ዓለም ለኸዊ ዜናታት
መንግስቲ ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ዝነኣድ እዩ-ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት
Apr 22, 2025 98
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 14/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት ምስርሑ ዝኣነድ ተግባር ከምዝኾነ ላዕለዋይ ሓላፊት ፕሮግራም ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ሚሞሪ ምዋሌ ገሊፀን። እተን ሓላፊት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ኣብ ምምሕዳር ስደተኛታት ምስ ኢትዮጵያ ብምሕዝነት እዩ ዝሰርሕ። ኢትዮጵያ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ጉዳይ ስደተኛታትን ድሕንነቶምን ብሕግን ስርዓትን ንክምራሕ ትገብሮ ዘላ ተግባር ዝነኣድ ስራሕ እዩ ኢለን። ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ብምትሕብባር እናሰርሑ ስለዝኾኑ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት እውን ተዋዲዶም ንክሰርሑ ፃውዒት ኣቕሪበን። ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሓለዋ ድሕንነትን ውፅኢታዊ ምምሕዳርን ስደተኛታት ብምትሕብባር ንምስራሕ ትልሚ ሃገር ለኸ ኮሙኒኬሽንን ሓባራዊ ስትራቴጂን ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝገበረ ኣዘኻኺረን። ትካል ዓለም ለኸ ስደተኛታት ምስ ሚኒስቴር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ስደተኛታት ዘጋጥምዎም ፀገማት ንምፍታሕ ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን እተን ሓላፊት ሓቢረን።
ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
Apr 15, 2025 242
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 7/2017 (ኢዜኣ) መበል 24 ህፁፅ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ። ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሒሩት ዘመነ ንሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ብምውካል መደረ ገይረን። ኣብ መደረአን እውን ብብርኪ ዓለም ለኸ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ውጥረታት ጂኦፖለቲካ፣ጎንፅታት፣ዕዳ ልቓሕ፣ ሰብኣዊ ቅልውላውን ካልኦት ዘይግመቱ ኩነታትን ኣብታ ኣህጉር ፅልዋ ንከየሕድሩን ጸገማት ቅድሚ ምፍጣሮምን እቲ ሕብረት ጥበብ ዝተመልኦ ኣመራርሓ ክህብ ከምዘለዎ ገሊፀን። ሕድ ሕድ ምንቅስቓስ እቲ ሕብረት ምስ ዘቐመጦ ኣጀንዳ 2063 ዝተናበበን እታ ኣህጉር ናብ ዝተረጋገዐትን ዘላቕነት ዘለዎ ኣንፈት ዕቤትን ዝመርሕ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢረን። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ ኣኼባ መረፃ ሓደ ኣባል ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ከካይድ እዩ። ኣማኻሪ ኣወዳድባ ዓለም ለኸ ሕጊ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ(AUCIL)ን ቤት ምኽሪ ህዋ ኣፍሪካ(AfSC)ን ብተመሳሳሊ ሓደ ሓደ ኣባላት ከምርፁ እዮም። እቲ ቤት ምኽሪ፤ ከይዲ መረፃ ኮሚሽነር ትምህርቲ፣ሳይንስ፣ቴክኖሎጅን ኢኖቬሽንን፣ ኮሚሽን ልምዓት ኢኮኖሚ፣ ቱሪዝም፣ንግዲ፣ኢንዱስትሪን መዓድንን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዝምልከት ዝተዳለወ ረቂቕ ፀብፃብ ከምዘዳምፅ እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ የመላኽት። ቤት ምኽሪ ፈጻሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሓባራዊ ድሌት ዝኾኑ ጉዳያት ፖሊሲ ሃገራት ኣባል እቲ ሕብረት ዘተሓባብርን ውሳነ ዝህብን ኣካል እዩ። ኣብቲ ኣኼባ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣንጎላን ኣቦ መንበር እቲ ቤት ምኽሪ እዚ እዋንን ቴቴ ኣንቶኒዮ፣ሚኒስትራት ጉዳይ ወፃኢ፣ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት እቲ ሕብረት፣ኣምባሳደራት፣ዲፕሎማትን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ፎረም ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ትሳተፍ ኣላ
Apr 9, 2025 285
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /1/2017 (ኢዜኣ) ብመዓርግ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ባህልን ስፖርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ዩጋንዳ እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ መበል 11 ፎረም ክልላዊ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ይሳተፍ ኣሎ። ፎረም ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ እዩ ተጀሚሩ። እቲ ፎረም፤ “ኣብ ዘላቕን ሓቛፍን ሳይንስን ሓበሬታን መሰረት ኣብ ዝገበሩ መፍትሕታት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዕቤት ኢኮኖሚ ኣብ ምቅልጣፍን ፤ ኣጀንዳታት 2063 ክውን ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ዘሎ እንትኸውን ብምትሕብባር ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን መንግስቲ ዩጋንዳን እዩ ተዳሊዉ። ኢትዮጵያ እውን ብመዓርግ ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ባህልን ስፖርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ብዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ እናተሳተፈት እያ ትርከብ። ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለም ለኸ መሓዙት ልምዓትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ኣብቲ ፎረም ይሳተፉ ኣለዉ። ፕሬዚዳንት ዩጋንዳ ዩዌሪ ካጉታ ሙሴቬኒ ኣብቲ ፎረም ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ኣፍሪካ ኣቕራቢት ጥረ ኣቑሑ ካብ ምዃን ተላቒቓ ብፀጋታት ዝማዕበለ ውፅኢት ናብ ዕዳጋ ዓለም ብምቕራብ ተረባሕነታ ክተረጋግፅ ይግባእ። ዞባዊ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ምጥንኻር እውን ተረባሕነት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ከምዘቀላጥፍ ሓቢሮም። እቲ ፎረም፤ ኣፈፃፅማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2015 ዝፀደቐ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት 2030 ከምኡ እውን ኣጀንዳታት ሓቛፍን ዘላቒ ልምዓትን 2063 ከምዝግምግም ትፅቢት ይግበር። ትግበራ ሽቶታት ዘላቒ ልምዓት እቶም ዝተረፉ 5 ዓመታት ኣመልኪቱ እውን ኣብቲ ዝተዳለወ ሰነድ ምኽረ ሓሳብ ክዝቲ እዩ። ዘላቕን ሓቛፍን ከምኡን እውን ሳይንሳውን ብሓበሬታ ዝተደገፈን መፍትሒ ንዕዉትነት ትልሚ ዘላቒ ልምዓት 2063 ኣፍሪካ ዝተብሃለ ሰነድ ውሳነ ሓሳብ ካምፓላ ከፅድቕ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር። እቲ ፈሮም ክሳብ 3 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ከምዝፀንሕ ሓበሬታ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካምፓላ ይሕብር።
ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ተገሊፁ
Apr 5, 2025 130
  ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/27/ 2017 /ኢዜአ/ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ተሳተፍቲ ጉባኤ መናእሰይ ኣመራርሓ ፓን ኣፍሪካ ገሊፆም፡፡ መናእሰይ ኣመራርሓ ፓን ኣፍሪካ ዘፈር መናእሰይ ሚኒስትራት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣብ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣፍሪካን ኣብ ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ዑደት ገይሮም። እቶም ሚኒስትራት ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ንስልጣነ ኣፍሪካ ኣስተዋፅኦ ምብርካታ ከምዝቐፀለት ብምግላፅ፤ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት እናገበረቶ ትርከብ ምንቅስቓስ ንካልኦት ሃገራት እውን ኣብነት ከምዝኾነ ፀሪሖም። ኣብ ዑደቶም ዝተዓዘቡዎም ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ኣፍሪካን ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ናይ ኢትዮጵያ ኣርኣያ እቲ ኣህጉር ዘርእዩ ከምዝኾኑ ብምሕባር፤ ኣብቶም ትካላት ብዝረኣዩዎ ነገር ከምዝተደነቑ ገሊፆም። ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዕዉት ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዋ ከምዝተገንዘቡን፤ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዲፕሎማሲ ምዃና ዘረጋግፁ ስራሕቲ ምስራሓ ከምዝተዓዘቡን ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
መበል 4ይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ኡጋንዳ ብብርኪ ሰብ ሞያ ምክያድ ጀሚሩ
Apr 3, 2025 96
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 25/2017 (ኢዜኣ) መበል 4ይ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ኡጋንዳ ብብርኪ ሰብ ሞያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ። ተጠባባቒ ጀነራል ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ሚኒስቴር ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ፤ ሓባራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ብዝለዓለ ብርኪ እናዓበየ ከምዝመፀ ገሊፆም። እቲ ብብርኪ ሰብ ሞያ ሎሚ ዝተጀመረን ፅባሕ ድማ ብብርኪ ሚኒስትራት ዝካየድን ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ከምዝመፀ ዘርኢ እዩ ኢሎም። ኣብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኡጋንዳ ሓላፊ ምትሕብባር ክልላዊ ኢኮኖሚ ኣምባሳደር ሪቻርድ ቱሙሲሜ ካቦኔሮ ብግደኦም፤ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብዝበለጸ ንምዕባይ ኣኼባ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያን ምክያዱ ዓብይ ትርጉም ከምዘለዎ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኡጋንዳ ዕፀገነት ይመኑ፤ እዚ ኣኼባ እናዓበየ ንዝመፀ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ልዑል እጃም ከምዘለዎ ምግላፀን ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ የሕብር። ሰብ ሞያ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ፣ንግድዲ፣ኣቪዬሽን፣ምክልኻል፣ቱሪዝም፣ጥዕናን መሰረተ ልምዓትን ከምኡ እውን ኣብ ምክልኻል ገበን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ዝተፈላለዩ ዘፈራትን ከምዝዝቲ ትፅቢት ይግበር።
ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ናብ ተግባር ክኣቱ እዩ
Mar 31, 2025 77
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 22/2017 (ኢዜኣ) ሃፍትታት ባሕርን ዝስተ ማይን ኣፍሪካ ዘለዎ ዞባዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ናብ ተግባር ከምዝኣቱ ተገሊጹ። እቲ ስትራቴጂ ንምፅዳቕ ዝተዳለወ ዓውደ መፅናዕቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ታንዛንያ ዳሬ ሰላም ክካየድ እዩ። እቲ መድረኽ ብምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪካን ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢ ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ዝተዳለወ እዩ። ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ሃገራትን ተዋሳእቲ እቲ ዓውድን ኣብ ሃፍትታት ባሕርን ዝስተ ማይን ኣፍሪካ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ጠመተ ዝገበረ ዘተ ከምዝግበር ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ ይሕብር። ትካላዊ ማዕቐፍ፣ስርዓት ክትትልን መርሃ ግብሪ ኣፈፃፅማን እቲ ስትራቴጂ ዘተ ካብ ዝግበረሎም ጉዳያት እዮም። ሃገራት ኣባል ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ስትራቴጂ ምስ ብሄራዊ ትልመን ኣጠዓዒመን ተግባራዊ ኣብ ዝገብራሉ ኩነታት እውን ከምዝዝትያ ተገሊፁ። እቲ ስትራቴጂ ምስ ስትራቴጂ ብሉ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ፣ዘላቒ ልምዓትን ዓለም ለኸ ሽቶታትን ኣብ ዝህልዎ ምትእስሳር ዘተ ክግበር እዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2023 ኣብ ኣሜሪካ ኒው ዮርክ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ኣጠቓቕማ ዓለም ለኸ ብዝሃ ሂወት ባሕሪ (BBNJ Agreement) ኣፈጻፅምኡ እውን ተወሳኺ መዛተዪ ዛዕባ እቲ መፅናዕቲ እዩ። ሃገራት ኣፍሪካ ከም ኣቆጿፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ ሰነ 2025 ኣብ ዝሳለጥ መበል 3ይ ኮንፈረንስ ባሕሪ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ሒዘንኦ ዝቐርባ ሓባራዊ ቅዋም ዕላዊ ከምዝገብራ እውን ሓበሬታ እቲ ሕብረት ይሕብር። እቲ ስትራቴጂ ምምሕዳር ባሕሪ ኣፍሪካ ንምፅዳቕ ዝግበር ዓውደ መፅናዕቲ ክሳብ 26 መጋቢት 2017 ዓ/ም ዝፀንሕ እዩ።
ኢትዮጵያ ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘቀላጥፉ መሰረተ ልምዓታት እናዘርገሐት እያ-ፕሬዝዳንት ታዬ ኣፅቀሥላሴ
Mar 17, 2025 111
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስራሕቲ ዝርገሐ ውህደት ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘቀላጥፉ መሰረተ ልምዓታት ትኹረት ጌራ እናሰርሐት ከምትርከብ ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀሥላሴ ተዛሪቦም። መበል 57 ኣህጉራዊ ጉባኤ ሚኒስትራት ፋይናንስን ምጣነ ሃፍትን ኮሚሽን ኢኮሚክ ኣፍሪካ ብብርኪ ሚኒስትራት እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ። ኣብቲ ጉባኤ፤ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ፣ዋና ፀሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ውሕመ) ክላቨር ጋቴቴ፣ዋና ፀሓፊ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ዋምኬሌ ሜኔን ዋና ፀሓፊ ሚኒስቴር ፋይናንስ፣ልምዓት ኢኮኖምን ኢንቨስትመንትን ዚምባብዌ ከምኡ እውን ተሰናባቲ ኣቦ መንበር ቢሮ ሚኒስትራት ፋይናንስ፣ኢኮኖምን ልምዓትን ኣንድሪው ቡቩምቤን ተረኺቦም። ፕሬዝዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ፅቀሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣፍሪካ ሽግግር ዕቤት ኢኮኖሚ ንምግባር ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ታሪኽ ትርከብ። ድሌት ዶብ ኣልቦ ነፃ ዕድጊት ሸቐጥን ኣገልግሎትን ኣፍሪካ ክውን ንምግባር ካብ ባህጊ ዝሓለፈ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ስለዝኾነ እውን ሃገራት ስምምዕ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ካብ ምፅዳቕ ብተወሳኺ ናብ ተግባር ምቕያርን ዕዉት ኮሚቴ ብሄራዊ ምትሕብባር ብምጥያሽ ብቆራፅነት ምስራሕን ይግባእ ኢሎም። ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ንውህደት ንግዲ ኣፍሪካውያን ወሳኒ እጃም ዘለዎም መሰረተ ልምዓታት ኣብ ምዝርጋሕ ትኹረት ከምዝገበረት እውን ገሊፆም። ኢትዮጵያ ዞባዊ ዓቕሚ ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትርን ዝኸውን ተመጣጣኒ፣ተሓዳስን ዘተኣማምንን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ውህደት ኢኮኖሚ ንምስላጥ እናሰርሐት ከምትርከብ ወሲኾም ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ቅርብቲ ከምዝኾነት ገሊፃ
Mar 12, 2025 84
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/3/ 2017 /ኢዜአ/ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ኣካል መበል 57 ጉባኤ ሚኒስትራት ዝኾነ ኣኼባ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ፤ ኢትዮጵያ ንትግበራ ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ መርአያ ዝኾኑ ተግባራት ምውጋን ከምዝኸኣለት ገሊፀን። ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ብመሰረተ ልምዓትን ቀረብ ሓይሊን ንምትእስሳር እናሰርሐቶም ትርከብ ተግባራት ብምፅራሕ፤ ንትግበራ ስምምዕነት ናፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ቅርብቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፀን። እቲ ጉባኤ “ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ምቅልጣፍ፤ ኣፈፃፅምኡ ዘደንፍዑ ስትራቴጂካዊ ስጉምቲታት ምሕንፃፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክሳብ ዝቕፅል ሰኑይ ከምዝካየድ ተገሊፁ። ብቐንዱ ዛዕባታት ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ዝዝቲ ጉባኤ እንትኸውን÷ ኣብ ዲጂታላይዜሽን፣ ቴክኖሎጂ፣ ጉዳያት ኢነርጂን ውሕስና ምግቢን ከምዝሽፍን እውን ተሓቢሩ።
"ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ንዘጋጥሙ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ትምህርቲ ክኸውን ይግባእ"-ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ
Feb 17, 2025 166
  አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ስምምዕ ፕሪቶርያ ንኣፍሪካ ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ክብሉ ኮሚሽነር ፖለቲካዊ ጉዳያት፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ ገሊፆም። ኣብታ ኣህጉር ኣብ ሰላምን ፀጥታን ዝረአ ዘሎ ምዕባለን ኩነታት ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣፍሪካን ብዝምልከት ንማዕከናት ዜና መግለፂ እንትህቡ፣ ኣብ መላእ ኣህጉር ብዛዕባ ሰላምን ፀጥታን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ዘንፀባርቕ እዩ። ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ሱዳን፣ሳሕል፣ሊብያ፣ ሞዛምቢክን ዘሎ ኩነታት ኣሰካፊ ምዃኑ ገሊፆም። ኣብ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ኣፍሪካ ፀገማት ንምፍታሕ ከም ትምህርቲ ክውሰድ ይግባእ ኢሎም። ከም መግለፂ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ፤ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራትን ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ሶማልያ ዘሎ ጎንፂ ኣብ ምቅላል ተራኦም ይፃወቱ ኣለዉ። ንዚ ድማ ካብ ፈንድ ሰላም ሕብረት 10 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተገይሩ ኣሎ ። ኣፍሪካዊ ፍታሕ ንፀገማት ኣፍሪካ ብዝብል ኣምር’ውን ነቲ ፀገም ፍታሕ ክረክብ ክደፍእ እዩ። ፀገማት ኣፍሪካ ዝተዋደደ ስጉምቲ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ ማሕበረሰብ ዓለም ድጋፍ ክገብር ፀዊዖም። ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎን ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ብዝምልከት ኣብ ባይቶ ሰላምን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ዘተ ከምዝተኻየደ ኣመልኪቶም። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘሎ ጎንፂ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት ፀገማቶም ብዘተ ክፈትሑ ይፅውዕ ኢሎም። ቅድሚ ዓመታት ብሰንኪ ዘይሕገ መንግስታዊ ለውጢ መንግስቲ ሱዳን ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝተኣገደት ኣዘኻኺሮም፤ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ጎንፂ ዘለዉ ተዋሳእቲ ፖለቲካዊ ዘተ ክህሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣምባሳደር ባንኮሌ፣ ኣብቲ ዝቕፅል ዘሎ ጎንፂ ቅትለት ንፁሃት ሰባት፣ፃታዊ ዓመፅ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይዕዘብ ከምዘሎ ሓቢሮም። ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ብዘይካ ዘተ ካልእ ወተሃደራዊ መፍትሒ ክህሉ ከምዘይክእል ኣመልኪቶም። ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞዛምቢክን ሊብያን ዝካየድ ዘሎ ጎንፅታት ንምፍታሕን ኩለመዳያዊ ሰላም ንምምፃእን ምስ መንግስታት እተን ሃገራት ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጋና፣ ቦትስዋና፣ ሴኔጋልን ሞሪሸስን ብመረፃ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ምስግጋር ዝተገበረለን ሃገራት ምዃነን ጠቒሶም። ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ንዝፍጠሩ ጎንፅታት ንኹሉ ዘካተተ ዘተ ብምክያድ መፍትሒ ክረኽቡ ድሌት ከምዘለዎን ነዚ እውን ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ ገሊፆም።
"ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርዓ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ
Feb 17, 2025 147
  አዲስ አበባ/የካቲት/10/2017/ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፈ ቀዳምን ሰንበትን "ምምላስ ፍትሒ ንኣፍሪካውያንን ንዘርኣ ኣፍሪካውያንን" ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ መበል 38 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ትማሊ ተዛዚሙ። ኣብቲ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ፣ ከምኡ’ውን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ሓዊሱ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ትካላት ተሳቲፎም። እቲ ዋዕላ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ኣህጉር ዘትዩ ውሳኔታት ኣሕሊፉ። እቲ ዝተኻየደ ዘተ’ውን ኣብ ትካላዊ ፅገናታት ሕብረት ኣፍሪካ፣ ምሕዳስ ፍትሒ፣ ኣፍሪካ ኣብ ባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ውክልና ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ቀፃሊ ፃዕሪ፣ ከምኡ’ውን ኣጀንዳታት ሰላምን ፀጥታን ኣህጉር ዘተኮረ እዩ። ካብ’ቲ ዋዕላ ብተወሳኺ ኣብ ኣተገባብራ ከባቢ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካን ኣህጉራዊ ንግድን ቁጠባዊ ውህደትን፡ ሕርሻን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ፣ሰብኣዊ መሰላት፣ምብቃዕ ስርዓተ ፆታን መንእሰያትን ከምኡ’ውን ትካላዊ ምድላዋት ተዘትዩሎም። ኣብቲ ዋዕላ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዩሱፍ ሓድሽ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮይኖም ተመሪፆም፤ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ነበር ሙሳ ፋኪ ማሃማት ናይ ክብሪ ምፍናው ተገይርሎም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም