ማሕበራዊ - ኢዜአ ትግርኛ
ማሕበራዊ
ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዎም ምትሕብባር አጎልቢቶም ክቐፅሉ እዮም -ዶክተር መቅደስ ዳባ
Apr 23, 2025 86
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዎም ምትሕብባር አጎልቢቶም ክቐፅሉ እዮም ክብላ ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን ፡፡ ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእለን ሰነድ ስምምዕነት ከቲመን፡፡ እቲ ስምምዕነት፤ ኣብ ንፅህና፣ ለበዳ ሕማማት ኣቐዲምካ ብምፅናዕ ብብቕዓትን ብቕልጣፈን ንምክልኻል እተን ሃገራት ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ። መንግስቲ ሩስያ አብ ኢትዮጵያ ንዝፈር ጥዕና ንምዝማን ዘኸእል ዘመናዊ ተንቐሳቓሲ ላቦራቶሪ ደገፍ ገይሩ ። ሚነስትር ጥዒና ዶክተር መቅደስ ዳባ ነቲ ደገፍ ካብ ፓፓቮንን ሓላፊ አገልግሎት ቑፅፅር ሰብአዊ ድሕንነትን ሓለዋ መሰል ዓማውል ፌዴራል ሩስያ ተረኪበን ።
አደባባይ ደቂ አንስትዮ ኩለ መዳያዊ ታራ ደቂ አንስትዮ ብዝገልፅ መልክዑ ታሃኒፁ-ከንቲባ አዳነች አቤቤ
Apr 23, 2025 39
አዲስ አበባ/ ሚያዚያ /15/2017 (ኢዜአ)፦አደባባይ ደቂ አንስትዮ ደቂ አንስትዮ ኣብ ዘፈራት ኢኮኖሚ፣ ማህበራዊ ን ፖለቲካ ውን ዘለወን ወሳኒ ታራ ብዝገልፅ መልክዑ ምህናፁ ልዑል ውፅኢት እዩ ክብላ ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ አዳነች አቤቤ ገሊፀን። ሓደ ኣካል እቲ ትማሊ ዝተመረቐ ኮሪደር ካዛንቺስን ዳግማይ ልምዓትን ዝኾነ ኣደባባይ ደቂ ኣንስትዮ ሓፈሻዊ ግደ ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ህንፀት ወለዶ ዘለወን ዓብዪ ተራን ብዘጉልህ መልክዑ ሃኒፅና ኢለን ። እቲ ኣደባባይ ስያመኡ ካብ ዝረክብ ዝፀንሐ እንተኾነ 'ውን፤ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ከርእይ ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት ዝተፈለየ መግለፂ ዘይነበሮን እቲ ከባቢ ንዓይኒ ብዙሕ ዘይምችው ዝነበረ እንትኸውን፤ ብስራሕቲ ዳግማይ ልምዓት ካዛንቺስ ግና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዓውድታት ወሳኒ ግደ ብዝገልፅ መልክዑ ተሃኒፁ። ንጓል ኣንስተይቲ ምኽባርን ምብቃዕን መግለፂ ስልጣነን መሰረት ብልፅግና ሃገርን ብምዃኑ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ነዚ ንምርግጋፅ ንስራሕ ክብላ መልእኸተን አማሓላሊፈን።
ዝናብ በልጊ ስዒቡ ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ንምክልኻል እቲ ሕብረተሰብ ኣድላይ ጥንቃቕ ክገብር ኣለዎ-ሚኒስቴር ጥዕና
Apr 22, 2025 90
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 14/2017 (ኢዜኣ) ዝናብ በልጊ ስዒቡ ከጋጥም ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ንምክልኻል እቲ ሕብረተሰብ ኣድላይ ዝኾኑ ስራሕቲ ጥንቃቕ ክገብር ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ። ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶ”ሓደሽቲ ፈጠራታትን ሃፍትታትን ብምውዳድ ብኩለመዳያዊ ቆራፅነት ዓሶ ንከላኸል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 16 ክሳብ 18 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ከምዝኽበር ተገሊፁ። ምኽባር ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶ ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምስፋሕን ክፍተታት ንምእራምን ግንዛበ ማሕበረሰብ ዘዕብዩ ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዘኽእል ተሓቢሩ። ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጄ ድጉማ ኣብዚ ጉዳይን እዋናዊ ምስፍሕፋሕ ዓሶን ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም። ኣብ መግለፂኦም እውን፤ ምስፍሕፋሕ ሕማም ዓሶ ንምቕናስ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር ዝሓሸ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ እውን ገሊፆም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ልዕሊ 20 ሚልዮን ንዝኾኑ ሰባት ምርመራ ብምግባር ሕማም ዓሶ ዝተረኸበሎም ደገፍን ክትትልን ሕክምና ከምዝተገበረሎም ኣረዲኦም። ብተወሳኺ እውን ልዑል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ኣብ ዝረኣየሎም 202 ወረዳታት ክትትል ከምዝተገበረን መጠን እቲ ምስፍሕፋሕ ልዕሊ ፍርቂ ምቕናስ ከምዝተኽኣለን ተዛሪቦም። እቲ ውፅኢት ምስ ክልላትን ዝምልከቶም ኣካላትን ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስራሕ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም። ዓለም ለኸ መዓልቲ ዓሶ እዚ ዓመት እውን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ከምዝኽበር ብምግላፅ፤ ካብ 16 ክሳብ 18 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ምስ ክልል ኦሮሚያ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ ጅማ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ሳይንሳዊ ኮንፈረንስን ሲምፖዜምን ካብቶም መርሃ ግብርታት እቲ ሓደ እዩ ኢሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ንዓሶ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ከባብታት እቲ ሕብረተሰብ ማይ ዝዓቖሩ ቦታታት ብምድህሳስን ከባቢኡ ብምፅራይን ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለዎ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ተዛሪቦም። ብፍላይ ድማ እዋን በልጊ ስዒቡ ክህልው ዝኽእል ምስፍሕፋሕ ዓሶ ንምክልኻል ኩሉ እጃሙ ንክዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
መንግስቲ ፍትሓዊ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ኩሎም ከባብታት ንምዝርጋሕ እናሰርሐ እዩ-ሚኒስትር ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር ኢ/ር)
Apr 22, 2025 79
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 14/2017 (ኢዜኣ) መንግስቲ ፍትሓዊ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ኩሎም ከባብታት ንምዝርጋሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም። ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ኩርሙክ ብልዕሊ 299 ሚልየን ብር ወጻኢ ዝተሃነጸ ፕሮጀክት ፅሩይ ዝስተ ማይ እቲ ከባብን ሆርኣዛሃብን ተመሪቑ ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኑ። ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር ኢ/ር) ኣብቲ ምረቓ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ኣብ ኩሎም ከባብታት ፍትሓዊ ስራሕቲ ልምዓት ንምዝርጋሕ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ። ብፍላይ ድማ ኣብ ከባብታት ቆላ ዝረአ ፀገም ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ህንፀት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ፅሩይ ዝስተ ማይ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም። ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ እቲ ከባብን ሆርኣዛሃብን ፀገም ፅሩይ ዝስተ ማይ ካብ ምፍታሕ ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ንዝፈሪ ፍርያት መዓድን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ሓቢሮም። እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ዝተተለመሉ እዋን ንክዛዘም እውን እቲ ሚኒስቴር ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ብምትሕብባር እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም። ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻደሊ ሐሰን ብግደኦም፤ መንግስቲ ሕቶ ልምዓት ሕብረተሰብ ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም። ሓላፊት ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ወይዘሮ ሀጂራ ኢብራሂም፤ እቲ ፕሮጀክት ሓፈሻዊ ሽፋን ማይ እቲ ክልል ናብ 71 ሚኢታዊ ከምዘዕብዮ ገሊፀን። እቲ ፕሮጀክት ንማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ን8 ማሕበራዊ ትካላት ኣገልግሎት ከምዝህብ ብምሕባር፤ ኣብያት ትምህርቲ፣ትካላት ጥዕናን ሃይማኖትን እውን ኣብዚ ፕሮጀክት ተጠቀምቲ ንክኾኑ ከምዝተገበረ ኣረዲአን።
ፕሬዝዳንት ቤት ምኸሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሸኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ብሕልፈት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
Apr 22, 2025 37
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/14/ 2017 /ኢዜአ/ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሸኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ብሕልፈት መራሒ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡ እቶም ፕሬዚዳንት ናብ ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነ ኢየሱስ ኣብ ዝለኣኹዎ መግለፂ ሓዘን ብሕልፈተ ህይወት ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ፤ ንስድረኦምን ነመሳርሕቶምን ፅንዓት ተመኒዮም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ብሕልፈት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
Apr 21, 2025 111
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/13/ 2017 /ኢዜአ/ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብሕልፈት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መግለፂ ሓዘን፤ ብሕልፈት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ሕልፈት መሪር ሓዘን ተሰሚዑኒ” ኢሎም፡፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፤ ንእምነት፣ ንሰብኣዊነትን ንዓለም ሰላምን ከምዘገልገሉ ፀሪሖም፡፡
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ብሕልፈት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
Apr 21, 2025 45
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/13/ 2017 /ኢዜአ/ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ብሕልፈተ ህይወት መራሒ ካቶሊክ ቤተክርስቲያን ሮም ዝኾኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን ገሊፆም፡፡ እቶም ፓትርያርክ ንመላእ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮምን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምእመናን ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ካቶሊካውያን ኢትዮጵያ ብሽም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ሓዘኖም ገሊፆም።
3 ሺሕንህ 285 ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
Apr 21, 2025 43
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/13/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 3 ሺሕን 285 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡ ተመለስቲ 2 ሺሕን 747 ደቂ ተባዕትዮ፣ 508 ደቂ ኣንስትዮን 30 ዕሸል ህፃናትን እንትኾኑ÷ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 159 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ከምዝርከቡዎም ተገሊፁ፡፡ ንተመለስቲ ዜጋታት ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ብምግባር ምስ ስድራኦም ናይ ምርኻብ ስራሕ እናተወገነ ከምዝርከብ ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ፖፕ ፍራንሲስ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም
Apr 21, 2025 36
አዲስ አበባ/ሚያዝያ/13/2017/ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ህይወት ፖፕ ፍራንሲስ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም። ሊቀጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ኽርስትያን ሮማ ፖፕ ፍራንሲስ አብ ምበል 88 ዓመቶም ሎማዓንቲ ካብ እዛ ዓለም ድኻም ዓሪፎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚድያኦም ኣብ ዘስፈርዎ መግለፂ ሓዘን ብሕልፈት ሊቀጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ኽርስትያን ሮማ ፖፕ ፍራንሲስ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም።
ከንቲባ አዳነች አቤቤ በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላም፣ ፍቅሪን ሓጎስን ንኽኾነሎም ሰናይ ትምኒተን ገለፀን
Apr 20, 2025 63
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ብፆምን ፀሎትን ዘሕለፉ ዓቅመ ደካማታት፣ ጉዱኣት ኣካልን ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ዝተቃልዑ ወገናትን መአዲ ኣኽፊለን። ፆም ክፈትሑ እናገበርና ንርከብ ብባህልና መሰረት ካልኦት ለይቲ ፆም እንትፈትሑን በዓል ቴንሳኤ በድምቀት እንተኽብሩን ሓታቲ ዘይብሎም ኣረጋውያን፣ ናይ ሃገር ሰብ ውዕለታን ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ዝተቃልዑ ወገናትን ኣብ እዋን ፆም ብፀሎት አሕሊፎም አብ ምፍትሑ ብሕትነት ከይስመዖም እቲ ምምሕዳር ኩሉ ግዘ ከመዘይርሰዖም ንምርኣይን ፍቅሪ ንምግላፅን ኢዩ ኢለን እተን ከንቲባ። እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ ፍቅሪን ሓጎስን ንኽኾነሎም እውን ሰናይ ትምኒተን ምግላፀን ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣመልኪቱ።
ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ
Apr 19, 2025 124
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 11/2017 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ህዝበ ክርስትያን እቲ በዓል እንተኽብር ከምቲ ዝተለመደ ባህሊ ምድግጋፍ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብሓድነትን ንክኸውን ኣገንዚቡ። ትንሳኤ መርኣያ ዓወት ውድቀት፣ምሽናፍ፣ተስፋ ምስኣንን ባርነትን እዩ ዝበለ እቲ ቤት ምኽሪ፤ ትንሳኤ ሞት ኣሸኒፍካ ምትሳእ፣ዳግማይ ጠጠው ምባል እውን እዩ ክብል ገሊፅዎ።
ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ
Apr 19, 2025 73
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ /11/2017 (ኢዜኣ) ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ። ሰዓብቲ እቲ እምነት እቲ በዓል ብሰላምን ሓጎስን ንከኽብሩ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ድሕንነትን ብምውዳድ ኣድላይ ምድላው ከምዝገበረ ገሊፁ። እቲ በዓል ኣብ ምኽባር ዕንቅፋት ክኾኑ ዝኽእሉ ነገራት ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ስራሕ ምኽባር ፀጥታ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብበዓል ዋናነት ብምስታፍ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ብዝበለጸ ኣጠናኺሩ ንክቕፅለሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቡ። እቲ ማሕበረሰብ ስግኣት ፀጥታ ክኾኑ ዝኽእሉ ዘጠራጥሩ ነገራት እንትዕዘብ ብመተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታት(EFP App)ን ብነፃ መስመር ስልኪ 991ን ጥቆማ ብምሃብ ዜግነታዊ ሓላፍነቱ ንክዋፃእ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ። ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላም፣ጥዕና፣ፍቕርን ሓድነትን በዓል ንክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።
ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Apr 19, 2025 68
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 11/2017 (ኢዜኣ) ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ(ዶ/ር) ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ “እንኳዕ ንብርሃነ ትንሳኤ ብሰላም ኣብፀሐና፤ ኣብፀሐኩም” ኢሎም። እቲ በዓል፤ ናይ ፍቕሪ፣ምትሕስሳብን ሓድነትን በዓል ንክኸውን እውን ተመንዮም።
ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ተጀሚሩ -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
Apr 19, 2025 33
ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /11/ 2017 /ኢዜአ/ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፍሕፋሕ ተጀሚሩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ንበዓል ትንሳኤ እንዃዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ መግለፂ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም፡፡ ኣብ መልእኽቶም÷ ፀጋ ኢትዮጵያ ንዓለም ይግለፅ ኣሎ ኢሎም፡፡ ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ቀፂሉ ይቐርብ፡- እንዃዕ ንበዓል ትንሳኤ ኣብፀሐኩም ትንሣኤ ናይ ዓወት በዓል እዩ። ባዕልና ክሳብ ዘይተሳዕርና ዝስዕረና ሰብ ከምዘየለ ንመሃረሉ። ሮማውያንን ኣይሁድን ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ዝኽእልዎ ኩሉ ገይሮም ነይሮም። ፈሪዶምሉ፤ ገሪፈምዎ፤ ሰቒሎም ቀቲለምዎ፡፡ ኣብ መወዳታ ኣብ መቓብር ቀቢሮም ነቲ መቓብር ሓተምዎ። እዚ ዅሉ ንኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መቓብር ኣሲሮምዎ ግና ካብ ትንሳኤ ኣይዓገቶን፡፡ ኣብ ትንሣኤ ለይቲ ሞትን መቓብርን ነበረያ ነበረ ኮይኑ፡፡ እዚ ኩሉ ዕግርግርን ጫውጫውን ብኸንቱ ኮይኑ። ኣብ ጥቓ ሞት ህይወት ኣብ ጥቓ መቓብር ድማ ትንሳኤ ተራእየ። ንሓቂ መን እዩ ክስዕራ ዝኽእል? ንፀሓይ መን ክሽፍና ይኽእል? እቲ ህቦብላን ኣውሎ ንፋስን ንምስዓር ዝተዳለወ እዩ፡፡እቲ ጫውጫውን ዕግርግርን ክፈርሑ ዝተዳለወ እዩ፡፡ወረን ሕሜታን ነቶም ክስንብዱ ዝተዳለዉ ጥራይ እዩ ዘሰንብዶም። ክስዕሩ ዝወሰኑ ማንም ዝዓግቶም የለን። ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስፋሕፋሕ ተጀሚሩ። እቲ ጫውጫው ይሓልፍ ኣሎ። ፀልማት ይወግሕ ኣሎ። እቲ ሽርሒ ይፍታሕ ኣሎ። ኩሉ ንድሕሪት ይሓድጎም ኣሎ። ፀጋ ኢትዮጵያ ንዓለም ይግለፅ ኣሎ። ኩሎም ኣብ ኣደባባይ ጲላጦስ ኣብ ኢትዮያ ዝበኽዩ ዝነበሩ ኩሎም ኣእዳዎም ኣብ ኣፎም ከንብሩ እዮም። ኢትዮጵያ ዓይኖም ከፊቶም ክትለዓል ክርእዩ እዮም። ከም ‘እቲ ዝተወግአ ክርኢ እዩ’ ዝብሉ። ብድጋሚ ርሑስ በዓል ይኹነልና።
ርእሰ ምምሕዳር ክልላት ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Apr 19, 2025 17
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 11/2017 (ኢዜኣ) ርእሰ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ክልላት ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። ፕሬዚዳንት ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ዝጠመዩ ብምብላዕ፣ዝዓረቑ ብምኽዳንን ዝሓመሙ ብምሕታትን ክኸውን ይግባእ ኢሎም። እቲ በዓል ፤ ናይ ሰላም፣ፍቕሪ፣ሓድነትን ይቅርታን በዓል ንክኸውን እውን ተመንዮም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ነጋሽ ዋጌሾ(ዶ/ር ኢ/ር) ብግደኦም፤ እቲ በዓል እንትነኽብር ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተዋፈርናሉ ዘፈር ስራሕ ብምትጋህ ብልፅግና እነረጋግፀሉ ክኸውን ይግባእ ኢሎም። ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ በዓል እንተኽብሩ ዝተፀገሙ ብምሕሳብን መኣዲ ብምክፋልን ንከኽብርዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ እንዳሻው ጣሰው(ዶ/ር)፤ እቲ በዓል እንትነኽብር ሓባራዊ ፀጋታትና መሰረት ዝገበረ ሕብረ ብሄራዊ ኢትዮጵያዊ ሓድነት ንምጥንኻርን ጠንካራ ሃገር ንምህናጽን ብሓባር ብምትጋህ ክኸውን ይግባእ ኢሎም። እቲ በዓል፤ ናይ ፍቕርን ሰላምን በዓል ንክኸውን እውን ተመንዮም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ፤ በዓል ትንሳኤ ዝተፀገሙ ወገናት ካብ ምሕጋዝ ብተወሳኺ ብዘላቕነት ዓርሶም ንክኽእሉ ብምስራሕ ክነኽብሮ ኣለና ኢሎም። ብተወሳኺ እውን ብሓድነትን ብምትሕብባርን ፈተናታት ብፅንዓት ብምሽጋር ንሰላምን ልምዓትን ትልምታትና ብሓባር ብምርብራብ ጉዕዞ ምንስርራእ ኢትዮጵያ ንምፅናዕ ብምስራሕ ክኸውን ይግባእ ክብሉ ገሊፆም። ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እቲ በዓል እንተኽብሩ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ዓቕሚ ንዘይብሎም ብምክፋልን ንክኸውን ፃውዒት ዘቅረቡ ድማ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ እዮም። ሰላም ህዝብና ብምርግጋፅ ትንሳኤ ልምዓትናን ብልፅግናናን ምቅልጣፍ ይግባእ ክብሉ እውን ወሲኾም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሀሰን እቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ እቲ በዓል ምትሕስሳብ፣ምትሕዝዛንን ምትሕግጋዝን ብተግባር ምርኣይ ዝተለመደሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም። እዚ ተግባር ምትሕግጋዝ ድሕሪ እቲ በዓል እውን ብዝበለፀ ክጠናኸር ይግባእ ኢሎም። ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ጋትሉዋክ ሮን(ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ እዚ እዋን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሓድነትን ሕብረ ብሄራዊነትን ዝሓትት ስለዝኾነ እቲ በዓል እንትነኽብር ብኢትዮጵያዊ ባህሊ ክኸውን ይግባእ ኢሎም። ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እውን እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ሓድነት፣ምትሕስሳብ፣ሓጎስን ፍቕርን በዓል ንክኸውን ተመንዮም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣጽቀስላሴ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
Apr 19, 2025 14
ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 11/2017 (ኢዜኣ) ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣጽቀስላሴ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኤክስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት፤ በዓል ትንሳኤ መዓልቲ ሓጎስን ፍስሃን እዩ ኢሎም። እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ክርስቶስ ብሰላም ኣብፀሐኩም ክብሉ እውን ገሊጾም። እቲ በዓል፤ ብፍቕሪ፣ሰላምን ምትሕስሳብን ክነኽብሮ ሰናይ ትምኒተይ እዩ ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።