ማሕበራዊ
አደባባይ ደቂ አንስትዮ ኩለ መዳያዊ ታራ ደቂ አንስትዮ ብዝገልፅ መልክዑ ታሃኒፁ-ከንቲባ አዳነች አቤቤ
Apr 23, 2025 39
  አዲስ አበባ/ ሚያዚያ /15/2017 (ኢዜአ)፦አደባባይ ደቂ አንስትዮ ደቂ አንስትዮ ኣብ ዘፈራት ኢኮኖሚ፣ ማህበራዊ ን ፖለቲካ ውን ዘለወን ወሳኒ ታራ ብዝገልፅ መልክዑ ምህናፁ ልዑል ውፅኢት እዩ ክብላ ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን። ሓደ ኣካል እቲ ትማሊ ዝተመረቐ ኮሪደር ካዛንቺስን ዳግማይ ልምዓትን ዝኾነ ኣደባባይ ደቂ ኣንስትዮ ሓፈሻዊ ግደ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ህንፀት ወለዶ ዘለወን ዓብዪ ተራን ብዘጉልህ መልክዑ ሃኒፅና ኢለን ። እቲ ኣደባባይ ስያመኡ ካብ ዝረክብ ዝፀንሐ እንተኾነ 'ውን፤ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ከርእይ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ዝተፈለየ መግለፂ ዘይነበሮን እቲ ከባቢ ንዓይኒ ብዙሕ ዘይምችው ዝነበረ እንትኸውን፤ ብስራሕቲ ዳግማይ ልምዓት ካዛንቺስ ግና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ወሳኒ ግደ ብዝገልፅ መልክዑ ተሃኒፁ። ንጓል ኣንስተይቲ ምኽባርን ምብቃዕን መግለፂ ስልጣነን መሰረት ብልፅግና ሃገርን ብምዃኑ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ነዚ ንምርግጋፅ ንስራሕ ክብላ መልእኸተን አማሓላሊፈን።
ዝናብ በልጊ ስዒቡ ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ንምክልኻል እቲ ሕብረተሰብ ኣድላይ ጥንቃቕ ክገብር ኣለዎ-ሚኒስቴር ጥዕና
Apr 22, 2025 90
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 14/2017 (ኢዜኣ) ዝናብ በልጊ ስዒቡ ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ንምክልኻል እቲ ሕብረተሰብ ኣድላይ ዝኾኑ ስራሕቲ ጥንቃቕ ክገብር ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶ”ሓደሽቲ ፈጠራታትን ሃፍትታትን ብምውዳድ ብኩለመዳያዊ ቆራፅነት ዓሶ ንከላኸል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 16 ክሳብ 18 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ከምዝኽበር ተገሊፁ። ምኽባር ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶ ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምስፋሕን ክፍተታት ንምእራምን ግንዛበ ማሕበረሰብ ዘዕብዩ ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዘኽእል ተሓቢሩ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጄ ድጉማ ኣብዚ ጉዳይን እዋናዊ ምስፍሕፋሕ ዓሶን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም። ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ምስፍሕፋሕ ሕማም ዓሶ ንምቕናስ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር ዝሓሸ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሚልዮን ንዝኾኑ ሰባት ምርመራ ብምግባር ሕማም ዓሶ ዝተረኸበሎም ደገፍን ክትትልን ሕክምና ከምዝተገበረሎም ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እውን ልዑል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ኣብ ዝረኣየሎም 202 ወረዳታት ክትትል ከምዝተገበረን መጠን እቲ ምስፍሕፋሕ ልዕሊ ፍርቂ ምቕናስ ከምዝተኽኣለን ተዛሪቦም። እቲ ውፅኢት ምስ ክልላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶ እዚ ዓመት እውን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ከምዝኽበር ብምግላፅ፤ ካብ 16 ክሳብ 18 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ምስ ክልል ኦሮሚያ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ጅማ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሳይንሳዊ ኮንፈረንስን ሲምፖዜምን ካብቶም መርሃ ግብርታት እቲ ሓደ እዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ንዓሶ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት እቲ ሕብረተሰብ ማይ ዝዓቖሩ ቦታታት ብምድህሳስን ከባቢኡ ብምፅራይን ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለዎ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ እዋን በልጊ ስዒቡ ክህልው ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ንምክልኻል ኩሉ እጃሙ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
መንግስቲ ፍትሓዊ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ኩሎም ከባብታት ንምዝርጋሕ እናሰርሐ እዩ-ሚኒስትር ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር ኢ/ር)
Apr 22, 2025 79
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 14/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ ፍትሓዊ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ኩሎም ከባብታት ንምዝርጋሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ኩርሙክ ብልዕሊ 299 ሚልየን ብር ወጻኢ ዝተሃነጸ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ እቲ ከባብን ሆርኣዛሃብን ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ። ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር ኢ/ር) ኣብቲ ምረቓ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣብ ኩሎም ከባብታት ፍትሓዊ ስራሕቲ ልምዓት ንምዝርጋሕ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ቆላ ዝረአ ፀገም ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ህንፀት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ፅሩይ ዝስተ ማይ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም። ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ እቲ ከባብን ሆርኣዛሃብን ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ካብ ምፍታሕ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ንዝፈሪ ፍርያት መዓድን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ሓቢሮም። እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ዝተተለመሉ እዋን ንክዛዘም እውን እቲ ሚኒስቴር ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም። ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻደሊ ሐሰን ብግደኦም፤ መንግስቲ ሕቶ ልምዓት ሕብረተሰብ ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም። ሓላፊት ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ወይዘሮ ሀጂራ ኢብራሂም፤ እቲ ፕሮጀክት ሓፈሻዊ ሽፋን ማይ እቲ ክልል ናብ 71 ሚኢታዊ ከምዘዕብዮ ገሊፀን። እቲ ፕሮጀክት ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ን8 ማሕበራዊ ትካላት ኣገልግሎት ከምዝህብ ብምሕባር፤ ኣብያት ትምህርቲ፣ትካላት ጥዕናን ሃይማኖትን እውን ኣብዚ ፕሮጀክት ተጠቀምቲ ንክኾኑ ከምዝተገበረ ኣረዲአን።
ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ
Apr 19, 2025 73
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /11/2017 (ኢዜኣ) ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ። ሰዓብቲ እቲ እምነት እቲ በዓል ብሰላምን ሓጎስን ንከኽብሩ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ብምውዳድ ኣድላይ ምድላው ከምዝገበረ ገሊፁ። እቲ በዓል ኣብ ምኽባር ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽእሉ ነገራት ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ስራሕ ምኽባር ፀጥታ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብበዓል ዋናነት ብምስታፍ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብዝበለጸ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ማሕበረሰብ ስግኣት ፀጥታ ክኾኑ ዝኽእሉ ዘጠራጥሩ ነገራት እንትዕዘብ ብመተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታት(EFP App)ን ብነፃ መስመር ስልኪ 991ን ጥቆማ ብምሃብ ዜግነታዊ ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ። ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላም፣ጥዕና፣ፍቕርን ሓድነትን በዓል ንክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።
ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ተጀሚሩ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Apr 19, 2025 33
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /11/ 2017 /ኢዜአ/ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ተጀሚሩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ንበዓል ትንሳኤ እንዃዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ መግለፂ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም፡፡ ኣብ መልእኽቶም÷ ፀጋ ኢትዮጵያ ንዓለም ይግለፅ ኣሎ ኢሎም፡፡ ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ቀፂሉ ይቐርብ፡- እንዃዕ ንበዓል ትንሳኤ ኣብፀሐኩም ትንሣኤ ናይ ዓወት በዓል እዩ። ባዕልና ክሳብ ዘይተሳዕርና ዝስዕረና ሰብ ከምዘየለ ንመሃረሉ። ሮማውያንን ኣይሁድን ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝኽእልዎ ኩሉ ገይሮም ነይሮም። ፈሪዶምሉ፤ ገሪፈምዎ፤ ሰቒሎም ቀቲለምዎ፡፡ ኣብ መወዳታ ኣብ መቓብር ቀቢሮም ነቲ መቓብር ሓተምዎ። እዚ ዅሉ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መቓብር ኣሲሮምዎ ግና ካብ ትንሳኤ ኣይዓገቶን፡፡ ኣብ ትንሣኤ ለይቲ ሞትን መቓብርን ነበረያ ነበረ ኮይኑ፡፡ እዚ ኩሉ ዕግርግርን ጫውጫውን ብኸንቱ ኮይኑ። ኣብ ጥቓ ሞት ህይወት ኣብ ጥቓ መቓብር ድማ ትንሳኤ ተራእየ። ንሓቂ መን እዩ ክስዕራ ዝኽእል? ንፀሓይ መን ክሽፍና ይኽእል? እቲ ህቦብላን ኣውሎ ንፋስን ንምስዓር ዝተዳለወ እዩ፡፡እቲ ጫውጫውን ዕግርግርን ክፈርሑ ዝተዳለወ እዩ፡፡ወረን ሕሜታን ነቶም ክስንብዱ ዝተዳለዉ ጥራይ እዩ ዘሰንብዶም። ክስዕሩ ዝወሰኑ ማንም ዝዓግቶም የለን። ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፋሕፋሕ ተጀሚሩ። እቲ ጫውጫው ይሓልፍ ኣሎ። ፀልማት ይወግሕ ኣሎ። እቲ ሽርሒ ይፍታሕ ኣሎ። ኩሉ ንድሕሪት ይሓድጎም ኣሎ። ፀጋ ኢትዮጵያ ንዓለም ይግለፅ ኣሎ። ኩሎም ኣብ ኣደባባይ ጲላጦስ ኣብ ኢትዮያ ዝበኽዩ ዝነበሩ ኩሎም ኣእዳዎም ኣብ ኣፎም ከንብሩ እዮም። ኢትዮጵያ ዓይኖም ከፊቶም ክትለዓል ክርእዩ እዮም። ከም ‘እቲ ዝተወግአ ክርኢ እዩ’ ዝብሉ። ብድጋሚ ርሑስ በዓል ይኹነልና።
ርእሰ ምምሕዳር ክልላት ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Apr 19, 2025 17
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 11/2017 (ኢዜኣ) ርእሰ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ክልላት ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ዝጠመዩ ብምብላዕ፣ዝዓረቑ ብምኽዳንን ዝሓመሙ ብምሕታትን ክኸውን ይግባእ ኢሎም። እቲ በዓል ፤ ናይ ሰላም፣ፍቕሪ፣ሓድነትን ይቅርታን በዓል ንክኸውን እውን ተመንዮም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ(ዶ/ር ኢ/ር) ብግደኦም፤ እቲ በዓል እንትነኽብር ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዘፈር ስራሕ ብምትጋህ ብልፅግና እነረጋግፀሉ ክኸውን ይግባእ ኢሎም። ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ በዓል እንተኽብሩ ዝተፀገሙ ብምሕሳብን መኣዲ ብምክፋልን ንከኽብርዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው(ዶ/ር)፤ እቲ በዓል እንትነኽብር ሓባራዊ ፀጋታትና መሰረት ዝገበረ ሕብረ ብሄራዊ ኢትዮጵያዊ ሓድነት ንምጥንኻርን ጠንካራ ሃገር ንምህናጽን ብሓባር ብምትጋህ ክኸውን ይግባእ ኢሎም። እቲ በዓል፤ ናይ ፍቕርን ሰላምን በዓል ንክኸውን እውን ተመንዮም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ፤ በዓል ትንሳኤ ዝተፀገሙ ወገናት ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ብዘላቕነት ዓርሶም ንክኽእሉ ብምስራሕ ክነኽብሮ ኣለና ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ብሓድነትን ብምትሕብባርን ፈተናታት ብፅንዓት ብምሽጋር ንሰላምን ልምዓትን ትልምታትና ብሓባር ብምርብራብ ጉዕዞ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንምፅናዕ ብምስራሕ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም። ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ በዓል እንተኽብሩ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ዓቕሚ ንዘይብሎም ብምክፋልን ንክኸውን ፃውዒት ዘቅረቡ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ እዮም። ሰላም ህዝብና ብምርግጋፅ ትንሳኤ ልምዓትናን ብልፅግናናን ምቅልጣፍ ይግባእ ክብሉ እውን ወሲኾም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሀሰን እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ እቲ በዓል ምትሕስሳብ፣ምትሕዝዛንን ምትሕግጋዝን ብተግባር ምርኣይ ዝተለመደሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም። እዚ ተግባር ምትሕግጋዝ ድሕሪ እቲ በዓል እውን ብዝበለፀ ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ጋትሉዋክ ሮን(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ እዚ እዋን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነትን ሕብረ ብሄራዊነትን ዝሓትት ስለዝኾነ እቲ በዓል እንትነኽብር ብኢትዮጵያዊ ባህሊ ክኸውን ይግባእ ኢሎም። ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እውን እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ሓድነት፣ምትሕስሳብ፣ሓጎስን ፍቕርን በዓል ንክኸውን ተመንዮም።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም