ቁጠባ
1 ሽሕን 382 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ገጠር ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምግባር ተኻኢሉ እዩ-እቲ ኣገልግሎት
Apr 23, 2025 110
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 15/2017 (ኢዜኣ) ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ 1 ሽሕን 382 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ገጠር ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምግባር ከምዝኸኣለ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ፈጻሚ ስራሕ ኮሙኒኬሽን እቲ ኣገልግሎት ኣይተ መላኩ ታዬ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ እቲ ለውጢ ስዒቡ ዝርገሐ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ፀኒሖም እዮም። ብፍላይ ድማ እቲ ኣገልግሎት ኣብ ከተማታትን መንደራትን ገጠር ንክባፃሕ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውጽኢት ኣምፂኦም እዮም ኢሎም። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ 1 ሽሕን 382 ሓደሽቲ ከተማታትን መንደራትን ገጠር ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንክረኽቡ ከምዝተገበረ ከም ኣብነት ተዛሪቦም። መሰረተ ልምዓታት ነዊሕ እዋን ዘገልገሉ ካብ ምዃን ብተወሳኺ ነዚ እዋን ዝምጥን ዘይምዃኖም ምኽንያት ምቁራፅ እቲ ኣገልግሎትን ቅሬታ ዓማዊልን ከምዝኾኑ ምፍላዮም ሓቢሮም። ነቲ ፀገም ዘላቒ መፍትሒ ንምንዳይ እውን እቲ ኣገልግሎት ካብ ዝእክቦ ግብሪ ከምኡ እውን ካብ መሓዙት ልምዓት ዝርከብ ፋይናንስ ኣብ ዋና ዋና ከተማታት ስራሕቲ ምምሕያሽ ኔትወርክን ዳግማይ ህንፀትን እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም። ስለዝኾነ እውን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋ፣ ኣዳማ፣ መቐለ፣ ባህር ዳርን ጅማን ፈላማይ ምዕራፍ ስራሕ ምምሕያሽ ኔትወርክን ዳግማይ ህንፀትን ከምዝተዛዘመ ገሊፆም። ወላይታ ሶዶ፣ ሀረር፣ ሻሸመኔ፣ ደብረ ማርቆስ፣ጎንደርን ኮምቦልቻን ሓዊሱ ኣብ 6 ከተማታት ዝተጀመረ ስራሕ ምምሕያሽ ኔትወርክን ዳግማይ ህንፀትን ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም። ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር እንትፍጠሩ መተግበሪ ሞባይል ብምጥቃም ጥቆማ ዝወሃበሉ ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ ዝገለፁ ኣይተ መላኩ፤ ዓማዊል ተሳትፎ ብምዕባይን ጥቆማ ብምሃብን ኣካል መፍትሒ ንክኾኑ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኩባንያ መፍረዪ ኣውሮፕላን ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ኣቪዬሽን ክዋፈር ከምዝደሊ ገሊፁ
Apr 23, 2025 95
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ኢምብሬር ዝተብሃለ ኩባንያ መፍረዪ ኣውሮፕላን ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ኣቪዬሽን ክዋፈር ከምዝደሊ ገሊፁ፡፡ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ምስ ምክትል ኣምባሳደር ብራዚል ኣብ ኢትዮጵያ ጃክሰን ሊማን ን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኩባንያን ተዛቲዮም፡፡ ኣብዚ እዋን መንግስቲ ንዓውዲ ኣቪዬሽን ትኹረት ብመሃብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፤ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ምስ ዓለም ብምርኻብ ኩርዓት ኣህጉርና ኢዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ዝተዋፈሩ ብዙሓት ናይ ውልቀ ኦፕሬተራት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ሓዊሱ ክሳተፉ ዝኽእሉሎም ኣዋፃእቲ ዝኾኑ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ከምዝተፈለዩ እውን ኣብሪሆም፡፡ ተወከልቲ እቲ ኩባንያ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ንኣቪዬሽን ዝሃበቶ ትኹረት ብዝምልከት ኣበ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ክዋፈሩ ከምዝደልዩ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ኣብ ፅገና ኣውሮፕላን፣ ምፍራይ ኣካላት ኣውሮፕላንን ዓውዲታት ስልጠናን ቀዳማይ ድሌቶም ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡
ኩለመዳያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም-ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር)
Apr 23, 2025 62
  ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ/ 15/2017 (ኢዜኣ) ኩለመዳያዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ገሊፀን። ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራውን ኤርጎጌ ተስፋዬ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልኦ፤ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ። ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ኣብ ሕብረት ልምዓት ንክውደባ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ፀገማት ዝፈትሕ ኣወዳድባ ስለዝኾነ ናይ ምጥንኻር ስራሕ ከምዝተሳለጠ ተዛሪበን። ኣብ ሕብረት ልምዓት ደቂ ኣንስትዮ ዝስራሕ ዘሎ ኩለመዳያዊ ልምዓትን ብልፅግናን ናይ ምርግጋፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ እውን ኢለን። ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን ማሕበራውን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣለማት ኣማረ፤ ተሳትፎን ተረባሕነትን ደቂ አንስትዮ ንምርግጋፅ ጉጅለ ልምዓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውዳብን ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን። ኣብ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን ማሕበራውን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ሓላፊት ዘፈር ምስታፍ፣ምብቃዕን ስርፀት ስርዓተ ጾታን ፍሬ ጥበቡ፤ ካብ ስደት ዝተመለሳ ደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ወሲደን ዕድል ስራሕ ንክረኽባ እናተገበረ እዩ ኢለን። ተሳትፎን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፃ ድማ ምክትል ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን ማሕበራውን ክልል ኣምሓራ ዝና ጌታቸው እየን።
ንኢንተርፕራይዛት ልዕሊ 10 ቢሊየን ብር መሳለጢ ስራሕ ልቓሕን መፍረዪ መሳርሒን ተኸፋፊሉ
Apr 23, 2025 47
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ንኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ልዕሊ 10 ቢሊየን ብር መሳለጢ ስራሕ ልቓሕን መፍረዪ መሳርሒን ከምዝተኸፋፈለ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙኒኬሽንን እቲ ትካል ኣይተ ሮቤል ኣሕመድ ከምዝበሉዎ÷ ዓቕሚ ነባር ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ንምጥንኻርን ሓደሽቲ ንምጥያሽን ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ 2 ሺሕን 752 ሓደሽቲ ኢንተርፕራይዛት ዝተጣየሹ እንትኾኑ÷ 10 ሺሕን 979 ነባር ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ድማ ምጥንኻር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡ ነኢንተርፕራይዛት ቀረብ መስርሒ ቦታን ልቓሕን ተበፃሒ ኣብ ምግባር ብትኹረን ብትሕብባርን ከምዝሰርሐ እውን ኣመልኪቶም፡፡ በዚ ድማ ን1 ሺህ 209 ኣፍረይቲ ኢንተርፕራዛት 6 ቢሊየን 63 ሚሊየን 775 ሺሕ ብር መሳለጢ ስራሕ ልቓሕ ከምዝተኸፋፈለ ሓቢሮም፡፡ ከም ፀብፃብ ፋና ዲጂታል ፡፡
 ሓዱሽ ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን መፍረያይነት ንምዕባይን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ እዩ
Apr 23, 2025 15
  መቐለ/ሚያዝያ /15/2017 (ኢዜኣ) ሓዱሽ ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን መፍረያይነት ንምዕባይን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ንዝግበር ፃዕሪ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገሊፁ። ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እያሱ ኣብርሃ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ፖሊሲ ንሰብ ሞያ ግብርናን ዝምልከቶም ኣካላትን ተኸታታሊ ስልጠና እናተውሃበ እዩ ዝርከብ። እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ግብርናን ልምዓት ገጠርን ብዋናነት ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ዝዓለመ ስለዝኾነ እቲ ፖሊሲ ኣብ ክልል ትግራይ ተግባራዊ ንክኸውን ምንቅስቓሳት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም። ኣብቲ ክልል ዘለዉ ሰብ ሞያ ግብርናን ሰብ ሃፍቲ ውልቀን ሓዊሱ ካልኦት ኣብቲ ዓውዲ ዝተዋፈሩ መዳርግቲ ኣካላት እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ተረዲኦምን ፈሊጦምን ንከፈጽሙ ዝተጀመረ ስልጠና ተጠናኺሩ ቀፂሉ እዩ ኢሎም። ካብ ቀንዲ ዘፈራት እቲ ፖሊሲ ፍርያትን መፍረያይነትን ምዕባይን መዋቕራዊ ሽግግር ገጠር ምርግጋፅን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ግብርና ብምምዕባል ተሳትፎ ሰብ ሃፍቲ ውልቀ ኣብ ምዕባይ መሰረታዊ ለውጢ ከምዘምፅእ ተዛሪቦም። ሚኒስቴር ግብርና እውን ኣብቲ ክልል ዕቤት እቲ ዓውዲ ክውን ንምግባር ዝተፈላለዩ ደገፋት እናገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ እቲ ቢሮ ልዑል ምስጋና የቕርብ ኢሎም። ኣብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ላዕላይ ቆራሮ ክልል ትግራይ በዓልቲ ሞያ ግብርና ዝኾና ወይዘሮ ምብራቕ ገብረመድህን ኣብ ዙርያ ቁልፊ ስትራቴጂ እቲ ፖሊሲ ስልጠና ከምዝወሰዳ ብምግላፅ፤ “እቲ ስልጠና ተወሳኺ ዓቕምን ግንዛበን ሒዝና ንሓረስቶት ብሞያና ንምሕጋዝ ዘኽእለና እዩ” ኢለን። በዓል ሞያ ግብርና እዚ ወረዳ ዝኾኑ ኣይተ ተኽላይ ሞገስ ብግደኦም፤ ንሓረስቶት ዝወሃቡ ሞያዊ ደገፋት ንምዕባይ ኣብ ዙርያ እቲ ፖሊስን ስትራቴጂን ተኸታታሊ ስልጠና ከምዝተውሃበን ኣድላይ ከምዝኾነን ገሊፆም።
ስራሕ ልምዓት ኮሪደርን ዳግማይ ልምዓትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጡ ዝሓዞም መሰረተ ልምዓታት መንገዲ፤
Apr 23, 2025 17
  ስራሕ ልምዓት ኮሪደርን ዳግማይ ልምዓትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጡ ዝሓዞም መሰረተ ልምዓታት መንገዲ፤ ሀ/ 1 ሜክሲኮ-እስጢፋኖስ…ዝተዛዘመ 2 ቸርችል_ ሜክሲኮ... ዝተዛዘመ 3 ብሔራዊ _ ለገሃር ... ዝተዛዘመ 4 ኣራት ኪሎ _ እስጢፋኖስ... ዝተዛዘመ 5 ቦሌ ቪኣይፒ _ ብራስ... ዝተዛዘመ 6 መቅረዝ ሆስፒታል - ሴቶች ኣደባባይ...ዝተዛዘመ 7 ኣዋሬ ኣደባበይ ቤተ-መንግስቲ... ዝተዛዘመ 8 ዑራኤል - ቤተ መንግስቲ.... ዝተዛዘሙ 9 ኃይለኣለም ህንፃ - ካዛንችስ ሱፐርማርኬት...ዝተዛዘመ 10 ካዛንችስ መብራት-ብሔራዊ ቴዓትር...ዝተዛዘመ 11 ቶታል _እንደራሴ_ ሴቶች አደባባይ_ ቤልየር .....ኣዋሬ ብቤል ኤር ክሳብ መንገዲ ቀበና መንገዲ እግረኛ፣ መብራህትን መንገዲ ኣስፋልትን ይተርፎ፡፡ 12 ካብ ቡልጋሪያ_ ሕብረት ኣፍሪካ_ ካርል ኣደባባይ.... ዝተወሰኑ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ይተርፎ። 13 ቤተ-መንግስቲ - ኣዋሬ ጃንክሽን_ ኣራት ኪሎ ...ምስትኽኻል መብራህትን መንገዲ እግረኛን ይተርፎ። 14 ከባቢ ዓድዋ ድልድል ....ስራሕቲ ድልድል፣ፓርኪንግን ፕላዛታትን ይተርፎ። ሳይክል ሌን (20.7 ኪሎ ሜትሮ) ለ/ 1 ዓድዋ -ለገሃር.... ዝተዛዘመ 2 ሜክሲኮ- እስጢፋኖስ.... ዝተዛዘመ 3 ቤተ መንግስቲ -ኡራኤል.... ዝተዛዘመ 4 መቅረዝ ሆስፒታል- ሴቶች አደባባይ...ዝተዛዘመ 5 ቤተ መንግስቲ -ኣዋሬ.... ዝተዛዘመ 6 ሴቶች ኣደበበይ -ኣዋሬ- ቤተ መንግስቲ...ዝተዛዘመ 7 ቦሌ ቪኣይፒ - ቦሌ ብራስ....ዝተዛዘመ መንገዲ እግረኛ (81.G ኪሎ ሜትሮ) ሐ/ 1 ሜክሲኮ_ እስጢፋኖስ....ዝተዛዘመ 2 ቸርችል_ ሜክሲኮ....ዝተዛዘመ 3 ብሄራዊ _ ለገሃር .... ዝተዛዘመ 4 አራት ኪሎ _ እስጢፋኖስ....ዝተዛዘመ 5 ቦሌ ቪአይፒ _ ብራስ....ዝተዛዘመ 6 መቅረዝ ሆስፒታል - ሴቶች ኣደባባይ....ዝተዛዘመ 7 ቤተ-መንግስቲ - ኣዋሬ ጃንክሽን....ዝተዛዘመ 8 ዑራኤል - ቤተ መንግስቲ .... ዝተዛዘመ 9 ኃይለኣለም ህንፃ - ካዛንችስ ሱፐርማርኬት...ዝተዛዘመ 10 ካዛንችስ መብራት-ብሔራዊ ቴዓትር.... ዝተዛዘመ 11 ኣዋሬ አደባበይ ቤተ-መንግስት....ዝተዛዘመ 12 ቶታል _እንደራሴ_ ሴቶች ኣደባባይ_ ቤልየር ....ኣዋሬ ብቤል ኤር ክሳብ መንገዲ ቀበና መንገዲ እግረኛ፣ መብራህትን መንገዲ ኣስፋልት ይተርፎ፡፡
ካዛንቺስ ሎሚ ሽልማትና  ሓበራዊ ፃዕሪን ለውጢን  ኮይና ተረኺባ ኣላ - ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Apr 23, 2025 10
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2017 /ኢዜአ/ዝተጎሳቖሉን ኣዚዮም ዝተጎድኡን ኣባይቲን ከባቢን ዝርከበላ ዝነበረት ካዛንቺስ ሎሚ ሽልማትና ሓበራዊ ፃዕሪን ለውጢን ኮይና ተረኺባ ኣላ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትማሊ ልምዓት ኮሪደር ካዛንቺስ ብዕሊ መሪቖም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ከተማታትና ናይ ምዝማን ሰፊሕ ፃዕሪ ዋና መርአዪ ዝኾነ ኣብ ካዛንቺስ ዘሎ ክፋል ልምዓት ኮሪደር ብዕሊ መሪቕና” ኢሎም። ካብዚ ከባቢ ተላዒሎም ንማሕበረሰብና ፅቡቐ መነባብሮ ንምፍጣር ካብ ዘለና ፅኑዕ እምነትን ተግባርን ብዘርኢ መልክዑ ንናብራ ናብ ዝሐሸ ከባቢ ዝተዘዋወሩ ነበርቲ ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ተዓዚብና ነይርና” ክብሉ እውን ገሊፆም፡፡ ዝተዘዋወሩሉ ከባቢ ኣዚዩ ምቹው ከምዝኾነ ምዕዛቦምን ሎሚ ድማ ዝተለዓሉሉ ሰፈር መርአያ ዘደንቕ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ከምዝመረቑን ገሊፆም። ከምዚ ዝበሉ ስራሕቲ ሰፊሕ ፃዕሪ ዝጠልቡ ኢዮም፤ ግዚያዊ ምቾት ዘስእኑ ፈተናታት እውን ከስዕቡ ይኽእሉ ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር÷ ይኹን ደአምበር እዚኦም ንልዑል ረብሓ ሃገር ተባሂሉ ዝኽፈሉ ኣድለይቲ መስዋእትነታት ኢዮም ክብሉ ሓቢሮም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕድጊት ኣውሮፕላናቱን መባፅሕቲ ኣብ ምድንፋዕን ዝተቐመጡ ሸቶታት ምዕዋቱ ገሊፁ
Apr 22, 2025 85
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/14/ 2017 /ኢዜአ/መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዕድጊት ኣውሮፕላፕላናትን መባፅሕ ቦታታትን ኣብ ምድንፋዕን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ዝተቐመጡ ሸቶታት ከዕውት ከምዝኸኣለ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ እቲ መገዲ ኣየር ገሊፆም፡፡ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምስ ቢቢሲ “ፎከስ ኦን ኣፍሪካ” ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት እቲ መገዲ ኣየር ምስ ኩባንያ ቦይንግ ዘለዎ ጥንኩር ርክብ ብምልዓል÷ ኣብ ቀረባ እዋን 67 ኣውሮፕላናት ከምዝተኣዘዙን ዝተመረፁ ክፍልታት ኣውሮፕላን ንቦይንግ ኣብ ኢትዮጵያ እናፈረዩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡ ወሰኽ ዋጋ ትኬት ብዝምልከት ሕቶ ቀሪቡሎም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ልዑል ክፍሊት ትሕዝቶ መሬት፣ ናይ ነዳዲ ወፃኢታት ኣብ ኣፍሪካ ምስ ማእኸላይ ምብራቕ፣ ኣውሮፓን እስያን እንትነፃፀሩ ኣዚዮም ክባራት ብምዃኖም ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ግብሪ ኣብ ዋጋ ትራንስፖርት ኣውሮፕላን ኣህጉር ክብ ንኽብል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ገሊፆም፡፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓመት 110 ሚሊየን መገደኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ዘለዎ ሓዱሽ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ንምህናፅ ኣብ ምድላው ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡ ከይዲ ህንፀቱ ክልተ ምዕራፋት ከምዝህልዉዎ ብምግላፅ÷ 60 ሚሊዮን መገደኛታት ዘተኣናግድ ቀዳማይ ምዕራፍ ህንፀት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2029 ከምዝዛዘም ኣፍሊጦም፡፡ ህንፀት እቲ ሓዱሽ ፕሮጀክት ኣብ ዝካየደሎም ከባቢታት ዘለዉ ተለዓልቲ ሓረስቶትን ማሕበረሰብን ናብራኦም ክቕፅል ንምግባር ዝሕግዙ መንበሪ ኣባይቲ፣ ሓደሽቲ ህንፃታት፣ ማእኸላት ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ማእኸላት ንግዲ ኣብ ምህናፅ ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡፡ ስነ ስርዓት ምንባር እምነ ኹርናዕ እቲ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ከምዝካየድ እውን ኣመልኪቶም።
ኣብ ዓውዲ ስራሕን ክእለትን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምድንፋዕ ፈጠራ ማእኸል ዝገበረ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ተሓቢሩ
Apr 22, 2025 33
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/14/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ዓውዲ ስራሕን ክእለትን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምድንፋዕ ፈጠራ ማእኸል ዝገበረ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ። ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ እቲ ትካል መሰረት ብምግባር ተዛቲዮም። እቲ መድረኽ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ተኻይዱ። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ “ኣብቲ መድረኽ ሃገር ለኸ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ምስ ዓለም ለኸ ኩነታት፣ ምስ ኣፈፃፅማ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚን ዝንባለታትን ብምትእስሳር ኣብ ዘላቒ ልምዓትና ዘለዎ ትርጉም አስተብሂልና” ኢለን፡፡ ንኣፈፃፅማ መሰረተ ልምዓትን ፕሮጀክታትን ሓዊሱ ማሕበራዊ ተሳታፋይነት ኩለመዳያዊ ሉኣላዊነትን ንምርግጋፅ ስራሕቲን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ከምኡ እውን ናይ ቀፃሊ ኣንፈታት ትኹረት ብዝርዝር ከምዝተርኣዩ ገሊፀን፡፡ ብዝተገበረ ኩለመዳይ ርብርብ ተስፋ ዝህብን ጭቡጥን ውፅኢት ከምዝመዝገበ እውን ኣመልኪተን። “ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ኣብ ጉዳያት ልምዓት ክእለት፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ሰላማዊ ርክብ ኢንዱስትሪ ህንፀት ትካላትን ኣብቲ ዓውዲ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምድንፋዕ ብትግሃትን ቅልጣፈን ፈጠራ ማእኸል ዝገበረ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ተረዳዲእና” ክብላ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈራያት ካሚል ሓቢረን፡፡
ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 100 ሺሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ንሓረስቶት ይከፋፈል ኣሎ
Apr 21, 2025 51
  ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/13/ 2017 /ኢዜአ/ኣብ ክልል ትግራይ ንዘበነ ምህርቲ 2017/18 ልዕሊ 100 ሺሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ንሓረስቶት እናተኸፋፈለ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣበራ ከደነው ከምዝበሉዎ÷ ንሓረስቶት ዘድሊ ምሩፅ ዘርኢን ቀረብ ካልኦት እታወታትን ንምምላእ ዘኽእሉ ተግባራት ተወጊኖም፡፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዘበነ ምህርቲ ብሓረስቶትን ትካላት ምርምርን ካብ ዝተራብሑ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝራእቲ ንምእካብ ትልሚ ተታሒዙ እናተሰርሐ ምፅንሑ ተዛሪቦም። ምስ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ሕርሻ ኢትዮጵያን ምስ ዩኒየናት ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ብምትሕብባር ልዕሊ 100 ሺሕ ኩንታል ምሩፅ ዘርኢ ኣብ ምክፍፋል ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ክልል መፍረያይነት ሕርሻ ንምድንፋዕ ብኩታ ገጠም ሕርሻ ፍርያታት ስርናይ፣ ምሸላ፣ ጣፍ፤ ሰሊጥን ካልኦትን ንምልማዕ 250 ሺሕ ሄክታር መሬት ከምዝተሰናደአ ሓቢሮም።
ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ካብ ዝጅመር ንነዘ ዝፈርዩ ፍርያታት ፅሬየቶምን ተወዳዳራይነቶምን እናዓበየ መፂኡ እዩ -ሚኒስትር መልአኩ አለበል
Apr 21, 2025 47
  አዲስ አበባ/ ሚያዚያ /13/2017(ኢዜአ)፦ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ካብ ዝጅመር ንነዘ ዝፈርዩ ፍርያታት ፅሬየቶምን ተወዳዳራይነቶምን በብዓመቱ እናዓበየ ምምፅኡ ሚኒስትር እንዱስትሪ መልአኩ አለበል ገሊፆም ። ቀዳማይ ሚኒስትር አብይ አሕመድ (ዶ/ር) ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሚያዚያ 29/2014 ዓ/ምህረት ዕላዊ ምግባሮም ዝዝከር እዩ ። ኣይተ መላኩ ኣለበል ከምዝበልዎ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ንዝሓለፉ ዓመታት ብርልት ዝበሉ አዎንታዊ ውፅኢታት ተመዝጊቦም፡፡ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍርይ ዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ብዙሓት ተግባራት እናተኻየዱ ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡፡ እቲ ምንቐስቓስ አብ ኢትየጵያ ዝተፈላለዩ ፍርያታት ንክፈርዩ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ኢትየጵያ ካብ ወፃኢ እተእትዎም ዝነበረት ፍርያታት አብ ምትራፍ ልዑል ታራ ሒዙ እናተዋሰአ እዩ ብርክት ዝበሉ ፍርያታት ዕዳጋ ንኸረኸቡ ከምኡ እውን ምትእስሳር ንክፍጠረሎም እውን ምቹኡ ባይታ ፈጢሩ አሎ ኢሎም ፡፡
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም