, 2025 311
ባህር ዳር/ሚያዝያ/ 6/2017 (ኢዜኣ) ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ኣብ ዝተተለመሎም እዋን ንምዝዛም ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ማእኸል ስታዴም ኣተሓሳሲቡ። እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ብዘሳለጦ ግምገማ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ኣንፈታት ኣቐሚጡ። ስለዝኾነ ድማ ዓለም ለኸ ስታዴም ባህር ዳር ረቛሕታት ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ(ካፍ) ንምምላእ ኣብ ካልኣይ ዙር ህንፀት ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ እቲ ቦርድ ዝተዓዘበ እንትኸውን፤ ከይዲ ህንፀት እቲ ስታዴም ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዝርከብ ገሊፁ። ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ ድማ መብዛሕቲኡ ስራሕ ብምዝዛም ንውድድር ክፍቲ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ኣምሓራን ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕን ኣይተ እርዚቅ ኢሳ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣረዲኦም። ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ እቲ ስራሕ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዝዛም ናብ ኣገልግሎት ንምእታው ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እቲ ቦርድ ከምዘተሓሳሰበ ካብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።
ኢትዮጵያውያን አትሌታት መፃረይ ሻምፒዮና ዓለም ኣብ ስፔን ክካይዱ እዩ- ኮማንደር ስለሺ ስህን
Apr 12, 2025 223
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/4/ 2017 /ኢዜአ/ ኣብ 10 ሺሕ ሜትር ኢትዮጵያ ኣብ አትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ንምውካል ኣብ ስፔን ማላጋ መፃረይ ውድድር ከምዝካየድ ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን አትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ስለሺ ስህን ገሊፆም፡፡ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት÷ ካብ 10 ሺሕ ሜትሮ ወፃኢ ዘለው ርሕቐታት አትሌታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝግበር ሻምፒዮና ኢትዮጵያ ከምዝምረፁ በቲ ፌዴሬሽን ኣፍሊጦም፡፡ አትሌቲክስ ሻምፒዮና ዓለም ካብ 3 መስከረም ክሳብ 11 ኣብ ጃፓን ቶኪዮ ክኻየድ እዩ፡፡
ኣትሌት ሓጎስ ገ/ህይወት ኣብ ውድድር ጉያ ግራንድ ስላም ተዓዊቱ
Apr 7, 2025 249
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/29/ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ንፈለማ እዋን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ውድድር ትራክ ግራንድ ስላም ብ3 ሺሕ ሜትሮ ነዊሕ ርሕቐት ደቂ ተባዕትዮ ተዓዊቱ። ኣብ ኪንግስተን ኣብ ዝተኻየደ ልዑል ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ውድድር÷ ኣትሌት ሓጎስ ነቲ ርሕቐት ንምዝዛም 7 ደቒቕ 51ሰከንድን 55 ማይክሮ ሰከንድን ወዲኡሉ። ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ፈላማይ ናይ 5 ሺሕ ሜትሮ ነዊሕ ርሕቐት ውድድር 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ምዝዛሙ ስዒቡ ዝረኸቦ ነጥቢ 17 ብምብፃሕ ብሓፈሻዊ ውፅኢት 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ። ነዚ ስዒቡ ድማ 50 ሺሕ ዶላር ተሸላሚ ክኸውን ክኢሉ።
ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
Apr 1, 2025 143
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/23/ 2017 /ኢዜአ/ሎሚ ምሸት ኣብ ዘሎ መበል 30 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣርሴናል ኣብ ሜድኡ ሰዓት 3፡45 ምሸት ምስ ፉልሃም ክጋጠም ኢዩ። ኣርሴናል ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝገበሮም ፀወታታት 58 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ እንትኸውን፥ ፉልሃም ድማ 45 ነጥቢ ብምሓዝ ሻምናይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ። ዎልቭስን ምስ ዌስትሃም ዩናይትድ ሰዓት 3፡45፣ ኖቲንግሀም ፎረስት ምስ ማንቼስተር ዩናይትድ ድማ ሰዓት 4፡00 ክፃወቱ ኢዮም።
ንሃገራዊ ለውጢ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ስፖርት ተኻይዱ
Mar 29, 2025 111
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/ 2017 /ኢዜአ/ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሃገራዊ ለውጢ ሻውዓይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ብዙሓት ክፋላት ማሕብረተሰብ ዝተሳተፉሉ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሴንተር ኮንቬንሽን ኣፍሪካ ኣካይዱ፡፡ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ÷ "ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕ ንልዕልና ኢትዮጵያ" ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ ኣካላዊ ብቕዓት ምንቅስቓስ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ሃገራዊ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ዕውት ውፅኢት ምምዝጋብ ተኻኢሉ ምባሎም ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ መንግስቲ ንስፖርት ዝሃቦ ጠመተ ድሕሪ ሃገራዊ ለውጢ ልዕሊ 1 ሺሕን 300 ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት መስርሒ ቦታታት ምህናፆም ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ አበባ በላይ ደጀን እዮም፡፡
ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ኤፍ ኤ ካፕ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም
Mar 29, 2025 81
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ኤፍ ኤ ካፕ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም። ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ፉልሃም ምስ ክሪስታል ፓላስ፣ ብራይተን ምስ ኖቲንግሃም ክጋጠማ ኢየን። ሰዓት 9፡15 ድሕሪ ቀትሪ ፉልሀም ኣም ሜድኡ ክሪስታል ፓላስን ከተኣናግድ ኢዩ። ምሸት ሰዓት 2፡15 ድማ ብራይተን ኣብ ሜድኡ ምስ ኖቲንግሀም ፎረስት ክጋጠም ኢዩ።
ኣብ ቻይና ናንጂንግ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ተገይሩሉ
Mar 25, 2025 87
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/16/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ቻይና ናንጂንግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ከምዝተገበረሉ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ነቲ ልኡኽ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን መኪዩ መሓመድ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ስለሺ ስህንን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብዝተረኸብሉ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ካብ ዓለም ሳልሰይቲ ካብ ኣፍሪካ ድማ ቀዳመይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ይፍለጥ፡፡
ናይ ትማሊ ዓወት ንዝቕፅል ፀወታ ዓቕሚ ክኾነና ኢዩ - ኣሰልጣኒ መሳይ ተፈሪ
Mar 25, 2025 72
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/16/ 2017 /ኢዜአ/ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ መሳይ ተፈሪ ትማሊ ምሸት ንጅቡቲ 6 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ምስ ሰዓሩ እቲ ፀወታ ምስዓር ልዑል ትርጉም ከምዘለዎ ገሊፆም። እቲ ዓወት ንዝቕፅሉ ፀወታታት ዓቕሚ ከምዝኾኖም ብምሕባር፤ ኣብቲ ፀወታ ካብ ሓላዊ ልዳት ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ቅድሚት መስመር ዘለዉ ተፃወትቲ ዝሐሸ ምንቅስቓሰ ከምዘርአዩ ተዛሪቦም፡፡ “ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ሽዱሽተ ሸቶታት ብምምዝጋብና ዘለና ዕዳ ሸቶ ክንስርዝ ክኢልና ኢና” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ተፃወትቲ ልዑል ዓቕሚ ከምዘለዎም ዝገለፁ እቶም ኣሰልጣኒ፤ ኣብ ከይዲ ፅቡቕ ቁመና ዘለዎ ጋንታ ምህናፅ ከምዝከኣል ገሊፆም፡፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም 2026 ካብ ዝገበረቶም ሽዱሽተ ፀወታታት ሓደ ዓወት ክልተ ስዕረት ሰለስተ ማዕረ ብምፍልላይ ብ6 ነጥቢ ኣብ 4ይ ደረጃ ትርከብ፡፡ ኣብ ቀፃሊ ድማ 28 ነሓሰ 2017 ዓ.ም ምስ ግብፂ ከምኡ እውነ 1 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም ምስ ሴራሊዮን ፀወታኣ ክተካይድ ኢያ፡፡
ኢትዮጵያ ትሳተፈሎም ውድድራት ፍፃመ
Mar 23, 2025 78
አዲስ አበባ/መጋቢት /14/2017/ኢዜአ/ኣብ ቻይና ከተማ ናንጂንግ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝሳተፉሎም ኽልተ ውድድራት ፍፃመ ሎማዓንቲ ክሳለጡ 'ዮም። ድሕሪ ሰዓት 9:28 ብደቂ ኣንስትዮ 1500 ሜትር ፍፃመ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ክወዳደራ 'የን። ድሕሪ ሰዓት 9:54 ድማ ብ800 ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ፍፃመ ኣትሌት ፅጌ ድጉማን ኣትሌት ንግስት ጌታቸውን ክሳተፋ 'የን። ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ሻምፒዮና ኣትሌት ፍረወይኒ ሃይሌ ብ3000 ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ወርቅን ብደቂ ተባዕትዮ 3000 ሜትር ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ብርን ሜዳልያ ረኺባ።
ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ንፍፃመ ሓሊፈን
Mar 21, 2025 64
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/12/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ብደቂ አንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ንፍፃመ ሓሊፈን፡፡ ኣብ ቻይና ናንጂንግ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሻምፒዮና፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፉሉ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ፡፡ ኣብ ምድብ 1 ዝተሳተፈት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ4 ደቒቕ 11 ሰከንድን 87 ማይክሮ ሰከንድ 1ይቲ ብምውፃእ ንፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡ ኣብ ምድብ 3 ዝተሳተፈት ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ድማ ብ4 ደቒቕ 12 ሰከንድን 25 ማይክሮ ሰከንድ ብተመሳሳሊ 1ይቲ ብምውፃእ ናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ፡፡
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ክትገጥም ኢያ
Mar 21, 2025 51
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/12/ 2017 /ኢዜአ/ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም 2026 ሓምሻይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ክትገጥም ኢያ። እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ምድብ ካብ ዝገበረቶም ኣርባዕተ ፀወታታት ሰለስተ ነጥቢ ብመሓዝ ኣብቲ ምድብ 5ይ ደረጃ እንትትቅመጥ፤ ተጋጣሚታ ግብፂ ብ10 ነጥቢ ነቲ ምድብ እናመርሐት ትርከብ። ካዛብላንካ ኣብ ዝርከብ ስታዲየም ላርቢ ዛውሊ ሎሚ መዓልቲ ለይቲ ሰዓት 6 ዝግበር ፀወታ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት÷ ሞሪሸሳዊ ዳይና ፓትሪስ ሚላዛር ማእኸል ዳይና ብምዃን ክመርሑዎ ኢዮም። ኣብቲ ምድብ ዝርከባ ቡርኪናፋሶን ጅቡቲን ሎሚ ምሸት ሰዓት 1 ክራኸባ ኢየን። ካልኦት ናይቲ ምድብ ሃገራት ሴራሊዮንን ጊኒ ቢሳውን ትማሊ ምሸት ዝገበረኦ ፀወታ፤ ብዓወት ሴራሊዮን 3 ን 1 ተዛዚሙ። ሴራሊዮን ምስዓራ ስዒቡ ነጥባ ሸሞንተ ብምብፃሕ ኣብቲ ምድብ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ክትቅመጥ ክኢላ።
መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኣብ ቻይና ናንጂንግ ተጀሚሩ
Mar 21, 2025 50
አዲስ አበባ/መጋቢት/12/2017/ኢዜአ/ኣብቲ ዝተጀመረ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ብ800 ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን። ኣብ 800 ሜትር ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋ ሰለስቲአን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሃብታም ኣለም፣ ፅጌ ድጉማን ንግስት ጌታቸውን ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን። ቐፃሊ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝሳተፉሉ ብኽልቲኡ ፆታ 1500 ሜትር ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ክካየድ 'ዩ። ብናይ ኢትዮጵያ ኣቆፃፅራ ሰዓት ቀትሪ 7:33 1500 ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ፍፃመን 8:18 ሰዓት 1500 ሜትር ደቂ ተባዕትዮ ፍርቂ ፍፃመ ውድድራት ክካየዱ 'ዮም። ኣብ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ዝተለመዱ ከም ጉዳፍ ፀጋይ፣ ፅጌ ድጉማ፣ ለምለም ሃይሉ፣ ሳሙኤል ተፈራ፣ በሪሁ ኣረጋዊን ኻልኦት መናእሰይ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታትን ልሙድ ዓወቶም ትፅቢት ይግበር።
ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ሃራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ኣምሪሑ
Mar 19, 2025 72
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/10/2017 /ኢዜአ/ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ዝሳተፍ ጉጅለ ሃራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ቻይና ናንጂንግ ኣምሪሑ። እቲ ጉጅለ 12 ኣትሌታት፣ ክልተ ኣሰልጠንቲ፣ ሓደ መራሒ ጉጅለ፣ ሓደ መራሒ ጉጅለ ቴክኒክ፣ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሕክምናን ሓደ ፊዝዮቴራፒስትን ዘካተተ ኢዩ። ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን መኪዩ መሓመድን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ስለሺ ስህንን ሓዊሱ ካልኦት ኣመራርሓ እቲ ፌዴሬሽንን ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብምርካብ ነቲ ጉጅለ ምፍናው ምግባሮም ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 21 ክሳብ 23 መጋቢት 2025 እቲ ውድድር ክሳለጥ እዩ ።
ፀወታ ፍፃመ ካራባኦ ካፕ ሎሚ ምሸት ክካየድ ኢዩ
Mar 16, 2025 93
ኣዲስ አዘበባ/ መጋቢት/7/ 2017 /ኢዜአ/ፀወታ ፍፃመ ካራባኦ ካፕ ሎሚ ምሸት ሰዓት 1: 30ን ኣብ ስታዲየም ዌምብሌይ ኣብ መንጎ ሊቨርፑልን ኒውካስል ዩናይትድን ክካየድ ኢዩ። ሊቨርፑል ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ንቶተንሃም ሆትስፐር ብምስዓር ናብ ፍፃመ ምብፅሑ ይዝከር። ኒውካስል ዩናይትድ እውን ንኣርሰናል ብምስዓር ናብ ፍፃመ ዝበፅሐ ጋንታ ኢዩ። ሎሚ ክልቲኦም ጋንታታት ንፍፃመ ዝጋጠሙ እንትኾኑ፥ ኣብ ኩሎም ውድድራት ኣብ ዝሓለፉ ውድድራት ብሕድሕድ ተራኺቦም ኣብ ዝገበርዎ ፀወታታት ሊቨርፑል ኣርባዕተ ግዘ ተዓዊቱ። ኣብ ሓደ ፀወታ ድማ ብማዓረ ምፍልላዮም ይዝከር።
ኣርሴናል ምስ ቼልሲ ሎሚ ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ
Mar 16, 2025 82
ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/7/ 2017 /ኢዜአ/ሎሚ ኣብ ዝካይድ መበል 29 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሴናል ኣብ ሜድኡ ሰዓት 10 ምስ ቼልሲ ዝገብሮ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ። ኣርሴናል ክሳብ ሐዚ ብዝገበሮም ፀወታታት 55 ነጥቢ ብምውህላል ካብ ሊቨርፑል ቀፂሉ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ከምዝርከብ ይፍለጥ። ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት፥ ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ፉልሀምን ክጋጠም ኢዩ። ምሽት ሰዓት 4 ድማ፥ ሌስተር ሲቲ ምስ ማንቼስተር ዩናይትድን ከምዝጋጠም እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ።