ሳይንስን ቴክኖሎጅን
ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ጭቡጥ ለውጢ እናምፀአት እያ-ሚኒስትር በለጠ ሞላ(ዶ/ር)
Apr 16, 2025 159
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 8/2017 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ዝጀመረቶ ሪፎርም ብመለክዒ ዓለም ለኸ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ንክትርከብ ከምዘኽኣለ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(ዶ/ር) ገሊፆም። ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ኣፈፃፅማ ትልሚ 9 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ሚኒስትራት፣ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ተፀዋዕቲ ትካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይግምግም ኣሎ። ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሪፎርም ተግባራዊ ገይሩ እዩ። ስለዝኾነ እውን ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፉ ተኸታተልቲ 7 ዓመታት ልዑል ዕቤት ከምዘመዝገበ ሓቢሮም። ትግበራ ፖሊሲ መመሓየሺ ዝተማልአ ማክሮ ኢኮኖሚ ብርክት ዝበሉ ውጽኢታት እናተረኸበሉ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ብምሕባር፤ እዞም ዝተሳለጡ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ብመለክዒ ዓለም ለኸ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ንክትርከብ ከምዘኽኣሉ ኣረዲኦም። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ፕላንን ልመዓትን ስዩም መኮንን ብግደኦም፤ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሪፎርም ብምስላጥ ዝነኣዱ ውፅኢታት ምምዝጋብ ተኻኢሉ እዩ ኢሎም። ኣብቲ መድረኽ፤ ኣፈፃፅማ ትልሚ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብምግምጋም ኣብ ቀፃሊ 3 ኣዋርሕ ብትኹረት ኣብ ዝስርሑ ተግባራት ኣንፈት ከምዝቕመጥ እውን ሓቢሮም።
114 ተወሳኺ ከተማታት ተጠቀምቲ 4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣድቫንስድ ኔትወርክ ኮይነን
Apr 11, 2025 270
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/3/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዞባ ባሌ፣ ዞባ ኣርሲ፣ ምብራቕ ባሌ፣ ዞባ ምዕራብ ኣርሲን ዞባ ምብራቕ ሸዋን ዝርከባ ተወሰኽተ 114 ከተማታት ተጠቀምቲ ቅልጣፈ ዘለዎ ኣገልግሎት 4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣድቫንስድ ሞባይል ኔትወርክ ምግባሩ ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ትካል እናወገኖ ዝነበረ ሰፊሕ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ 4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣድቫንስድ ኔትወርክ ብምዝዛም ኣብ ሪጂን ደቡብ ምብራቕ 58 ከምኡ እውን ኣብ ሪጅን ደቡብ ደቡብ ምብራቕ 56 ብድምር 114 ከተማታት ተጠቀምቲ እቲ ኣገልግሎት ምግባሩ ኣፍሊጡ፡፡ 4ጂ ኤል.ቲ.ኢ ኣድቫንስድ ኔትወርክ ዝለዓለ ቅልጣፈ ዘለዎ ርክብ ኢንተርኔት ጋህዲ ኣብ ምግባር፤ ሓደሽቲ ዕድላት መካተቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ዕቤት ንምኽፋት ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ። ኢትዮ ቴሌኮም ዝለዓለ ቅልጣፈ ኢንተርኔት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብምስፍሕፋሕ መካተቲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ እጃሙ ንምውፃእ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ድማ አመልኪቱ ፡፡
ንስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ዕላማ ተኮር ምግባር ይግባእ” - ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር)
Apr 11, 2025 220
አዲስ ኣበባ/ሚያዚያ/3/2017/ኢዜአ/ዓውዲ በይነመረብን ሕልኽላኽ ድልየታትን ንዝፈጠርዎ ፈተና ድሕረ-ሓቂ ንምፅዋር ንስራሕቲ ሚድያን ኮሙዩኒኬሽን ዕላማ ተኮር ምግባር ይግባእ ክብሉ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ኣተሓሳሲቦም። “ዕላማ ተኮር ኮሙዩኒኬሽን ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል ቴማ ንኣመራርሓታትን ላዕለዎት ሰብሞያን ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ስልጠና እናተውሃበ ይርከብ። እቶም ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ከምዝተዛረብዎ፤ ዓውዲ መርበብ ሓበሬታ ዋሕዚ ሓበሬታ ካብ ሓደ ናብ በዓል ብዙሕ ኣንፈት ዝለወጠን ቅልጣፈ ዝርገሐ ሓበሬታ ኣዘዩ ዘደንፈዐን ምዃኑን ኣልዒሎም፡፡ ዘፈር ኮሙዩኒኬሽን ኣጀንዳታት ብምሕንፃፅ ንሚድያ ብኣጀንዳ ብምምራሕ ዝርግሐ ዝተጋገየ መረዳእታን ብኽለት መረዳእታን ብምንካይ ቑጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ኹለመዳያውን ኣንፈታት መንግስቲ ብመልእኽትታት ኣቢሉ ንኸገንዝብ ብውፅኢቱ 'ውን ንህዝቢ ንኸሳትፍ ገሊፆም።
ሰብ ሞያ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ንእዋናዊ ኩነታት አብ ግምት ዘእተወ ፍልጠት ብምዕጣቐ ንምርግጋፅ ሓበራዊ ረብሓ ክሰርሑ ይግባእ -ቢቂላ ሁሪሳ(ዶ/ር)
Apr 9, 2025 107
  አዲስ አበባ/ሚያዚያ/ 1/2017(ኢዜአ)፦ሰብ ሞያ ሚዲያን ኮሚኒኬሽንን ንእዋናዊ ኩነታት አብ ግምት ዘእተወ ፍልጠት ብምዕጣቐ ንምርግጋፅ ሓበራዊ ረብሓ ክሰርሑ ከምዝግባእ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም ብርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ዝሰናደአ ስልጠና ንኣመራርሓ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን ሎሚ መዓልቲ ምሃብ ተጀሚሩ። እቲ ስልጠና “ድሕረ ሓቂ ዘበን ብሓቂን ፍልጠትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ከምዝተጀመረ ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ሓዊሱ ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ እቲ ስልጠና ተረኺቦም፡፡ እቲ ስልጠና ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝወሃብ ተሓቢሩ፡፡
ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ሓድነታ ዝተጠናኸረት ሃገር ኣብ ምህናፅ እጃሞም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ
Apr 8, 2025 49
  ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/30/ 2017 /ኢዜአ/ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ሓድነታ ዝተጠናኸረት ሃገር ኣብ ምህናፅ ዘለዎም ግደ ዕዙዝ ስለዝኾነ ነዚ ነኸጠናኽሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ሚኒስትር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም፡፡ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ “ዕላማ ተኮር ኮሙዩኒኬሽን ንልዕልና ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓን ላዕለዎት ሰብ ሞያን ኮሙኒኬሽን ውዳበ መንግስቲ ከተማን ክልላትን ስልጠና መዕበዪ ዓቕሚ ይህብ ኣሎ። ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብቲ ስልጠና÷ “ህንፀት መረዳድኢ ተረኽን ግደ ኮሙኒኬተራትን” ብዝብል ርእሲ ፅሑፍ ከምዘቕረቡ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ኣብቲ እዋን ድማ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ምትእስሳር ብምፍጣርን ክብሪታት ሓድነት ብምድንፋዕን ህብረ-ብሄራዊ ሓድነታ ዝተጠናኸረት ሃገር ኣብ ምህናፅ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡ ኣብ ዕላማ ተኮር ኮሙዩኒኬሽን ብምድራኽ ልዕልና ኢትዮጵያ ምብሳር ትኹረት ውዳበ ኮሙኒኬሽን ክኸውን ከምዝግባእ ዘገንዘቡ ድማ ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ኢዮም፡፡ ውዳበ ኮሙኒኬሽን ኩሎም ኣማራፂታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ብምጥቃም ብሄራዊ ያታ ብምህናፅ፤ ፖሊሲታት መንግስቲ፣ ስትራቴጂታትን ምልዕዓላትን ናይ ምፍላጥ ኢሉ እውን ናይ ምስራፅ እጃሙ ንኽዋፃእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ትራንስፖርት ንኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን ዓቕሚ እናፈጠረት እያ-ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን
Apr 4, 2025 57
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /26/2017 (ኢዜኣ) ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሸገር ክልል ኦሮሚያን ኣብ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ጭቡጥ ውፅኢት ዘመዝገቡ ኢንዱስትሪታት ይጉብንዩ ኣለዉ። ኣብ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዓቕሚ ምፍራይ ኢንዱስትሪታት ኣዕብዩ እዩ። እቲ ጎስጓስ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ብምትካእ፣ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ፍርያታት ብፅሬትን ብበዝሕን ንምፍራይ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ፍርያታት ግብርናን መኣድንን ፀጋታት ብምውሳኽ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኸፈተ ዝፍለጥ እዩ። ዋና ዋና ዓላማታት እቲ ሃገራዊ ጎስጓስ ፀገማት መፍረያይ ኢንዱስትሪ ብሓባር ብምፍታሕ ንዘላቒ ልምዓትን ተወዳዳሪነትን እቲ ዓውዲ ምችው ኩነታት ብምፍጣር ንመዋቕራዊ ሽግግር ኢኮኖሚ ናይ ባዕሉ ኣስተዋጽኦ ንከበርክት ምኽኣል እዩ። ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከተማ ሸገር ክልል ኦሮሚያን ኣብ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ጭቡጥ ውፅኢት ዘመዝገቡ ኢንዱስትሪታት ሎሚ እናጎብነዩ እዮም ዝርከቡ። ኣብ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ፈፃሚት ስራሕ ርክብ ህዝብን ኮሙኒኬሽንን ኣበባ ታመነ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ዕላማ እቲ ዑደት ምንቅስቓስ ስራሕ ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ናብ ስራሕ ዝተመለሱ ኢንዱስትሪታት ንምዕዛብ ዝዓለመ እዩ። ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣብቲ ዓውዲ ጭቡጥ ውጸኢት ከምዘመዝገበ እውን ሓቢረን። በቲ ጎስጓስ ብዝተረኸቡ ዝተዋደዱ ኣሰራርሓታት ፀገማት እቲ ዓውዲ ብምፍላይ ተዓፅዮም ዝነበሩ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ከምዝተመለሱ ገሊፀን።
ኢዜኣ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ብምህናፅ ሃገራዊ ሽቶታት ኣብ ምዕዋት እጃሙ ክዋፃእ እዩ
Apr 3, 2025 59
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/ 25/2017 (ኢዜኣ) ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ዓቕሚ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ብምህናፅ ሃገራዊ ሽቶታት ኣብ ምዕዋት እጃሙ ከምዝዋፃእ ምክትል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ገሊፆም። ኢዜኣ ካብ ዜና ብተወሳኺ ዓቕሚ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ትካላት ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት መመሓየሽታት ሞያ ብምሃብ እውን ይፍለጥ እዩ። እቲ ትካል ቅድሚ ሕዚ ብርክት ንዝበሉ ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽን ኣብ ኣፀባፅባ ዜና፣ኤዲቲንግን ቀረፃን ቪድዮ፣ኣብ ኣወሳስዳ ፎተን ተዛመድቲ ሞያታትን ዓቕሞም ዘዕቢ ስልጠና ብምሃብ እጃሙ ተዋፂኡ እዩ። ኣካል እዚ ዝኾነን ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ፌዴራል ንዝተውፃእፅኡን ሰብ ሞያ ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ክወሃብ ዝፀንሐ ስልጠና ተዛዚሙ። ምክትል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ኢዜኣ ኣይተ ነጋሲ ኣምባዬ ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ተረኺቦም ከምዝበልዎ፣ እቲ ትካል ሓበሬታ ካብ ምብፃሕ ብተወሳኺ ሰብ ሞያታት ኮሙኒኬሽን ብስልጠና ንምብቃዕ እጃሙ እናተዋጽአ እዩ ዝርከብ። እቶም ሰብ ሞያ በቲ ስልጠና ዝረኸብዎ ፍልጠትን ክእለትን ናብ ተግባር ብምቕያር ንለውጢ ትካሎም ክሰርሑ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ኣብ ቀፃሊ እውን ኢዜኣ ተበፃሕነት ሓበሬታ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝህቦ ስልጠና ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅለሉ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ናብቲ ትሓስቦ ብልፅግና ንምሽግጋር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ እጃሙ ክዋፃእ እዩ እውን ኢሎም። ተሳተፍቲ እቲ ስልጠና ብግደኦም፤ ኣብ ጻንሒቶም ፅቡቕ ፍልጠትን ክእለትን ሞያ ከምዝረኸቡ ገሊጾም። ኢዜኣ ንዝተፈላለዩ ትካላት ዝህቦ ስልጠና ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘዎ ብምሕባር፤ እቶም ስልጠናታት ትካላት ፍልጠት ማእኸል ዝገበረ ኣሰራርሓ ብምኽታል ዝሓሸ ስራሕ ንክሰርሑ ከምዝሕግዞም ኣረዲኦም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍንዉዎም ሓበሬታታት ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽሩ ክኾኑ ይግባእ
Apr 1, 2025 76
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /23/2017 (ኢዜኣ) መራኸብቲ ሓፋሽ ዝፍንዉዎም ሓበሬታታት ትኽክለኛን ሓድነት ህዝቢ ዘጠናኽሩን ክኾኑ ከምዝግባእ ኢዜኣ ዘዘራረቦም ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም። ኣብዚ ሰሙን ብመራኸብቲ ሓፋሽን መማረፅታት ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ሃገር ፀገም ንምፍጣር ዝዓለመ ዝተዋደደ ስኑዕ ሓበሬታ ከምዝተዘርገሐ ዝፍለጥ እዩ። ኣብዚ ጉዳይ መሰረት ብምግባር ኢዜኣ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ ጉድኣት ስኑዕ ሓበሬታ ካብ ውልቀ ክሳብ ሃገር እዩ ኢሎም። መራኸብቲ ሓፋሽ ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ፅልዋ ናይ ምሕዳር ዓቕሞም ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንህንፀት ሃገር ሃናፂ እጃም ኣብ ዘበርክቱ ጉዳያት ትኹረት ንክገብሩ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ ሓቲቶም። ካብቶም ወሃብቲ ርኢቶ ኣብዱሰመድ ሁሴን(ዶ/ር)፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ብዝሃ ሃይማኖት፣መንነታትን ኣተሓሳስባታትን ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዕ ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። ኣብ ፀብፃባቶም እውን ረብሓ ሃገርን ሀዝብን ከቐድሙ ከምዝግባእ ብምሕባር፤ ዝፍንዉዎ ትሕዝቶ ቅድሚ ምዝርግሑ ሓቃውነቱ ከረጋግፁ ከምዘለዎም ሓቢሮም። መንእሰይ ከመሸ ሃይለማርያም ብግድኡ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓዊሱ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፃት ዝዝርግሑ ሓበሬታታት እቲ ሕብረተሰብ ብኣፅንኦት ክከታተሎም ኣለዎ ኢሉ። ዝተዛብዑ ወይ ድማ ስኑዓት ሓበሬታታት እንትዝርግሑ እውን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምጥቋም ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ ክብል ሓቢሩ። ካሊእ ወሃቢ ርኢቶ ኣይተ ሃጂ ሰላም ሃጂ ኣባ መጫ ከምዝበልዎ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘለዎም ፅልዋ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ብምጥቃም ኣብ ፀጋታት ምክብባር፣ፍቕርን ሓድነትን ጠመተ ዝገበሩ ስራሕቲ ከሳልጡ ከምዝግባእ ተዛሪቦም። መራኸብቲ ሓፋሽ ንቅዋም ተገዛእቲ ኮይኖም ክሰርሑ ኣለዎም ዝበለ መንእሰይ ደረጀ ካሳ፤ መራኸብቲ ሓፋሽ ህንፀት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ንምጥንኻር ዝለዓለ ዓቕሚ ኣለዎም ኢሉ። መንእሰይ ራህመት ዲኖ ብግደኣ፤ መራኸብቲ ሓፋሽን ማህበራዊ ሚድያታትን ትኽክለኛን ሚዛናውን ሓበሬታታት ብምፍናው ንረብሓ ህዝቢ ቀዳምነት ሂቦም ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣረዲኣ።
መሪሕ ያታ ምልዕዓል ልምዓት፣ ዝምድና ሓበራዊነትን ሕውነትን ይፈጥር-ዲያቆን ዳንኤል ክብረት
Mar 25, 2025 86
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/16/ 2017 /ኢዜአ/ዘተኣኻኽብ ያታ ሓበራዊነት ሰባት፣ ክብሪ ማንነት ንኽጉልብት ይሕግዝ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣማኻሪ ዓውዲ ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም፡፡ ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ “መሪሕ ያታ ንምህናፅ ውፅኢታዊ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ስልጠና ይውሃብ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ስልጠና ዲያቆን ዳንኤል ክብረት÷ መሪሕ ያታ ታሪኽ ሃገር ንመፃኢ ተስፋን ሎሚን ዘለዎ ግደ ዝፍጠሩ ኩነታት እንዕዘበሉ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ መፃኢ ዕጫ ኢትዮጵያ ዝውሰን ብያታ ብምዃኑ ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን እዙይ ብምጉላህ ሓበራዊነት ህዝቢን ሰናይ ክብሪን ክጉልብቱ ክሕግዝ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡ ኣብቲ ስልጠና ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዲላሞ ኦቶሬን (ዶ/ር )፣ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ዘሪሁን እሸቱን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብቲ መድረኽ ምርካቦም ኣብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ መሪሕ ያታ ምልዕዓል ልምዓት፣ ዝምድና ሓበራዊነትን ሕውነትን ይፈጥር-ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት/16/ 2017 /ኢዜአ/ዘተኣኻኽብ ያታ ሓበራዊነት ሰባት፣ ክብሪ ማንነት ንኽጉልብት ይሕግዝ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ኣማኻሪ ዓውዲ ማሕበራዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሙሃዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ገሊፆም፡፡ ኣብ ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ “መሪሕ ያታ ንምህናፅ ውፅኢታዊ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓታት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ስልጠና ይውሃብ ኣሎ፡፡ ኣብቲ ስልጠና ዲያቆን ዳንኤል ክብረት÷ መሪሕ ያታ ታሪኽ ሃገር ንመፃኢ ተስፋን ሎሚን ዘለዎ ግደ ዝፍጠሩ ኩነታት እንዕዘበሉ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡ መፃኢ ዕጫ ኢትዮጵያ ዝውሰን ብያታ ብምዃኑ ኣብ ዓውዲ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን እዙይ ብምጉላህ ሓበራዊነት ህዝቢን ሰናይ ክብሪን ክጉልብቱ ክሕግዝ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡ ኣብቲ ስልጠና ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዲላሞ ኦቶሬን (ዶ/ር )፣ ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ዘሪሁን እሸቱን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብቲ መድረኽ ምርካቦም ኣብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
 ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ እጃሙ ንከበርክት ምስራሕ ይግባእ
Mar 24, 2025 80
  ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/15/ 2017 /ኢዜአ/ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስትን ትካላትን እጃሙ ንከበርክት ምስራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡ “መሪሕ ያታ ንምህናፅ ውፅኢታዊ ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኮሙኒኬሽንን ኣመራርሓታት ሚዲያን ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ስልጠና ዓቕሚ ህንፀት ኣብ ከተማ ወልቂጤ ይሳለጥ ኣሎ፡፡ ሓላፊ ሚኒስትር ዓውዲ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግናን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)ን ሓላፊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ማእኸላዊ ኢትዮጵያ ዲላሞ ኦቶሬን (ዶ/ር )ን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም፡፡ እቲ ስልጠና ውፅኢታዊ ስርዓት ሚዲያን ኮሙኒኬሽንን ብምዝርጋሕ ኣብ ተበፃሕነት ሓበሬታ ሓበራዊ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ክህልዎ ኢዩ ተባሂሉ። ንህዝቢ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ምልዕዓል ኣብ ምፍጣር እውን ሓጋዚ ከምዝኸውን ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ሜዲካል ኮሌጅ ለካቲት 12 ሆስፒታል ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘምሀሮም ተመሃሮ ኣመሪቑ
Mar 22, 2025 76
  ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/13/ 2017 /ኢዜአ/ ሜዲካል ኮሌጅ ለካቲት 12 ሆስፒታል ሎሚ ዕለት ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘሰልጠኖም ተመሃሮ ኣመሪቑ፡፡ እቲ ሜዲካል ኮሌጅ÷ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች አበቤ ኣብ ዝተረኸባሉ ብ ማስተርስን ዶክትሬት ዲግሪን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም ተመሃሮ እዩ ዘመረቐ፡፡ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ኣብቲ እዋን ÷ግልጋሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር ሕማም ንምክልኻልን ሓኪምካ ምድሓንን እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣረዲኤን፡፡ ኣብታ ከተማ ዓበይቲ ሪፈራል ሆስፒታላት ካብ ምህናፅ ኣልዒሉ ሆስፒታላት ብምምዕባል ናውትታት ሕክምናን ብቑዕ ሓይሊ ሰብን ኣብ ምምላእን ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡ ቱሪዝም ዓውዲ ጥዕና ንምዕባይ ብመንግስቲ ጥራሕ እኹል ብዘይምዃኑ ኣብ ውልቀ ዘፈር ንምስታፍ ጠመተ ከምዝተውሃቦ ኣረዲኤን፡፡ ሎሚ ዕለት ዝምረቑ ዘለው ሰብ ሙያታት ሙያኦም ብዝፈቕዶ ስነ-ምግባር ህዝብን ሃገርን ከገልግሉ ኣተሓሳሲበን፡፡
ዞባዊ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ምትእምማንን ብርቱዕ ምትሕብባርን መራሕቲ ይሓትት-ጋዜጠኛታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ
Mar 15, 2025 84
  ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት /6/2017 (ኢዜኣ) መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ንክረጋገፅ ኣብ ምትእምማን መሰረት ዝገበረ ምትሕብባር ከጠናኽሩ ከምዘለዎም ኢዜኣ ዘዘራረቦም ጋዜጠኛታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ገሊፆም። ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ጋዜጠኛታት ኣብ ዞባዊ ሰላም፣ልምዓትን ምትእስሳርን ጠመተ ብምግባር ኣብ ስቱድዮ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ዘትዮም። እቶም ጋዜጠኛታት ኣብ ዝነበሮም ዘተ፤ መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ሃገራውን ዞባውን ዘላቒ ሰላምን ምርግጋዕን ንምርግጋፅ ኣብ ምትእምማን መሰረት ዝገበረ ምትሕብባር ከጠናኽሩ ከምዘለዎም ገሊፆም። ኬንያዊ ጋዜጠኛ ናሊስተን ጃጊ፤ ተለዋዋጢ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ብመሰረት”ንኣፍሪካዊ ፀገም፤ ኣፍሪካዊ መፍትሒ” ዝብል ቀዋም ንዘላቒ ሰላም ምትሕብባር ይግባእ ኢሉ። ጋዜጠኛ ደቡብ ሱዳን ናሊስተን ጃጊ ብግድኡ፤ ንዞባዊ ፀገማት ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ካሊእ ብዝሓሸ ብቐረባ ምዝታይን ነቲ ፀገም መፍትሒ ምንዳይን እምበር ሳልሳይ ወገን ምዕዳምን እቲ ጉዳይ ምግዳድን ከምዘይግበአን ሓቢሩ። ኡጋንዳዊት ጋዜጠኛ ዲያና ኣኩሎ፤ ሰላም ንምርግጋፅ ሚድያ ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ብምሕባር ጋዜጠኛታት ጎንፂ ኣብ ምግዳድ ዘይኮነስ ዞባዊ ሓድነትን ሰላምን ኣብ ምርግጋፅ ንክሰርሑ ሓቲታ። ዝተዛብዑን ዝተሰሓሓቱን ሓበሬታታት ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው እናፈጠርሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን እቲ ትኽክለኛ ሓበሬታ ኣብ እዋኑ ምዝርጋሕ ኣድላይ ከምዝኾ እውን ተዛሪባ።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም